ህዝቢ ትግራይ ንሰብ ብሰብነቱ ዘኽብርን ዝሕብሕብን እምበር፤ ኣብ ታሪኹ ንዝኾነ ይኹን ህዝቢ ወሪሩ ኣጋፊዑ ዘይፈልጥ፤ ንጋፍ ርስሓት ዘይብሉ ፅሩይ ህዝቢ እዩ

Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ህዝቢ ትግራይ ንሰብ ብሰብነቱ ዘኽብርን ዝሕብሕብን እምበር፤ ኣብ ታሪኹ ንዝኾነ ይኹን ህዝቢ ወሪሩ ኣጋፊዑ ዘይፈልጥ፤ ንጋፍ ርስሓት ዘይብሉ ፅሩይ ህዝቢ እዩ

Post by africangear »

ተመስገን ፈጣሪ!
ashenda-TDF.jpg
ቅድሚ ሸውዓተ ሸሞንተ ኣዋርሕ፤ ከም ህዝቢ ምቕፃልና ኣብ ሕቶ ዝወደቐሉ፤ እዋን ፀበባ ሞትን ብርሰትን ነይሩ! ከም ህዝቢ ፀልሚቱና ነይሩ! ህዝብና ብኣልማሚት ተጭፍጪፉ፤ ዓድና ብውልቂ ኮነ ከም ህዝቢ ዘጥረየቶ ሃፍቲ ኩሉ ተሰሪቑ፤ በሪሱ ባዲሙ! ከም ህዝቢ ካብ ዓለም ከዊሎም ኣብ ጫፍ ምፅናት ዝበፅሓናሉ እዋን ነይሩ! ኣብ ሙሉእ ዓለም እንነብር ተጋሩ እውን፤ ሓርቢቱና ኣብ መዓሙቕ ሓዘን ጥሒልና፤ ኩሉ ሰላምና ጥዕናናን መነባብሮናን ዝተሃወኸ ዝተዘረገሉ፤ ዝድግፍን ዘተሓዛዝንን ዝሰኣናሉ፤ ግዘ ፀበባ ንብዓትን ደንገርገርን ነይሩ!
ኩሎም ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፀላእትና ተፀዋዊዖም፤ ልፍንቲ ፍጢሮም ተዳልዮምን ተዋዲዶምን፤ ካብ ዓለም ነፂሎም ኣብ ፀልማት ንኣዋርሕ እዙ ኩሉ ምፅናት ዘርእን ብርሰትን እንተውርዱልና፤ ማሕበረሰብ ዓለም ኣይኮነንዶ ከናግፉናስ፤ ኣውያትና ክሰምዑና እውን ኣዋርሕ እዩ ወሲዱሎም!

ሽዑ ነይሩ፤ ከም ህዝቢ ኣብ ሓድነትና ተሰጣጢምና ውሳነ ዘሕለፍና! ካብዙ ኩሉ መከራን ጥፍኣት ምፅናት ዘርእን ዘናግፈና፤ እንኮ መፍትሒና፤ ፅንዓትናን ፅንዓትናን ጥራሕ እዩ ዝበልና!
ሽዑ ነይሩ፤ እናሞትና እናተወዳእን እናበረስና እናሃለና፤ ንብዓትና ውሒጥና፤ ስንና ነኺስና፤ ካብ ሜዳ ትግራይ ክሳብ ኣደባባያት ዓለም ሆ ኢልና ተሲእና፤ ከም ሓደ ሰብ ተዋዲድና ናይ ሞትን ህየትን ቃልስና ዘባራዕና! 'ዓወትና ኣብ ፅንዓትና!' ኢልና ዝጨራሕና!

መሪር መስዋእቲ ህልቂት፤ ዝኸፍዐ ግፍዒ ጥምየት ስደት፤ ክትዛረቦን ክትዝክሮን ዘስካሕክሕ ኩሉ ዓይነት ክፋእ እዛ ምድሪ ኣብ ዝባንና ወሪዱ! ኮይኑ ግና፤ ከምቱ ፀላእትና መሊኦም ከቃብፁና ዝተመነዩዎን ዓለም ተዓዛቢት ዝኾነቶን፤ ክንድኣፍ እንጠፍእ ፤ እናፀናዕና እናተረርና ከድና! ብዘይ ገለ ደጋዊ ሓገዝ ድማ፤ ብፅንዓትናን ብነብስናን ሓመድ ልሒስና ተሳእና!
ከም ህዝቢ ኣብ መንነታዊ ፅንዓትና ተኣማሚንና፤ 'ቃልስና መሪርን ሓፂርን እዩ! ዓወትና ድማ ናይ ግድን እዩ!' ኢልና ከምዝተበገስናዮ፤ መሪርን ከቢድን ዋጋ ከፊልና፤ ግና ክነሕፅሮ ተዋዲድናን ተሰጣጢምናን ወፈርና!

ኩሉ ምድላዋትና ዛዚምና ቅድሚ እቱ ወሳናይ ወፍርና ድማ፤ ካብ ሜዳ ትግራይ ክሳብ ሙሉእ ዓለም ተጋሩ ብዘይ ገለ ኣፈላላይ ሃይማኖት፤ ከም ሓደ ስድራ፤ ፀሎትን ምስጋናን ንፈጣሪና ክነብፅሕ ወሰንና!

ኣብ መፋርቕ ግንቦት ናይ ሰለስተ ማዕልቲ ፀሎትና ኣብፂሕና ኢና ናብ ወፍሪ ኣሉላ ዝኣተና! 19 ግንቦት ፀሎትና ዛዚምና ክሳብ 19 ሰነ ድማ ኣብ ኣብዝሓ ትግራይ ንዝነበሩ ፀላእትና ደኪርና ናብ ርእሰ ከተማና መቐለ ተመለስና!

ሽዑ ምስባር ፀላእትና ጥራሕ እንተይኮነስ፤ እቱ ንኣዋርሕ ተዓዛቢ ኮይኑ gravely concerned እናበለ ከንፈሩ ዝመጥጥ ዝነበረ ማሕበረሰብ ዓለም እውን፤ መሊኡ እኳ እንተዘይኮነ፤ ክሰምዐና ጀመረ:: ንኣዋርሕ ኳሕኩሕና ዘይኽፈቱ ዝነበሩ ማዕፆታት መንግስትታትን ዓለምለኻውን ኣሕጉራውን ትካላትን፤ ብግዲኦም ክኩሕኩሕና ጀሚሮም! ብሳላ ፅንዓትናን መሪር ተጋድሎናን!

ከም ህዝቢ እውን ቅንዕ ኢልና ፍሽኽታ ህዝብና ክንርኢ በቒዕና! እቱ ንኣዋርሕ ውሒጥናዮ ዝነበረ ንብዓትና መቋረፂ ዘይብሉ ይውሕዝ ኣሎ! ኣይታሕጓስ ኣይሓዘን፤ ኒሕን ሓቦን ንውሽጥና ጓሕጉሑ የንብዐና!

ዓወትና ግዝፈት እንተሃለዎ እኳ፤ እቱ ዝበፅሐናን ሐዚ እውን ዘይዛረየ ጨፍጫፍ ህዝብና ኣብ ምዕራብ ትግራይን ኣብ መላእ ኢትዮጵያን፤ ብኣውርኡ ድማ ብሚልዮናት ህዝብና ኩሉ ተዓፃፅዩዎ ብጥምየትን ሞትን ይቕፃዕ ምህላዉ፤ ቅሳነት ከሊኡና! ግን ፅኑዓት ኢና!

እወ ፅኑዓት ኢና! ወዲ ሰብ ክፃወሮ እዩ፤ እሞ ድማ ተፃዊሩ ክሰግሮ እዩ፤ ኢልካ ንምግማቱ ዘፀግም፤ እዙ ኹሉ ስቓይን መከራን ተፃዊርና፤ ኣብ ከምዙይ ኣዝዩ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ፤ ፀቢቕና ወቂብና ፌስቲቫልን ኣሸንዳን ትግራይ ክነብዕል ምኽኣል፤ ንምእማኑ ዝኸብድ እዩ!

እዙ ኹሉ ዝኸውን ዘሎ፤ ብፅንዓትና እዩ! ግን ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ ንሕና ብኸመይ ከምዙይ ብርቱዓት ኮንና? እቱ ምሽጥር ካብ ፅሬት ህዝቢ ትግራይ እዩ!

ህዝቢ ትግራይ ብሕጊ ሰማይን ምድርን እናተመርሐ፤ ንሰብ ብሰብነቱ ዘኽብርን ዝሕብሕብን እምበር፤ ኣብ ታሪኹ ንዝኾነ ይኹን ህዝቢ ወሪሩ ኣጋፊዑ ዘይፈልጥ፤ ንጋፍ ርስሓት ዘይብሉ ፅሩይ ህዝቢ እዩ! ንሱ ንዘበናት ዝረኸቦን ዝረኽቦ ዘሎን ግና ብግልባጡ እዩ!

ስለዙይ ህዝቢ ትግራይ ብሕጊ ሰማይን ምድርን ዝምራሕን ዘኽብርን ብምዃኑ፤ ብመዐቀኒ ኩሎም ሃይማኖታት፤ ምንም ርስሓት ዘይብሉ ፅሩይ ህዝቢ እዩ! ፈጣሪ ድማ ንዙ ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ ግን ዝግፋዕ ዘሎ ህዝቢ፤ ሓይልን ፅንዓትን ሂቡዎ!

ኣብ መዋእል ታሪኽና፤ ንህዝቢ ትግራይ ሒዙ ዝሓፈረ ዝተስዓረ የለን! ግዳማዊ ኮነ ውሽጣዊ ኩሉ ብተግባሩ ዝሓፍርን ዝሰዓርን፤ ንህዝቢ ትግራይ እንትጠልምን ኣብ ልዕሊኡ ሸርሒ እንትፍሕስን እዩ!

ከም ህዝቢ ንፈጣሪና ነመስግን! ሐዚ እውን ፀላእትና ንካልኦት ባዕዳውያን ናብ ልፍንቶም ሓዊሶም፤ ንኣና ከፅንቱ ኩሉ ዓይነት ቴክኖሎጂ ውግእን በዝሒ ሓይሊ ሰብን እናተኣኻኸቡ እናተሸባሸቡ እዮም! ክሳብ መሊእና ሰይርና ነደቅሶም፤ ንፃት እውን ኣይድቅሱልናን!

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ህዝብና ብኣልማሚት ይጭፍጭፉዎ ኣለዉ! ልዕሊ 5 ሚልየን ህዝብና ኩሉ ዓፃፅዮምዎ ብጥምየት ኣብ ጫፍ ሞትን ብርሰትን በፂሑ ኣሎ! ኣብ መላእ እዛ ሃገር ተጋሩ ብመንነትና ንግዓዝ ንቕተል ንሳደድ ንውረስ ኣለና!

ፀኒዕና ኣብ ሓድነትና ተሰጣጢምና ኩለመዳይ ቃልስና ነተርንዕ! ናብዙ ብራኸ ብምብፃሕና ከም ህዝቢ ንፈጣሪና ምስጋናን ፀሎትን ነብፅሕ!

ክብርን ሞገስን ንስውኣትና! ቃልስና መሪርን ሓፂርን እዩ! ዓወትና ድማ ናይ ግድን እዩ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ!
ካሳ ሃይለማርያም


Post Reply