ጉዳይ ትግራይ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ጉዳይ ትግራይ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

Post by africangear »

ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ምፅናት ዘርኢ ኣመልኪቶም ኩሎም ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን፤ ኣሜሪካ ምስ ኣውሮፓውያን ኣፍሪካውያን ላቲን ኣሜሪካን ኣብዝሓ ኤሽያን ሓደ ዓይነት ድምፂ ዘስምዑሉ ማዕልቲ እዩ! ብዘይካ እታ መበቆል ፀላኢትና ሩሲያ ምስ ቻይናን ህንድን!

1. ሓላፊት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት UNHRC ሚሸል ባችለት ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ገበን ኵናት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ዘረጋግፅ መረዳእታ ከምዘሎን ህፁፅ ነፃ ዘይሻራዊ ዓለምለኸ ምፅራይ ንኽግበር ፀዊዐን!
2. ሓላፊ ትካል መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት መንግስታት UNOCHA ማርክ ሎዋክ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ወራር የካይድ ገበን ኵናት ይፍፅም ከምዘሎ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፀብፃበ ኣቕሪቦም!
3. ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት UN ኣንቶኒ ጉተረዝ ሰራዊት ኤርትራ ብቅልጡፍ ካብ ትግራይ ንኽትወፅእ ፀዊዖም!
4. ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኣሜሪካን ፕረዝደንት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፤ ድሕሪ ኣኼባ እቱ ቤት ምኽሪ፤ ንቅዋም መንግስተን ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ ሓፂር ጋዜጣዊ መግለፂ፤ ትሽዓተ መሰረታዊ ነጥብታት ኣልዒለን!
4.1 እዙ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወራር ከቢድ ጥፍኣት የብፅሕ ከምዘሎን ንቱ ኸባቢ እውን ቀጥታዊ ስግኣት ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ፤
4.2 ንዙ ብቐፃልነት ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራታትን ቀንዲ ተሓታቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ፤
4.3 መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወራር ብቅልጡፍ ጠጠው ከብል፤
4.4 ንዙ ንምትግባር ድማ እቱ ቀዳማይ ስጉምቲ ብቕልጡፍ ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንኸውፅእ፤
4.5 ኣብቱ ከባቢ ዘለዉ ኩሎም ሓይልታት ብቅልጡፍን ብሓባርን ንቱ ከባቢ ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰርሑ፤
4.6 መንግስቲ ኣሜሪካ ንዙ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባልን ንፀጥታ እቱ ከባቢ ንምርግጋፅን ብሓባርን ብውልቅን (bilateral and unilateral) ከምዝሰርሕ፤
4.7 ገበን ኵናት ጥሕሰት ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ንዝፈፀሙ ተሓተቲ ንምግባር ከምዝሰርሕ፤
4.8 ብዙ ወራር ንዝተጠቕዐ ህዝቢ ህፁፅ ረድኤት ቀልጠፉ ንኽበፅሕ ከምዝሰርሕ፤
4.9 ንዙይ ኩሉ ንምምራሕን ንምስላጥን ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዙ ሰሙን Disaster Assistance Response Team (DART) ንኢትዮጵያ ኣጣይሹ ኣሎ! DART እንታይን ክሳብ ምንታይን ከምዝኾነ ብተግባር ክንርኢ!

"....ሽቶና እውን" ኢለን ሊንዳ፤ "...ሽቶና እውን ኣብ ትግራይ ብዙ ወራር ይጉድኡ ንዘለዉ ህዝቢ ንምብፃሕ እዩ! ኣብዙ ናይ ህይወት ምድሓን ወፍሪ DART ድማ ካልኦት መንግስትታት ከምዝሕወሱና ተስፋ ንገብር…" ኢለን ኣለዋ!! ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ወፍሪ DART ከምዝፍለጥ፤ ቀንዲ ተዋሳእቲ፤ ንእንግሊዝን ጀርመንን፤ ንኣውስትራልያን ካናዳን፤ ጃፓንን ኮርያን ሓዊሱ ኩሎም ሃገራት ምዕራብ ኣውሮፓ ዝሓቖፈ እዩ! ሎማዕልቲ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝተርኣየ እውን፤ ጉዳይ ትግራይ ኣብ ዝምልከት ቅዋም እዘን ሃገራት ሓደን ሓደን ከምዝኾነ እዩ!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply