ህዝባዊ እምቢታ መቐለ፤ ሓደ ኣንፈት ሓርነታዊ ቃልስና ዘነፀረ!

Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ህዝባዊ እምቢታ መቐለ፤ ሓደ ኣንፈት ሓርነታዊ ቃልስና ዘነፀረ!

Post by africangear »

ኣብ መቐለ ዝተርኣየ ህዝባዊ እምቢታ፤ መግለፂ መንነት ህዝብና እዩ! ንመግዛእቲ ዝቕበልን ዝፃወርን እንግድዓ ከምዘይብሉ ዘረጋገፀሉ! ወነን ሕራነን ሰረት ቃልሲ እምብለይ ጠንጠነለይ ወለድና፤ ዝዕምብር እምበር ዘይሓስስ ውርሲ ውልድ ወለዶ ምዃኑ ዘመስከረሉ፤ ዕውት ስርሒት እዩ!

እዙ ኣብ መቐለ ተመሲሱ ኣብ ከተማ ማይጨው እውን ተቐፃፂሉ ዝባራዕ ዘሎ ህዝባዊ እምቢታ፤ ጠንጠነለይ ንመግዛእቲ ኢሉ ዝሓረነ ወያነ ህዝብና፤ መልክዕ ህዝባዊ ቃልስና እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ዘነፀረ እዩ! ካብ ደጊም ደኒንና እናሞትና ምስተወዳእና እንተይኮነስ፤ ከይሞትና ንፀላእትና ክንቐብር ኣለና ዝበለ፤ ዓንዲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝተኸለ እዩ፡፡

ምስቱ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ብረታዊ ተጋድሎ ጎና ጎኒ፤ ከምዙ ሎሚ ኣብ መቐለን ማይጨውን ተራእዩ ዘሎ ህዝባዊ እምቢታ ጠንጠነለይ ንመግዛእቲ፤ ኣብ ኩለን ዞባታትን ከተማታትን ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፀላእትና ክቀፃፀል ግድን ይብል! ማሕበረሰብ ዓለም እውን ሰለይ እናበለ ንፋሽስታውያን ምጥባር ገዲፉ፤ ድምፂ ህዝብና ክነስምዖ እንተኾይንና፤ ንዙ ክልተ መልክዕ ቃልስና ክነሐይል ግድን ይብለና! ህዝባዊ እምቢታን ብረታዊ ተጋድሎን!

ህዝባዊ እምቢታ ዝትግበር፤ ኣብ ዞባታትን ከተማታትን ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣብ ሙሉእ ዓለም እውን ክነካይዶ ኣለና! ካብ ወፍሪ ጥርዓንን ኣውያትን ደምበ ማሕበራዊ ሚዲያን ሰልፍታትን ውፅእ ኢልና፤ ናይተን እንነብረለን ዓድታት ሕግን ስርዓትን ብዝፈቕዶ፤ ድምፂ ህዝብኻ ኮይንኻ ኣብ ቅድሚ ቤት ፅሕፈታት መራሕቲ መንግስትታትን፣ ዓለምለኸን ኣህጉራውን ትካላትን ምውዓል ምሕዳር ባዕሉ እምቢታ እዩ! ኣብዙ እንውዕለሉ እንሓድረሉ ቦታ ጥርዓን ድማ፤ ብሓባር ኣድማ ጥምየት (Hunger Strike) ምክያድ እውን ህዝባዊ እምቢታ እዩ! ህዝብና እኳ ከም ቆፅሊ እናረገፈ፣ ዓድና እናበረሰ፤ ንሕና ንቑሪ፣ ንጥምየትን ሞትን ስዒርና ምስቱ ዝስዋእ ዘሎ ህዝብና ጠጠው ምባልና ብጭቡጥ ክነርኢ ኣለና!

ንሕና ተጋሩ ካብ ፀላእትና ኣዐሪና ዝሐሽና፤ ዓቕምን ተሞክሮን ዘለና ህዝቢ ኢና! ኣብ ኩሉ መድረኽ ቀዲምናዮም ክንፀንሕ ኣለና! ከም ቁፅርና እንተይኾነ፤ ከምቱ ሐዚ ደድሕሬና ናብ ትዊተር ኣትዮምዎ ዞግዞግ ዝብሉ ዘለዉ! ስለዙይ ሐዚ እውን፤ ብውሽጥን ብደገን እዙ ዝተዋደደ ህዝባዊ እምቢታ እንተካይድና ጥራሕ እዩ፤ ዓንዲ ሕቖ ህዝባዊ ወያነና ብምዃን፤ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ክሰምዐና ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ደምበና ኣሰሊፍና ናብ ተግባራዊ ስጉምቲ ክነእትዎ እንኽእል!

እወ፤ ሕሉፍ ታሪኽ ተጋድሎና ከምዘርእየና፤ ኣብ ኩሉ ተበግሶና፤ ፀላእትና ባዕሎም እዮም ምንባር ከሊኦም ናብ ህልኽ ዘእተውናን ክንቐፅዖምን ዝገበሩና፡፡ ሎሚ እውን እዙይ እዩ ዝድገም ዘሎ! ትግራይ ዓደይ ንሕና ክንስዕርን ንዙ ኩሉ ዘውረዱልና ግፍዕን ብርሰትን ድማ ሕነና ክንፈድን ኢና!

ኣብ ቀዳማይ ወያነ እውን፤ ኣባ መብረቕ ከም ዘዘንተውልና፤ ቀንዲ መልዐሊ ወያነ ትግራይ፤ ገዛእቲ ሸዋ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንነዊሕ ዓመታት ዘውረዱዎ መሪር ግፍዕን በደልን፤ ጠንጠነለይ ኢሉ እዩ ነይሩ፡፡ “…ሸዋ ባዕልቶም ሰላም ከሊኦምና፤ ብጠቕላልኡ ኣብ’ዛ መሬት እዳኣቦና ከይንነብር ከይንቐስን ገይሮምና፡፡ ኣሽንኳይዶ ፍትሒ ብዘለዎ መንገዲ ከማሓድሩናስ ከምሰብ ክርእዩና እውን ኣይደልዩን ነይሮም፡፡ ንመከራና ኣብዚሖም ሕሉፍ በደላትና ቆስቊሶም እምብለና ክንብሎም ክንውይን ዝገበሩና ባዕልቶም እዮም፡፡ የመና መከራን ስቓይን፣ ጠቐነን ኣድልዎን፣ ማእሰርትን ሞትን ምስበዝሐና፤ ክንፃወሮ ኣብ ዘይንኽእሎ ብርኪ በፃሕና፡፡

“…ሽዋ እንታይ ግበሩ እዮም ዝብሉና ዘለዉ?’ … ‘ዋእ! ኣታ እዙ ንጉስ እንታይ ግበሩ እዩ ዝብለና’ሎ፤ እንታይ እንተገበርና ይሐሽ?’ እንትንብል እውን ነበረ፤ በብዓድና ናብ ምኽሪ ዝኣተና፡፡ ናይ ጭንቂ ነይሩ ‘እንታይ ኢና ክንገብር’ ኢልና ናብ ምኽሪ ዝኣተና፡፡ እዙይ እውን ንቱ ኣብ ውሽጥና ዝተደጎለ ካብ ወለድናን ቅድመ ወለድናን ኣትሒዙ ዝፀንሐና፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ትግርኚ ዝወረደ ግፍዒን መከራን ዝበዝሖ ዛንታና ክንጥምት ክነዋግዕ ተገደድና፡፡

“… ኩሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ትግርኚ ዝወረደ ግፍዕን በደልን ገዛእቲ ማእኸል ሃገር፤ ብፍላይ ካብ ሕልፈት ንጉሰ ነገስት ዮሃንስ ኣትሒዙ፤ ሃፀይ ምኒልክ፣ ራእሲ መኮነን፣ ወዶም ሃፀይ ሃይለስላሰን ሰዓብቶምን ንመዋእሎም ናብ ትግራይ ብምኽታት ዝመሃዙዎን ዝፈፀሙዎን ሰሪ ኩሉ ሓደ ብሓደ ክንዝትየሉ ተገደድና፡፡ ዘይፈፀሙዎ ዓይነት ግፍዒ ኣይነበረን፡፡ ከም ህዝቢ ንኸጥፍኡና ዝኣመተ ከምዝነበረ እውን ንኹልና ናብ ምርድዳእ ኣብፅሐና፡፡

“… ሸዋ የመና በዲሎምና፤ ተመሊሶም ደጋጊሞም በደልን ግፍዕን ኣውረዱልና፤ ዘይግበር እውን ገበሩ… ‘ድሕሪ ደጊም ድኣ ምስእዚኣቶም እንታይ ተሪፉና?’ ዝበልና ኣሻዒቱ ነይሩ… ‘ዋእ ብሸዋ ክንደይ ግዘ ክንብደል? ክንደይ ግዘኸ ትሕቲ ሰብ ክንቑፀር? እሞ ምስስብእነትናን ዕጥቅናን፤ ከመይከ ክንዲ’ዙይ ኣትሒቶም ይሪኡና የዋርዱና?’ ‘መሊኦም ከጥፍኡና እዮም’ ኢልና ኢና ዝዘተና፤ ናብ ህልኽ እውን ኣእተዉና፡፡ …እምበኣር ከም’ዙይ ገይሮም እዮም ንውሽጥናን ንደገን ክንርኢ፣ ክንመክር፣ ‘እንታይ ክንገብር ኣለና’ ኢልና ክንእምትን ክንውይንን ዘገደዱና!...” ኣባ መብረቕ ሓምለ 1985 ዓ.ም

እወ፤ ሸዋ ንመዋእሎም መሊሶም መላሊሶም ሰይጣናዊ ተግባሮም ሓደን ሓደን ካብ ኮነ፤ ድሕሪ ደጊም ድኣ ምስእዚኣቶም እንታይ ተሪፉና! ይኣክል!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply