Page 1 of 1

ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾኑ ጀጋኑና ሓደን ዘይተዘረበሉን

Posted: Mon Feb 15, 2021 10:05 am
by africangear
Ataklti_Tilahun-TMH
Ataklti_Tilahun-TMH
ጀጋኑና ነለልዮም!

ኣብዛ ቁርፂ እዋን፤ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾኑ ጀጋኑና ሓደን ዘይተዘረበሉን፤ ዝያዳ ጅግናና ከዘንትወሉ ፍቐዱለይ! ናይና ጅግና ብምዃኑ ስለዝሕበነሉን ዝኾርዐሉን!

ኣደና ትግራይ ማህፀና መፍረዪ ጀጋኑ እዩ! ኣእላፋት ጀጋኑ ትግራይ ኣብዛ ቁርፂ እዋን ብኹሉ ኣንፈት ብኹሉ ዓቕሞም እናተረማረሙ ይርከቡ! ሚልየናት ስለዝኾኑ ሰኒድካ ዝውዳእ ኣይኮነን! ፅባሕ ደቅና ብእርይ ቁፅር ክትስንድዎም ፈጣሪ ዓቕሚ ይሃብኩም!

ንሎማዕልቲ ካብዞም ሚልየናት ዝኳሽሑ ዘለዉ ሓደ፤ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ዘሎ፤ ግና ሞተር ድምፅን ሓበሬታን ትግራይ ዝኾነ ጅግናና ክፀውየሉ! ኣብ ቀረባይ ስለዘሎ ምስክርነተይ ክህብ!
ኣብዛ ቁርፂ እዋን እዚኣ፤ ንትግራይ ሚዲያ ሃውስ TMH ዘይፈልጥ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን የለን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኩሎም ፀላእትና እውን ፈሊጦምዋስ፤ TMH ክብሃል ኣስናኖም ሓጨምጨም እናበለ እዩ፤ ዘርግዱ ዝሕቆኑን ዝጉህዩን!

TMH ተተኣማምንን ሓደን ሓደን መስኮት ሓበሬታ ህዝቢ ትግራይ ኮይና፤ ኣብዙ ቁርፂ እዋን ከቢድ ሓላፍነት እያ ፀይራ! ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይን ናብን ካብን ብፆት እንተይተረፈን፤ እንኮ መስመር ሓበሬታና እያ!

ናይ TMH ሞተር ህልውና ድማ፤ ታሪካዊ ሓላፍነትን ሕድርን ኮይኑ፤ ኣብ ዝባን ሓደን ሓደን ትግራዋይ እዩ ወዲቑ:: ኣታኽልቲ ጥላሁን ሃይሉ ይብሃል:: ተጋዳላይ ክልተ ወለዶታት፤ ካልኣይን ሳልሳይን ወያነ ትግራይ! ኣታኽልቲ ሰረት ሰራውርን እስትንፋስን TMH እዩ! TMH ፈነወ ካብ እትጅምር ብፍፁም ውፍይነትን ክእለትን ኣታኽልቲ እያ እግሪ ተኺላን ፀኒዓን ቀፂላ ዘላ! የቐንየልና ከይብሎ፤ ምንኣስ ከይኾነኒ! ከም ኩሎም ጀጋኑና፤ ጅግናና ምስ ሙሉእ ጥዕና፤ ክበር ንበረልና ንበሎ!

ኩሉኹም ኣብ ኣፈፀምቲ TMH ዘለኹም እኒ ስታሊን፣ ሃይለ ሚክኤል፣ ነጋሲ፣ ኣሉላ፣ ኣግኣዚን ካልኦትን፤ ንዙ ታሪኻዊ ሓላፍነትን ሕድርን ብምብቃዕኹም፤ ዕድሎት እዩ! ጀጋኑና ኢኹም! ክብሪ ይግብአኩም!

ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለና ተጋሩን ፈተውትናን ድማ TMH ሰኣን ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ከይትዝሕለና ብኹሉ ዓቕምና ንደግፋ! መንዳንኡ ኣለና ንበላ! ትግራይ ትስዕር! ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!

#ካሳ_ሃይለማርያም