Page 1 of 1

Eyewitness account of the Tigray war as witnessed in Zalambessa

Posted: Fri Jan 22, 2021 9:25 am
by africangear
cherkos-church-zalambessa-tigray-war.jpg
መጀመርታ ኩናት ዝተጀመረሉ ዓርቢ እዩ ኔሩ ዳርጋ ሰዓት11,30 ጀሚሩ ክሳብ 6፡00 - 7፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ ቀፂሉ። ህዝቢ ዛላ ኣንበሳ መሲልዎ ዝነበረ ከምቲ ኣቀዲሙ ኣብ እዋን ኩናት ኢትዮ ኤርትራ ዝተካየደ ናይ ቅድሚ ሕጂ ውግእ ኣዩ ዝብል ግምት ኔረዎ። በቃ ከምቲ 1990 ዓ.ም ኩናት እዩ ክከውን ዝክእል መንግስቲ ምስ መንግስቲ ስለዚ ንዓና ንህዝቢ እንታይ ከይገብሩና ዝብል እምነት ኣሚኑ ካብ ገዝኡ ከይወፀ ኮፍ ኢሉ እዩ ተፀብይዎም። በዙይ መሰረት ክዓ ንብረቱ ኣየውፀአ ንባዕሉ ኣይወፀ ኣብ ገዛ ከሎ ውግእ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሓይሊ ወገን ብጣዕሚ ውሑድ እዩ ኔሩ ግና እቲ ዝመፅእ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ብጣዕሚ ብዙሕ ከም ዝኮነ ብዝምልከቶ ኣካል ይፍለጥ ነይሩ እዩ።ንሕና እውን ከም ህዝቢ ኣየሕልፍዎም ክምክትዎ እዮም ዝብል እምነት ነይሩና ።ብከምዙይን ካሊእን እቲ ህዝቢ ከተማ ኣብ ገዛኡ እዩ ኮፍ ኢሉ ፀኒሑ።

ዓርቢ ዕለት 4 ሕዳር ሰዓት 11፡30 ፀላኢ ኩናት ጀሚሩ ከብድቲ ብረት ምድርባይ ጀሚሩ ። ሰዓት 6፡30 ኣቢሉ ብእንዳ ስላሴ ቤተክርስትያን ሕጂ ዝተሰርሐ ሓድሽ ቤተክርስትያን ገፅ ደፊኦም ክኣትዉ ጀሚሮም።

ምእታው ምስ ጀመሩ ዝረከብዎ ሰላማዊ ሰብ ምቅታል ጀሚሮም እናቀተሉ ድማ ናብ ውሽጢ ከተማ ኣትዮም።ንሕና ሰላማውያን ህዝቢ ኢና እንታይ ከይገብሩና ኢሉ ኣብ ገዛኡ ዝፀንሖም ሰብ ብኣልማሚት ቀቲሎም ወዲኦሞ።

እቶም ዝኣተዉ ሓይልታት ፀላኢ
1ይ ናይ ኢትዮጵያ መከላከሊ ኣራዊት ፡
2ይ ናይ ኤርትራ መከላከሊ ኣራዊት ፡
3ይ ናይ ሃገረ ሶማልያ መከላከሊ ኣራዊት እዮም።

ብርግፀኝነት እየ ዝብለካ ዘለኩ ዝዛረበካ ዘለኩ ናይ 3ተ ሃገራት ወታደራት ካብ ሰዓት 6፡30 ክሳብ 7፡00 ኣብ ዘለሉ እዋን ዝከውን ኣትዮም ሰብ ቀቲሎም ወዲኦሞ።

መስቀል ዝሓዙ ኣቅሽሽቲ ፡ ዓበይቲ ካህናት ወለዲ ፡ ኣደታት፡ ጥኑሳት ፡ ህፃውንቲ ፡ ደቂ ኣንስትዮ ፡ መናእሰይ ንኩሎም ወዲኦሞም።
ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣቢሉ ሰዓት 9፡30 ይከውን ናይ ወገን ሓገዝ መልሰ መጥቃዕቲ ገይሩ ነቶም ናብ ከተማ ዛላ ኣንበሳ ዝኣተዉ ወረርቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዘለዉ ደምሲሶሞም ኩሎም ከይወፁ ኣብኣ ተቀቢሮም ። ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓት ሕነ ተፈደየ። እቲ ኩናት ግና ቀፂሉ ቑሩብ ህድእ ምስ በለ ነቶም ዝተቀተሉ ሰላማውያን ሰባት ክቀብሩ ዝክእሉ ሰባት ኣይተረከበን እቲ ምክንያት ኩብሕሎ ሰርሓ ከባቢ መድፍሎ ኣሲሮም ስለ ዝነበሩ ቀባሪ ተሰኣነ። በዙይን ካሊእን ምክንያት ዝወደቀ ሬሳታት ከይተቀበረ ን3ተ መዓልቲ ቀንዩ።

እቲ ዝተረፈ ሰብ ግና ንእሽተይ ትንፋስ ወይ ንፋስ ምስ ረከበ ሃዲሙ ፎቆዶ ሰባዝ ፡ ልጋት ፡ ዝባን ሑፃ ፡ ዓጠቀና ፡ ኣገርርሕሰ ፋሕ ብትን ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ኣበለ።

ብድሕሪ እዚ ሰምበት ዕለት 6 ሕዳር ድማ ፀላኢ ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ ኣኪቡ ዳግማይ መጥቃዕቲ ብምክፋት ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ደብዳብ ከቢድ ብረት ንከተማ ዛላ ኣንበሳ ሓመድ ገበራ መሬት ፀልሚቱ ዓዲ ዓነወት ከም ዕድል ግና ሰብና ትንፋስ ረኪቡ ኣቀዲሙ ወፅዩ ስለ ዝፀንሐ ካብ መዓት ተረፈ። ብጣዕሚ ዘሕዝን ግና እቲ ካብ ከተማ ሃዲሙ ዝወፀ ሰብ ናብቲ ዝተዓቆበሉን ዝሃደሞ ከባቢታት ሰማዝ ፡ ልጋት ፡ ዝባን ሑፃ ፡ ዓጠቀናን ኣገርሕሰን እናርከቡ ብመዳፍዕን ብታንክን ህዝብና ወዲኦሞ።ብዙሕ ሰብ ክመውት ጀሚሩ ሬሳ ፈቆዶ መገዲ ወዲቁ ቀባሪ ሲኢኑ ንሰሙን ዝኣክል ተደርብዩ ቀንዩ። ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ብምንታይ ከም ዘረደአካ ኣይፈልጥን ሱ.............ቅ. ......

እቲ ከባቢታት ምስ ተቆፃፀርዎ ድማ ንሰብ ካብ ገዛ እናውፅኡ ምቅታል ጀመሩ ብፍላይ ኣብ ዝባን ሑፃ ፡ ዓጠቀና ፡ ኣገርሕሰ ኣብ እንዳ ኣቡነ ማማስ ገዳም ተዓቊቦም ዝነበሩ ሰባት ቀቲሎም ወዲኦሞም። ሕጂ በዝሒ ዝሞተ ሰብ ቆፂረ ክነግረካ የፀግመኒ ኣዩ ኣብ ከባቢና ብጣዕሚ ዝከፍአ እዩ።ግና ኣብ ከተማና ኣብ ከተማ ዛላ ኣንበሳ ጥራሕ ብርግፀኝነት ኮይነ ዝነግረካ ልዕሊ 200 ሰባት ተቀቲሎም ኣለዉ።ኣብቲ ከባቢ ዝሞቱ ሓዊሰ ክነግረካ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ጥራሕ ካብ 350 ክሳብ 400 ሰላማውያን ንፁሃት ሰባት ተቀቲሎም እዮም። ሰብ ረጊፉ እዩ ኣታ ወዲ እንታይ ዶ ተሪፉና እዩ።

ኣብ መውዳእታ ግና ዘረባ እውን ክዛረብ ኣይከኣለን በቃ ቻው ካሊእ መዓልቲ ምስ ረጋእኩ ከውገዐካ ኢሉኒ ።በጃካ ሰብ ታይ ይበልዕ ኣሎ እዚኣ ጥራሕ ንገረኒ ምስ በልክዎ ከምዚ ኢሉኒ......

ካብ ጥይት ዝተረፈ ብጥምየት ይሳቀ እዩ ዘሎ መጥሓኒ የለ ፡ ማይ የለ ፡ ነንባዕሉ ከይራከብ ስልኪ የለ ትራንስፖርት የለ ብሓፈሻ ዘርኢ ምፅናት ኣብ ፀልማት ገይሮም ህዝብና ይውድእዎ ኣለዉ ነዊሕ ድሕሪ ምትንፋስ ካብዚ ንደሓር ይኣክለኒ ኢሉኒ።
ኣነ እውን ድምፂ ውፁዕ ህዝበይ ናብ ዓለም ዘለኩም የቃለሖ ኣለኩ ኩሉኩም Share እናገበርኩም ስቃይ ህዝብና ኩሉ ክሰምዕን መፍትሒ ክረክብን ግበሩ ወደሓንኩም።

ጎዶልያስ በሉ!!!!
ሎማዓንቲ ዕለት 18.01.2021 (E.C.) ብቴለፎን ካብ ዘለዎ ቦታ ዝሓበረኒ ውፃእ መዓት ሰበይ።