Page 1 of 1

መርኣያ ፅንዓትን ጅግንነትን ዝኾነት ዋዕሮ ትግራወይቲ

Posted: Wed Feb 10, 2021 5:56 pm
by africangear


ትማሊ ኣብ ሆቴል ፕላኔት መቐለ ኢኣማንያን "ሽማግለታት" ሽዋ ምስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ፅዒኖምዎም ዝመፁን ካብ መቐለ ዝተኣኻኸቡን ባንዳታ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ ኣኼባ መርኣያ ፅንዓትን ጅግንነትን ዝኾኑ ተጋሩ እውን ኣትዮም ነይሮም::

እዛ ድምፃ ተቐሪፁ ዘሎ ዋዕሮና፤ ኣብ ኣዳራሾም ኣትያ፤ ኣብ ቅድሚቶም መንነቶም ዝነገረቶም ዋዕሮና እያ! ንነፍሳ ዝመፀ ይምፃእ ኢላ፤ ኣብ ቅድሚ ኣራዊት ጠጠው ኢላ ፤ ምእንተ ህዝባ ኣብ ኣደባባዮም ድምፂ ህዝባ ኣስሚዓ! ንምቅላስ ዶብ የብሉን! ኣብ ኩሉ ዝተረኸበ መድረኽ ድምፂ ህዝብና ንኹን! ኮሪዐልኪ ብፂት!! ክብርን ሞገስን ንስውኣትና! ትግራይ ትስዕር! #ካሳ_ሃይለማርያም