ኣብ 260 ቦታታት ጅምላዊ ጨፍጫፍ ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ
-
- Posts: 404
- Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm
ኣብ 260 ቦታታት ጅምላዊ ጨፍጫፍ ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ
ብተወሳኺ እዉን ብሓባር ኣብ ዘዉፅእዎ መግለፂ ፣መንግስታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ብዝኸፈትዎ ዂናት ተግባር ምፅናት ህዝቢ ከምዝፈፀሙ ብምግላፅ፣ ኣስታት 260 ጅምላዊ ጨፍጫፋት ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።
ካብ 5 ክሳብ 90 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝደፈሩ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፣ፀላእቲ ነዚ ተግባሮም ኣጠናኺሮም ብምቅፃል፣ ጅምላዊ ማእሰርቲ ተጋሩ ተጋዲዱ ከምዘሎ ገሊፁ።
እቲ መግለፂ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያ፣ሱዳን፣ንዝርከቡ ተጋሩ እናሃደኑ የጋፍዕዋምን ይኣስርዎምን ከምዘለዉ ብምግላፅ ፣ዝፍፀም ዘሎ ተግባር ምፅናት ህዝቢ ደዉ ክብል ፀዊዑ።
ሃፍቶም ገ/ዮሃንስ
Dimtsi Weyane