መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 5

Post Reply
africangear
Posts: 396
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ - Part 5

Post by africangear »

gereb-arena-weyane-tigray.jpg
ሓምሻይ ክፋል፤ መርኣያ ግፍዕታት ሸዋውያንን ባንዳታትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ቀዳማይ ወያነ

ግፍዓዊ ማእሰርቲ 27 ዓመታት፤ ብኣንደበት ኣባ መብረቕ

ኣብ’ቱ ዝጠልቀየ ምድርቤት ጥራሕ ዝባነይ ምስደብረዩኒ ውነይ ምስሰሓትኩ፤ ካብኡ እኒ መን፣ ከመይ ገይሮም ከምዝወሰዱኒን ሞዳ እንግሊዝ ከምዝኸደኑኒን፤ ኣብ ጥቓ እቱ መዕረፊ ነፈርቲ ዝነበረ ሕክምና እንግሊዝ እናተሓከምኩ ውነይ ተመለሰ፡፡ ውነይ ምስተመለሰ፣ ሕክምናን መግብን ብቶም እንግሊዝ ብፅቡቕ እናተውሃበኒ ንልዕሊ ሰሙን ምስፀናሕኹ፤ ጥዕናይ መሊኡ ሐሸኒ፡፡

ካብኡ ደገዝማት ጣሰው መፂኡ ምስ’ቶም እንግሊዝ ተዛራሪቡ ንኡኡን ንቶም እንግሊዝን ሓደገኛ ስለዝኾንኩ ተባሂሉ፤ በሸንሸል ተኣሲረ ብኣውሮፕላን ንጎሬ ከምዝኸድ ወሰኑ፡፡ ኣይእሰርን ኢለ ኣዕገርጊረ ክንደይ ተቓሊሰዮም ነይረ፡፡ ብሰብ በዝሒ ቀጥቂጦምን ፀቓቒጦምን እግረይን ኣእዳወይን ብረጕድ ሸንሸል ተኣሲሩ ሻምቦ ሻምቦ ኢሎም ናብ ነፋሪት ሰቐሉኒ፡፡ ከምኡ ዝበለ ሸንሸል ኣብ ማካይን እንግሊዝ ሪአ ነይረ፤ የመና ረዚን እዩ፡፡

ብኸም’ዙይ ብሸንሸል ተገኒዘ፣ ብኣውሮፕላን ተጓዒዘ ጎሬ ምስበፃሕኩ፤ ኣእጋረይ ክሻብ ብርከይ ብሸንሸል ጣጢኖም ኣሲሮምኒ ስለዝነበሩ ሓቢጡ ስለዘይንቀሳቐስ፤ ፀይሮም ካብ ኣውሮፕላን ኣውሪዶም፣ ናብ ማኪና ፅዒኖም ወሲዶም፣ ካብ ማኪና እውን ፀይሮም ኣውሪዶም እዮም፤ ጎሬ ናብ ዝርከብ ዕፅው ፀልማት ክፍሊ ማእሰርቲ ዘእተዉኒ፡፡ ኣብ ጎሬ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ጥልያን ዝሃነፆ ሓደ ገዚፍ ገዛ ኮይኑ፤ ኣብ ውሽጡ ፀበብቲ መሻኩቲ’ኳ ዘይብሉ ክፍልታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ፡፡

ኣብ ጎሬ ኣብ ዕፅው ዝፀናሕኩሉ ማእሰርቲ ብሱሩ ናይ ቀትሪ ብርሃን ኣይረኣኹን፡፡ ንደገ ኣብ ማዕልቲ ሓደ ግዘ ፀሓይ ምስዓረበት እዮም ዘውፅኡኒ ነይሮም፡፡ ብዘይካ እቶም ሓለውተይን በብእዋኑ ካብ ሸዋ እናተመላለሱ ዝምርምሩኒ ዝነበሩ ሰባትን ካሊእ ሰብ ኣብ ጎሬ ኣይረአኹን፡፡ ኣብ’ቱ ፀቢብ ክፍሊ ጎሬ ቀትርን ለይትን ኣእዳወይን ኣእጋረይን ብነዊሑ በሸንሸል ምስተኣሰረ እዩ ነይሩ፡፡ ምሸት ንደገ’ኳ እንተውፅኡኒ ንሕስያ ኣይነበሮምን፤ ምስዕስለ ሸንሸል እናተጎተትኩ እዬ ዝወፅእ ነይረ፡፡ እቱ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ሸንሸል ኣዐሪዩ ረጕድን ከቢድን ነይሩ፡፡

ኣብ ቤት ወኽኒ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘጋፍዑኒ ንደሓር ኣብ ጎሬ ቤት ማእሰርቲ ኣትዬ ክሻብ ልደት 1940 ዓ.ም ንልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ምዃኑ እዩ ነይሩ፤ ማዕልቲ ይኹን ዕለትን ወርሑን ጠፊኡኒ ነይሩ፡፡ ኣብ በዓለ ልደተ ክርስቶስ 1940 ዓ.ም ምሸት እውን ነይሩ፤ ካብ’ቶም ንደገ ዘውፅኡኒ ሓለውተይ ሓደ ባይሳ ዝተብሃለ ቅቡእ ሰብኣይ ንቱ ዕለት ብኸም’ዙይ ዘዘከረንን፤ ብድሕሪኡ እውን ዳርጋ ፅቡቕ ፈታውየይን ብዓል ውዕለታይን ዝኾነ፡፡

ምሸት ምሸት ኣርባዕተ ሰባት ኮይኖም እዮም ንደገ ዘውፅኡኒ ነይሮም፡፡ እቱ ሓደ ጥራሕ ምሳይ ቀሪቡ ንቱ ሸንሸል ሒዙ ናብ’ቱ ደገ ዝወፀሉ ይወስደኒ እሞ፤ ደገ ንኽወፅእ ዕጣቐይ ይፈትሐለይ፡፡ ተፀብዩ እውን የዕጥቐኒ፡፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ ዙሪያ ምላሽ ሓለዋ ይገብሩ፡፡

ፍታን ዝብሃል ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እውን ኣይወፀንን ነይሩ፤ ከብደይ የመና ንቒፁ ነይሩ፡፡ ግና ንቱ ናይ ደገ ንፋስ እናፍቖ ስለዝነበርኩ ከምዝፍትን ሰብ ሱቕ ኢለ ንነዊሕ ሰዓት ኮፍ እብል ነይረ፡፡ እቱ ደገ ዝወፀሉ ግድሚ ዝመስል ሰብ ይኹን ገዛውቲ ዘይብሉ ጥዑም ንፋስ ነይሩዎ፡፡ ክሻብ ዝመሺን ናብ ደገ ዘውፅኡኒን ድማ እናፍቖ ነይረ፡፡

ብኸም’ዙይ ምሸት ምሸት እንተውፅኡኒ “ውጣ… ሂድ… ግባ…” ካብ ዝብላ ቃላት ትእዛዝ ወፃኢ፤ ንነዊሕ ግዘ ኣብ ሞንጎና ብሕጭ ኢልና ተዛራሪብና ኣይንፈልጥን ነይርና፡፡ ኣብ’ቱ መጀመርታ ብፍላይ ብዛዕባይ እንታይ ኢሎም ከምዝፀወዩዎም፤ እቶም ዝበዝሑ ሓለውተይ ከምጉድ ዝመፆም ብፍርሕን ብፅልኢትን እዮም ዝሪኡኒ ነይሮም፡፡ ኣይኮነንዶ ከዋግዑኒን ክቐርቡኒን ክሪኡኒ’ኳ ይፅየፉኒ ነይሮም፡፡

ድሓር እናፀናሕኹ ምስከድኩ፤ እዙ ባይሳ ዝተብሃለ ሓላዊ ብዙሕ ግዘ ዕጣቐይ ዝፈትሐለይን ዘዕጥቐኒን እሱ ጥራሕ ኮነ፡፡ እሞ ብኸም’ዙይ እሱ ጥራሕ እናሓገዘኒ ምስፀናሕና፤ ሓደ ምሸት ካብ’ቱ ኩልሻእ ደገ ዝወፀሉ ቦታ ኣርሕቕ ኣቢሎም ፅልምት ናብ ዝበለ ቦታ ይወስዱኒ፡፡

ከም’ቱ ንምቕናዩ ዝገብሮ ባዕሉ ባይሳ ዕጣቐይ ፈቲሑለይ ደገ እናወፃኹ ኮፍ ኣብ ዝበልኩሉ፤ ካብ ውሽጢ ኩቱኡ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ዝተቛፀረ እንጀራ ብፀብሒ ዶርሆ ኣውፂኡ እቶም ካልኦት መሓዙቱ ከይሪኡዎ ቆላሕላሕ ኢሉ፤ “ዛሬ ገና ነው፤ በኣል ነው፤ ብላ ፀበል ነው” እናበለ ኣብ ርእሱ ርእሱ ኣኾለሰኒ፡፡ ሽዑ ንመጀመርታ ግዘ ኣፈይ ከፊተ እንታይ ማዕልቲ ከምዝኾነ ሓተትኩዎ፡፡

ማዕልቱ ሓሙስ ልደት ማዕልቲ ከምዝኾነ ፀወየኒ፡፡ እምበኣር ብኸም’ዙይ ነይሩ እቱ ዝጠፍአኒ ማዕልቲ ዕለትን ወርሕን ከምብሓዱሽ ምቑፃር ዝጀመርኩ፡፡ ንጉሆ ኮይኑ ቁራስ ጎጎን ታኒካ ማይን ንክህቡኒ በሪ እንትኸፍቱዎ ነይሩ ንቱ ማዕልቲ ዝቖፅሮ ዝነበርኩ፤ እምበር እቱ ክፍሊ’ማ ፍፁም ፀልማት እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ’ቱ ክፍሊ ኮይነ የመና ኣንፀርፅሮት ንጥልያን እንተይተረፈ ርግም እውዕሎ ነይረ፡፡ ጥልያንስ ክንደየናይ ጨካን ኣረመነ እንተነበረ እዩ፤ ኸም’ዙይ ገይሩ ፀልማት ዝኾነ ምድራዊ ሲኦል ሃኒፁ ዝሓደገ እናበልኩ፡፡

ብኸም’ዙይ ምስ ባይሳ ዝተጀመረ ርክብ ሱር ሰዲዱ ብዙሕ ገይሩለይ እዩ፡፡ ኣብ ጎሬ ኣብ ዝፀናሕኹሉ ግዘ ብሳላ ባይሳ እምበር ነብሰይ ክሕፀብ’ኳ ኣይፈቐዱለይን ነይሮም፡፡ ጓሓትን ምሸትን ካብ ዝህቡኒ ዝነበረ ታኒካ ማይ ወፃኢ ካልእ ኣይፍቀደለይን ነይሩ፡፡ ባይሳ ግና ኣብ ዝተፋላለዬ ማዕልቲ ፀውታ እናተፀበየ፤ ምስሓደ ሱሙ ዝዘንጋዕኹዎ ሓላዊ ዓርኩ ኮይኑ ማይ እናምፅአ፤ እቱ ዓርኩ ብደገ ኮይኑ ይሹጉሮ እሞ፤ ባዕሉ ባይሳ ኣብ ሓደ ፀግዒ ውሽጢ እታ ክፍለይ፣ ንቱ ሸንሸል ፈቲሑ ነፍሰይ ክሕፀብ ይገብር ነይሩ፡፡

ቁንጪ ኣዐሪዩ የሳቕየኒ ስለዝነበረ ሕልፍ ሕልፍ እናበሉ ንሱን ዓርኩን ኮይኖም ንቱ ምድሪ ቤት ማይ እናረብረቡ ይኹስትሩለይ ነይሮም፡፡ ቁማል የመና የሳቕየኒ ስለዝነበረ ክዳውንተይ እውን ይሓፅበለይ ነይሩ፡፡ ጨኒቑዎ ጨጉርኻ ክላፅየካ ኢሉኒ’ኳ ነይሩ፤ ጨጉሪ ርእሰይን ጭሕመይን ንዓመታት ክትንክፎ ኣይደለኹን፤ ጨጎርጎር ምስበልኩ እዬ ፀኒሐ፡፡ ገዝኡ ዘጥረዮ ዝኹለስ መግቢ ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዘ ስዋ እናምፅአ ክንዲ ወላድን ሓዉን ኮይኑ ኣያ ኮይኑኒ ነይሩ፡፡

ብተግባር ባይሳ ዝበዝሕ እቱ ፅመዋን ጭንቅን ተቐንጢጡለይ ነይሩ፡፡ ብፍላይ ምሸት ምሸት ዝበዝሕ ግዘ ማእሰርተይ ስለዘይተፈለየኒ ምስ ሰበይ ከምዘለኹ ኮይኑ ይስምዐኒ ነይሩ፡፡ ብዕድመ እውን ንሱ ዕብይ ዝበለ ብምዃኑ እቶም ካልኦት ሓለውቲ የኽብሩዎን ሓያል እውን ስለዝነበረ ይፈርሑዎን ነይሮም፡፡

ኮይኑ ግና ገሊኦም ሓለውቲ እኒ ደገዝማት ጣሰው ብዛዕባይ እንታይ ኢሎም ከምዘረዱኡዎም ክሻብ መወዳእታ ኣብ ልዕለይ ሓያል ፅልኢትን ጥርጣረን ነይሩዎም፡፡ ባይሳ እንተዘይሃልዩ እናዳፍኡ እዮም ዕጣቐይ ዝፈትሑለይን ስረይ ዘዕጥቑኒን ነይሮም፡፡ ገሊኦም ድማ ደገዝማት ጣሰው ዝሸለመኒ “ምትሃት ኣለዎ” ዝብል ወደቓ ኣሚኖም ይመስለኒ፤ ንነብሰይ ተሪፉ ንኽዳነይ ክትንክፉን ዕጣቐይ ንክፈትሑለይን ክኸድኑኒን ብስኽፍታን ምፅያፍን እዩ ነይሩ፡፡ ካብ እዞም ዝፅየፉኒ ዝነበሩ ሓለውቲ ሓደ ኩል ግዘ ዘስሕቐኒ ተጓንፎ ኣጋጢሙኒ ነይሩ፡፡

ሓደ ንኡስ ሓላዊ ወዲ ሓደ ምሸት ንደገ ምስወፃእኹ እናተፀየፈ ገፁ ካባይ እናኸወለ ስረይ ፈትሐለይ እሞ ደገ ወፃእኹ፡፡ ካብኡ ምስወዳእኹ ኣዕጥቐኒ እብሎ፡፡ ከም’ቱ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ክዳውንተይ ክትንክፍ የመና ተፀይፉ፣ ገፁ ካባይ እናመለሰ እናዕጠቐኒ እንተሎ ሃህ ኢለ ኣምቧህቕ፡፡ ወዮ ወዲ ዘወር ኢሉ ኣፈይ ተኸፊቱ ምስረኣየ ይመስለኒ፤ “ኡ! ኡ! በላኝ! በላኝ!” እናበለ እናወደቐ እናተልዓለ ዕርብርቡ ይኸድ፡፡

ኣነ እንታይ እዩ ኮይኑ ኢለ ደንጊፀ ነቒፀ እናሃለኹ፤ እቶም ካልኦት ሓለውቲ እውን ተደናጊፆም፣ ንቱ ኣውያት ዝሰምዑ ካልኦት ርሕቕ ኢሎም ዝነበሩ እውን ተጓይዮም ተኣኻኸቡ፡፡ ንዙ ወዲ ሒዞም ኣረጋጊዖም “እንታይ ኢኻ ኮይንኻ?” እንተበሉዎ “ኣፉ ኸፊቱ ክበልአኒ ኢሉ ነይሩ” በሎም፡፡ ብሳላ ምስ’ቶም ኣውያት ሰሚኦም ዝመፁ ባይሳ እውን ብምምፅኡን ንቱ ኩነታት ኣዘሓሒሉዎን እምበር መብዛሕትኦም ተጣራጢሮምኒ ነይሮም፡፡ ወዮ ንኡስ ወዲ ብኸም’ዙይ ምስባህረረ ብድሕሪኡ ሪአዮ ኣይፈልጥን፤ ንኽንደይ ግዘ ግና ንበይነይ እስሕቕ ነይረ፡፡

ኣብዙ ፀልማት ክፍሊ ብዙሕ ድቃስ ኣይነበረንን፡፡ ብዓልቲ ገዛይ ምስ ደቀይ፣ ኣዕርኽተይ፣ ዓደይ፣ ጥልመትን ግፍዕን ሰብ ሸዋ ኩሉ ብሓሳብ እናተሓዋወሰኒ ካብ ቁፅፅረይ ንላዕሊ እናኾነ ጭንቕ ይብለኒ እሞ፤ ምእንታን ክወፀለይ ኣብ’ቱ ፀልማት ክፍሊ ጉማዬ ዝብለሉ ግዘ ብዙሕ ነይሩ፡፡

ኣብ ልዕሊ እዙ ኩሉ ግፍዒ የመና ዘሳቕየኒ ዝነበረ፤ ናብ ጎሬ ካብ ዘግዕዙኒ ኣትሒዙ ዝተፋላለዩ ሰባት እናተልኣኹ ብዙሕ ይምርምሩኒ ነይሮም፡፡ “ምሳኻ ፅዋ ኮነ ምኽርን ስምምዕን ዝነበሮም ሰብቀምሽ ተጋሩ እንመን ነይሮም?” … “ካብ ወፃእተኛታትን ደቂ መረብ ምላሽን እንመን ይረኽቡኻ ነይሮም?” … “ስማዕ ኣታ ሽፍታ፤ ሐዚ እውን ምስሸፈትካ ኢኻ እኒሀኻ፡፡ መንግስቲ ብምሕረት ካብ ሞት እንተትረፈካ እውን እስኻ ንመንግስቲ ክትክሕስ ድሌት የብልካን፡፡ እዙ ኩሉ ጦር ትግራይ ከቲቱ እናሃለወ ሽንቲ ጨርቂ ደቅኻ እኳ ክርከብ ዘይከኣለ፤ እዞም ኩሎም ተጋሩ ገዛእቲ ምሳኻ ይተሓባበሩ ስለዝነበረ እምበር፤ ናትኻ ዘርእን ሰብን በዚሑ ዶ ይመስለካ? ንስኻ ንኣታቶም ኣሕሊፍካ ንኸይትህብ ኢኻ ትሕስው ዘለኻ” ዝብሉ፤ ዝተደጋገሙ ብዙሓት ሕቶታት እናቕረቡ ይምርምሩኒ ነይሮም፡፡

እገለ ይኹን ወዲ እገለ ትግራዋይ፤ ንገዛእቲ ሸዋ ከሕጉስ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ዝገበሮ እንተገበረ እውን፤ ትግራዋይ ብምንም ተኣምር ብገዛእቲ ሸዋ ዘይእመን ምዃኑ መሊአ ዘረጋገፅኩ ኣብ ፀልማት ቤት ማእሰርቲ ጎሬ እዩ፡፡ ካብ’ቶም ምስ ሽዋ ኮይኖም ንወያነ ዝወግኡና ተወለድቲ ገዛእቲ ትግራይ፤ ሓደ’ኳ ብመንግስቲ ሃፀይ ሃይለስላሰ ዘይተጠርጠረ ሰብ ኣይነበረን፡፡ … ይቕፅል …

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply