ታሪኽ ባንዳታት ትግራይ
-
africangear
- Posts: 404
- Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm
ታሪኽ ባንዳታት ትግራይ
ንህዝቡን ንዓዱን ምእንተ ከብዱ ሸይጡ ብጥልመት ንሸዋውያን ዝተዓሰበ ባንዳ፤ መወዳእትኡ ብሸዋ ይብላዕ፤ ወይ ድማ ተተፊኡ ይድርበ:: ንመዋእልና ታሪኽ ባንዳታት ትግራይ ንዙይ እዩ ኣርእዩና!
ሎሚ እውን ብጭቡጥ ድሮኳ እቶም ንህዝቢ መቐለን ከባቢኡን ሰንሰን ኣቢሎም ክንደይ ግፍዒ እናፈፀሙ ዝቐነዩ ዕሉላት ባንዳታት፤ ሸየጥቲ ህዝቦምን ዓዶምን ዝኾኑ ሊላይን ነብዩን፤ ካብ ባንዳነት እውን ተተፊኦም ኣለው:: ሊላይኳ ድሮ ሃዲሙ ኣሜሪካ ኣትዩ ኣሎ::
እቱ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ፤ እዞም ክልተ ባንዳታት ቅድሚ ወራር ኣብ ሚዲያ ተጠሊዖም ይዛረቡዎ ከምዝነበረ፤ ንባዕሎም "ተሓለቕቲ ህዝቢ እንደርታ" ገይሮም ምቕራቦም ነይሩ::
ኣብዙ ወራር ግና ከባቢ መቐለ ንዝነብር ህዝቢ እንደርታ ቀንዲ ዘበሳበሱዎን፤ ኣብ ዘበን ቀዳማይን ካልኣይን ወያነ እኳ ሪኡዎ ዘይፈልጥ በደል ዘብፅሑሉን፤ እኒ ሊላይ እዮም::
ኣብ ቀዳማይ ወያነ እቱ ቀንዲ ሸዋውያን ዝወፈሩሉ፤ ንቱ ህዝብና ብስሪኡ ካብ ጣልያን ማሪኹ ዝተዓጠቖ መሳርሒታት ከፍትሑዎ ነይሩ ዝተሃንደዱ:: ህዝብና ግና "መን ንመን ዕጥቂ ከፍትሕ" ኢሉ ነይሩ ዝተዋደቐ:: ብዘበን ደርጊ ኣብ ካልኣይ ወያነ እውን ከምኡ ብጅግንነት ዕጥቁ ኣይፈትሐን::
ሎሚ ኣብ ሳልሳይ ወያነ እውን ብዘይካ ኣብ ከባቢ መቐለ ዘሎ ህዝቢ እንደርታ፤ መን ንመን ከፍትሕ ኢሉ እናተኳሽሐ ይርከብ:: ኣብ ከባቢ መቐለ ዝርከብ ህዝቢ እንደርታ ግና፤ ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን፤ ብመሪሕነት እኒ ሊላይ ከዳዓት ዕጥቁ ኣፍቲሖም፤ ኣደዳ መፃወቲ ፀላኢ ገይሮምዎ:: እሞ ድማ "ንእንደርታ ኢና ንሕለቕ" እናበሉ ከምዘይነበሩ! ጠላማት ክሳብ ዕርበቶም ወለዶ ክፋረዶም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ታሪክ እውን ንዘላለም ክፋረዶም እዩ::
እሞ ሐዚ እውን ምስ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራን ዓቀይታይ ሰራዊት ሽዋ ተሰሪዕኹም፤ ንህዝብኹም ተበሳብሱ ንዓድኹም ተባድሙ ዘለኹም ተወለድቲ ትግራይ ባንዳታት፤ እታ ማዕልትኹም መሊኣ እንተይዓረበት፤ ንህዝብኹም ይቕሬታ ሓቲትኩም ንስሃ እተዉ! ለካቲት ከይተዕርበኩም!
ረአይዎ ምሰለነታ ንሸዋ ዘረከቡዎ ዕጥቂ ህዝቢ እንደርታ