Page 1 of 1

ብኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዘተፈፀመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ

Posted: Tue Feb 02, 2021 2:10 pm
by africangear
ኣብ ከተማ ብዘት ዘሎ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ
ኣብ ከተማ ብዘት ዘሎ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ
ብዕለት 11 ሕዳር ቀትሪ ሰዓት 8:30 ብኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዘተፈፀመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ በዓል ሞያ ጥዕና ተኽሉ ገብረሂወት ዕድመ 48ን ዘዋሪ ኣምቡላንስ ዓንዶም ኣረጋዊ ዕድመ 32ን፤ ሕማም ሕርሲ ዘፀገመለን ኣደ ንህፁፅ ላዕለዋ ሕክምና ረድኤት ካብ ጣብያ ጥዕና ናብ ሆስፒታል ብናሕሪ እንዳወሰዱወን እንተለዉ፤ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ጠጠው የብሉዎም::

ንተኽሉን ዓንዶምን ጥራሕ እንተይኮነስ ንተን ዝሳቐያ ዘለዋ ኣደ እውን ካብቱ ኣምቡላንስ ብሓይሊ የውርዱዎም:: ንተኽሉን ዓንዶምን ብዘይምንም ሕቶ ይርሽኑዎም:: ንተን ብሕርሲ ዝሳቐያ ኣደ "ተሳቕያ ትሙት" ተባሃሂሎም፤ ኣብኡ ደብርዮምወን ንታ ኣምቡላንስ ሒዞም ከዱ:: እዘን ኣደ ብተኣምራት ፈጣሪ ተሪፈን ህፃነን ተገላጊለን ንዙ ግፍዒ ክምስክራ በቒዐን::