ኩነታት ከተማ መቐለ ኣብ ዱሮ 11 ለካቲት 2013
Posted: Wed Feb 17, 2021 2:58 pm
ኩነታት ከተማ መቐለ ኣብ ዱሮ 11 ለካቲት
ወራሪ ባዕዳውያን ሓይልታት ኣብ ዱሮ 11 ለካቲት መሬት ትግራይ ዕንቂ ኮይናቶም ኣላ! ብፍላይ መቐለን ከባቢኣን ፍሉይ ኩነታት ይርአ ኣሎ!
ምስቱ ኣብ ደቡብ ትግራይ ክሳብ ከባቢ መቐለ ዝርአ ዘሎ ገዚፍ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ውሽጥን ከባቢ መቐለን ዘሎ ባዕዳዊ ሓይሊ ኣብ ጭንቂ ፀበባ ኣትዩ ዙሪያ ምላሽ መቐለ ዱፋዕ ይኹዕት ኣሎ።
ብዙሓት ኣባላት ባንዳታት ብልፅግና ብዝተፋላለየ ምኽንያት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣግሊሶም ኣለዉ።
መናእሰይ መቐለ ንፅምብል 46 ዓመት 11 ለካቲት ኣመልኪቶም ዝተፋላለየ ፅሑፋት ይጥቅዑ ኣለዉ።
ባዕዳውያን ሓይልታት ድማ ን11 ለካቲት ኣመልኪቱ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ እንተገይሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መቐለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ይብሉ ኣለዉ።
ምስዚ ተኣሳሲሩ ካም ምሸት 12 ኣትሒዙ ዝነበረ ሕላፍ ሰዓት መቐለ ኣብዙ ሰዓት ብቀትሩ ሰዓት 10 ህዝቢ መቐለ ግገዝኡ ኣትዩ ኣሎ።
ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ሓይሊ መብራህቲ ተቋሪፁ እዩ።
ግልጋሎት ስልኪ እውን ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ብኣግባቡ ኣይሰርሕን ዘሎ ግልጋሎት ባንክ ካብቱ ኣቐዲሙ ኣብ ሓደ ማዕልቲ ንምውፃእ ፈቒዱዎ ዝነበረ መጠን ገንዘብ ነክዩ ናብ ዝተሓተ መጠን ኣውሪዱዎ ኣሎ።
#ካሳ_ሃይለማርያም