Page 1 of 1

ታሪኽ ናብ ትግራይ ዝዘመተ ኤርትራዊ ወታደር

Posted: Sat Feb 06, 2021 11:44 pm
by africangear
letter-to-Eritrean-soldier-in-Tigray.jpg
ደመ ከልቢ!

ሓንቲ ታሪኽ ክነግረኩም። ናይ ሓደ ኣብ ትግራይ ዝዘመተ ኤርትራዊ ወታደር ታሪኽ እያ።

ኢብራሂም ይበሃል። ተኳሲ ብሬን እዩ ነይሩ ኢለምዎ። ካብቶም ብዙሕ መናውራት ዝፍጸሙ ዝነበሩ ኣባላት ኣራዊት ሓደ ነይሩ ይኸውን። ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ ውግእ እዩ ተቐቲሉ። እታ ምስኡ ዝነበረት ቦርተሙኔታ ብጥይት ተወቒዓ፣ ደም ዋናኣ ጠሚዓ ትረአ። ኣብ ውሽጣ ሒደት ናይ ናቕፋ ባጤራታት ኣለዋ። ብጥንቃቐ ተዓጺፋ ዝተቐመጠት ደብዳቤ’ውን ሒዛ ኣላ። ካብ ሳሮን ዝተብሃለት ሓፍቱ ወይ ሰበይቱ ዝተጽሓፈት እያ። “በጃኻ'ባ ከም ገለ ኢልካ ኣምልጥ፣ ኣብ ዘይምልከተካ ውግእ ሞይትካ ከይሰምዕ” ዝብል ምኽሪን ለበዋን ዝሓዘት ደብዳቤ እያ ነይራ።

ኦሮማይ!

ኢብራሂም፣ ወይ ነታ ምኽሪ ኣይሰመዓን ወይ ድማ ዕድል ኣይረኸበን። ከንቱ ሞት ሞይቱ፣ ምስ ሰረቕቲ ውርደተኛታት፣ ነውረኛታት፣ ናብ ኣራዊት ዝተቐየሩ ኣህባይ ተሰሊፉ ኣብ ዓዲማቱ ተቐቲሉ።

እዚ ናይ ብዙሓት ኣሻሓት ኤርትራውያን ታሪኽን ቅንያትን እዩ።

(ነዛ ተታሪኽን ካልእ ብዙሕ ማተርያልን፣ ዘቐበልካኒ ሰብ፣ ኣብ ዘለኻዮ ምሰጋና ይብፃሕኻ)

Source: Dade Desta