Page 1 of 1

ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ቆቦን መረሳን ዝነብሩ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ምንጭታት ሓቢሮም

Posted: Tue Jul 13, 2021 12:50 pm
by africangear
ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ቆቦን መረሳን ብስራሕቲ ንግዲ ኣብ ልዕሊ ዝመሓደሩን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሱዒዲ ዓረብ መፂኦም መሕለፊ መንገዲ ሲኢኖም ተዓቍቦም ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተጋሩ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ምንጭታት ሬድዮ ወጋሕታ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ቅትለት ብነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ዝተፈፀመ ኮይኑ ትማሊ ኣብ ከባብታት ኮረምን ኣላማጣን ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ብዝወሰዶ ደምሳሳዊ ስጉምቲ ምውታትን ቁሱላትን ናብተን ከተማታት ምስ ኣተው ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ከምዝተወሰደ ተሓቢሩ።

እቶም ግዳይ ዝኾኑ ሰለማውያን ተጋሩ ዛጊድ ቁፅሮም ብንፁር ከምዘይተፈለጠን ብኻራን እምንን ጭካነ ብዝተመልኦ ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ትማሊ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ካብ ከተማ ኣላማጣ እንትሃድም ኣብ ከባቢ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ህፃን ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ ከምዝኸደ ተገሊፁ።

ብቕድሚ ትማሊ እውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከባብታት ወረዳ ፀለምቲ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ብሰራዊት ትግራይ ከቢድ መጥቃዕቲ በፂሑዎ ናብ ደቡብ ጎንደር፡ ወረዳ ፎገራ ከባቢ ውርታ ሬሳ ፂዒኑ እንትምለስ እቲ ህዝቢ ሕነ ንምፍዳይ ንሰለማውያን ነበርቲ ተጋሩ ከምዝቐተሉዎምን ሬሳኦም ብግፍዒ ኣብ ከተማ ብተሽከርከርቲ ክጉተት ከምዝገበሩን ዝዝከር እዩ።

ናይ ኣምሓራ ፖለቲካዊ ውድብ ዝኾነ ኣብን’ውን እንተኾነ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ኣዋጅ ክተት ጻዊዒት ፋኖ ተለዓል ኢሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዓዊ ቅትለት ዘጎሃህር መግለጺ ስለዘውጽአ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትቕመጡ ተጋሩ ብዝተኸኣለኩም መጠን ጥንቃቐ ክትገብሩ ንላቦ።

ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ
ሓምለ 6/2013 ዓ/ም