ኣብ 260 ቦታታት ጅምላዊ ጨፍጫፍ ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ኣብ 260 ቦታታት ጅምላዊ ጨፍጫፍ ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ

Post by africangear »

Tigray_genocide_happend_in_260_different_places.jpeg
6 ታሕሳስ/2014 ዓ/ም(ድ.ወ.ት) ትካላት ሲቪል ማሕበራት ትግራይን ማሕበረስብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን፣ ስቃይ ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ሂቡ መፍትሒ ከቐምጠሉ ዝፅዉዕ መድረኽ ኣሳሊጦም።

ብተወሳኺ እዉን ብሓባር ኣብ ዘዉፅእዎ መግለፂ ፣መንግስታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ብዝኸፈትዎ ዂናት ተግባር ምፅናት ህዝቢ ከምዝፈፀሙ ብምግላፅ፣ ኣስታት 260 ጅምላዊ ጨፍጫፋት ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።

ካብ 5 ክሳብ 90 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝደፈሩ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፣ፀላእቲ ነዚ ተግባሮም ኣጠናኺሮም ብምቅፃል፣ ጅምላዊ ማእሰርቲ ተጋሩ ተጋዲዱ ከምዘሎ ገሊፁ።

እቲ መግለፂ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያ፣ሱዳን፣ንዝርከቡ ተጋሩ እናሃደኑ የጋፍዕዋምን ይኣስርዎምን ከምዘለዉ ብምግላፅ ፣ዝፍፀም ዘሎ ተግባር ምፅናት ህዝቢ ደዉ ክብል ፀዊዑ።

ሃፍቶም ገ/ዮሃንስ
Dimtsi Weyane


Post Reply