እምቢታ ህዝቢ መቐለ
Posted: Tue Feb 09, 2021 7:36 pm
ረአዩዎም "ሽማግለ ሽዋ" ብማዓር ዝተለወሱ መርዚ!
እቶም ብስም ሽምግልና ኮንፍረንስ ሰላም ካብ ሽዋ ናብ መቐለ ዝኣተዉ "ሽማግለታት" ንሎማዕልቲ ዝሓዙዎ መደብ ክልተ እዩ ነይሩ! ሓዲኡ ማዓር ዝመስል "ሽምግልና" ዝብል! እቱ መርዚ ግን ምስጋና ንፋሽስታዊ ኣራዊት ሰራዊቶም እዩ:
እኒ ሃይለ ገብረስላሰ ዝመርሑዎም ፍርቂ እቶም "ሽማግለታት" ኣብ እዚ ሰሜን ተረኺቦም ንኣዘዝቲ ሰራዊት የቐንየልና ክብሉ ናብኡ ከይዶም! ንህዝቢ ትግራይ ምስባዕዳውያን ሓይልታት ኮይኖም ስለዘፀነቱን ዓዲ ስለዘብረሱን የቐንየልና ክብሃሉ!
እቶም እኒ ካርዲናል ብርሃነን ሓጂ ሙፍቲ ዘለዉዎ "መራሕቲ ሃይማኖት" ዝመርሑዎ ኣብ ሆቴል ፕላኔት ዝተዳለወ ድማ ምስ ህዝቢ ዝተመነዩዎ ናይ "ሰላም" ኣኼባ ነይሩ::
ኣብዙ ናይ ፕላኔት ሆቴል ብዘይካ ሙሉ ነጋን ዮሃንስ መንጋግን ዝሓዙዎም ሰዓብቶም ባንዳታት፤ ህዝብና ኮነ ኩሎም መፀዋዕታ ዝተገበረሎም መራሕቲ ሃይማኖታት ትግራይ ኣይተረኸቡን:: ሓንቲ ንነፍሳ ዝመነነት ትግራወይቲ ዋዕሮ ግና ኣብዙ ኣዳራሽ ተረኺባ ድምፂ ህዝባ ኣጋዊሓ እያ::
ዋላ ይቕተሉኒ ዝበለት እዛ ዋዕሮ ናብቱ ኣዳራሽ ምስኣተወት፤ ብሙሉእ ሕራነ ድምፂ ህዝባ ኣስሚዓ ኣላ:: ፋሽስታውያን ሓረድቲ ምዃኖም ኣስሚራ ነጊራቶም:: "እግሪ ቆሪፅኩም ዊልቸር እትህቡ ኢኹም" ኢላቶም::
እዚ ሸርሒ ሽዋ ብዝርዝር ብህዝቢ መቐለ ምስተፈለጠ፤ ብፍላይ ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ ኣትሒዙ ኩሉ ምንቅስቓስ መቐለ ክዕፀው ተገበረ:: ተኸፊቶም ዝነበሩ ባንኪ ድንኳናት ዕዳጋ ትራንስፖርት ኩሉ ተዓፀወ:: ኣብተን ቀንዲ ቀንዲ ፅርጊያታት ድማ፤ ብእምንን ጎማ ብምቅፃልን መንእሰይ መቐለ ተቓውምኡ ገለፀ::
ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ሰበርቲ ጀበና ምስ ሰራዊት ሽዋን ኤርትራን፤ ብኹሉ ኣንፈት መቐለ ቶክሲ ከፊቶም ኣለዉ:: እዞም ፋሽስታውያን ብሓይሊ ፅርጊያታት ከኽፍቱ እንተፈተኑ እውን፤ ህዝብና ግና እምቢትኡ ቀፂሉ ኣሎ! ንህዝቢ ትግራይ ምብርካኽ ዘበት እዩ! ትግራይ ትስዕር!
መናእሰይ መቐለ ብፋሽስታውያን ተቐቲሎም
ክሳብ ሐዚ ዝተሓበረ ብሰላማዊ ተቓውሞ ድምፂ ህዝቦም የስምዑ ካብዝነበሩ መናእሰይ መቐለ ክልተ ኣብ ቀበሌ 18ን 17ን ብጥይት ፀላኢ ወዲቖም ኣለዉ:: ብኣራዊት ሰራዊት ሽዋን ኤርትራን ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ብዙሓት ዝቖሰሉን ዝተኣሰሩን ከምዘለዉ እውን እዩ ተሓቢሩ::
ኢኣማንያን "ሽማግለታት ሽዋ" ዝፈሓሱዎ ውዲት ፈሺሉ ደም ኣሕዋትና ኣፍሲሶም ብከቢድ ሓለዋ ብነፋሪት ካብ መሬት ትግራይ ወፂኦም ኣለዉ:: ክብርን ሞገስን ንስውኣትና! ትግራይ ትስዕር!
#ካሳ_ሃይለማርያም