ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ዘርእን ምብራስን ትመርሕ ዘላ ፕረዝዳንት ሃገረ ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ
Posted: Sun Feb 07, 2021 6:47 pm
ትግራዋይነት ዓቐን ኣልቦ ፍፁም ጅግንነት እዩ!
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ዘርእን ምብራስን ትመርሕ ዘላ ፕረዝዳንት ሃገረ ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፤ ንተመዛበልቲ ተጋሩ ክትርኢ ብዝብል፤ ክልተ መኪና ዲያፐርን ሞዴስን ኣፅዒና፤ ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ተዓቑቦም ንዘለዉ ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዝተመዛበሉ ወገናትና ከይዳቶም ነይራ::
ቀቲልካ መግነዝ ምቕራብ ይብሃል:: እዛ ሳህለወርቅ ዘውዴ ትብሃል ኣራዊት፤ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪካ ከይዳ፤ ንዙ እዋን ኣቦ መንበር ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪካ ጠቢራ፤ ጉዳይ ትግራይ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ንኸይርአ ምስ ሙሳ ፋቂ ክንደይ ሸርሒ ዝፈፀመት፤ ብገበን ምፅናት ዘርኢ እትሕተት ገበነኛ እያ:: እዚኣ እያ ንብርሰት ህዝብና ክትርኢ መቐለ በፂሓ ዝተመለሰት::
ኣብ መቐለ ዘለዉ ፍልፍላትና ከምዝሓበሩዎ፤ እቶም ጀጋኑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ተዓቑቦም ዘለዉ ተመዛበልቲ ተጋሩ ቃል ብቃል ብሓደ ድምፂ ከምዚ ኢሎምዋ::
"...ምስ ቀተልኩምና ምስኣባደምኩምና ምስተሰደድና፤ እንታይ ክትገብሪ መፂኺ! እሞ ድማ ዲያፐርን ሞዴስን ሒዝክልና ክትመፂ! ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣይኮናን! ናትኪ ሞዴስን ዲያፐርን ኣይንደልየልክን..." ኢሎም መሊሶምዋ ኣለዉ!
ትግራዋይነት እዙይ እዩ መግለፂኡ! ኣብ ቀፃሊ እውን ንኢትዮጵያ እንትርፍፊ ክንፋረዶም፤ ካብኦም እንደልዮ ሽምግልና ኮነ መጠበሪ ኣይንደልን!