ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ጉዳይ ትግራይን ኩነታት ህዝቢ ትግራይን ብዝርዝር ተዘትዩሉ
Posted: Thu Feb 04, 2021 3:47 pm
ትግራይ ኣጀንዳ ገይሩ ዝዘተየ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ዕውት ነይሩ!
ብቐዳምነት ኩነታት ትግራይ ኣምልኪቱ ኣብ ዝተልዓላ ክልተ መሰረታዊ ህፁፅ ፍታሕ ዘድልየን ጉዳያት፤ ኩሎም ተወከልቲ 15 ኣባል ሃገራትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን፤ ሙሉእ ስምምዕ ከምዝነበሮም እዩ ተሓቢሩ::
እዙ ኣኼባ ዕፅው ምስ ምንባሩን ኩሉ ዝርዝር ናብ ሚዲያ ምቕላሕ ስለዘይፍቀድን፤ ሓደ ኣብዙ ኣኼባ ቀጥታ ተሳትፎ ዝነበሮ ስሙ ክፅራሕ ዘይደለየ ኣመራርሓ ሓደ ትካል UN፤ ብውሱን ከምዝሓበረለይ፤ ጉዳይ ትግራይን ኩነታት ህዝቢ ትግራይን ኣገዳስን ህፁፅን ምዃኑ ብዝርዝር ተዘትዩሉ እዩ::
ብፍላይ ላዕለዋይ ሓላፊ UNOCHA ዝኾኑ ማርክ ሎውኮክ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ንዘቕረቡዎ ዝርዝር ፀብፃብ፤ ኩሎም ተሳተፍቲ ሃገራት ሙሉእ ስምምዕ ኣርእዮምሉ እዮም:: ቅድም ክብል UNOCHA ዝመርሖ፤ ኣባላት ዝተፋላለያ ትካላት UN ዝሓቖፈ ጉጅለ መፅናዕቲ፤ ሰለስተ ዙር ናብ ትግራይ ምብፃሕ ምግባሩን ኣብ ዝተፋላለየ ከባቢታት ንኸይኣቱ እውን ከምዝተኸልአን ይዝከር::
ብመሰረት እዙ ፀብፃብ ክልተ መሰረታውን ኣገደስትን ጉዳያት ብዕምቆት ዝተዘተየለን እንትኾን፤ ኣብ መውዳእታ እውን እንታይ ፍታሕ ይገበር ኣብ ዝብል፤ ኩሎም ተኣከብቲ ኣብ ሙሉእ ስምምዕ ምብፅሖም እዩ ተሓቢሩ::
1. ዕምቆት እቱ በፂሑ ዘሎን ሐዚ እውን ብዝኸፍአ ዝቕፅል ዘሎ ሰብኣዊ ሓደጋን፤ ኣድላይነት ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት፤ እቱ ቀዳማይ ዘተ እንትኾን፤ ኩሎም ተሳተፍቲ ዘትዮም ሓሳቦም ሂቦም ዝተሰማምዑሉ፤ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ነፃ ዘይተገደበን ደሕንነቱ ዝተሓለወን መስመር ዓለምለኸ ህፁፅ ረድኤት ብቕልጡፍ ናብ ትግራይ ክበፅሕ ኣለዎ ዝብል እዩ::
2. እቱ ካልኣይ ዘተ፤ "ንዙ ህፁፅ ረድኤት ክነብፅሕ ዘይንኽእለሉ ዓንቃፋይ ፀገም ኣሎ" ዝብል ነይሩ:: ብፍላይ ብመሰረት ማርክ ሎውኮክ ፀቕጢ ገይሮም ብዘቕረቡዎ ፀብፃብ፤ "ዓለምለኸ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይነብፅሕ ቀንዲ ፀገም ኮይኑና ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተኾነ እውን፤ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና መንግስቲ ኤርትራ እዩ ዝኸፍአ ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ" ዝበሉዎ እዩ፤ ገፊሕ መዛተዪ ዝነበረ::
ብምዃኑ እውን፤ ብፍላይ ኣየርላንድ ኖርዌይ ኣሜሪካንን እንግሊዝን ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ብቕልጡፍ ንምብፃሕ፤ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ካብ ትግራይ ከወፅእ ኣለዎ፤ ኢለን ፀቕጢ ኣብ ዝገብራሉ ዘተ፤ ኩሎም ተሳተፍቲ ዝተሰማምዑሉ ምዃኖም እዩ ምንጭና ሓቢሩ::
ኣብ መወዳእታ እውን እዙ ፍልፍልና ናይ ውልቁ ሪኢቶ ኢሉ ከምዘዋግዐኒ፤ "...ኣብዙ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፋ ኣባል ሃገራት ብተወሳኺ፤ መንግስቲ ጀርመንን ኔዘርላንድን እዙ ኣኼባ ንኽካየድ ብዙሕ ጎስጓስ ከምዝገበራን፤ እዚ ድማ ውፅኢት ዘካየድኩምዎ ዓለምለኸ ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪ ብምዃኑ፤ ብቀፃልነት እውን ድምፂ ህዝብኹም ምዃንኩም ኣበርቲዕኹም ክትቕፅሉሉ ይግባእ..." ኢሉ::
የቐንየልና ማርክ ሎውኮክን ኩሎም ኣባላት OCHAን
ትግራይ ዓደይ፤ ኩለመዳያዊ ቃልስና ነሐይል! ዋሕስ ሙሉእ ዓወትና ብእነስጉሞ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ስለዝውሰን!
1. ትግራይ ኣጀንዳ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ምዃናን፤
2. ኣባላት እዙ ቤት ምኽሪ እውን ኣብ ትግራይ ኣብ ዘሎ ዝኸፍአ ሓደጋን መፍትሒኡን ኣመልኪቶም ኣብ ሓፈሻዊ ስምምዕ (general consensus) ምብፅሖም፤
እዚአን ብባዕለን ኣብ ከይዲ ሳልሳይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ፤ እሞ ድማ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ዲፕሎማሲ፤ ገዚፍ ስዳሮ ንቕድሚት እየን!
ናይ መወዳእታ ኣፈፃሚ ዝኾነ፤ ኣስናንን በትርን ዘለዎ፤ ፀቕጢ ዝፈጥር ውሳነ ንኽበፅሑን ስጉምቶም ንኸሳልጡዎን ድማ፤ ብውሽጥን ብደገን ኩለመዳይ ቃልስና ኣበርቲዕና ኣሐይልና ክንቕፅል ኣለና! ሃገረ ትግራይ ንክትስዕርን ህይወት ገዛና ናብ ንቡሩ ንኽምለስን፤ ኩልና ብኹሉ ዓቕምና ዓሲልና ንረባረብ!
#ካሳ_ሃይለማርያም