ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዝጀመሮ በርቃዊ መጥቃዕትን መስተንክራዊ ወታደራዊ ስርሒትን ልዕሊ 10,000 (ዓሰርተ ሽሕ) ወታደራት ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ምውታን ብምግባር : ዓበይቲ መራሕቲ እቲ ፋሽሽታዊ ሰራዊት ዝርከብዎ 3,356 ተማሪኾም ኣለው::
ኣብዚ ዕውት ወፍሪ ፀላኢ ይጥቀመሉ ዝነበረ ሙሉእ ወታደራዊ ዲፖ : 144 ዝተፈላለያ ዓይነት መካይንን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓየት ሰራዊት ትግራይ ዝውዓለ እንትኾን : በዚ ድሙቕ ዓወታት ጅግና ሰራዊትና ደምበ ፀላኢ ሰለሎ ኣትይዎ ኣብ ከቢድ ራዕድን ምንጋዕን ከምዝርከብ ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገ/ፃድቃን ገሊፆም:: ወጋሕታ 11 ሰነ 2013 ኣ.ግ ዝጀመረን ብጅግና ትግራዋይ ኣፍሪካዊ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋ ዝተሰየመን ወፍሪ ሓየት ሰራዊት ትግራይ : ንወታደራት ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ብምድርዓምን ሕር-ሕራይ ገይሩ ብምድምሳስን መበል 11ን 31ን ክፍላተ ሰራዊት ሙሉእ ብሙሉእ እንተቃብፆ : ከምኡ እውን ዝበዝሕ ክፋል መበል 24 ክፍለ ሰራዊትን ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፈ 1 ብርጌድ መበል 20 ክፍለ ሰራዊትን ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሶም እዮም:: ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገ/ፃዲቕ ከምዝገለፅዎ ኣብዚ ድሙቕ ዓወት ሓየት ሰራዊትና ዝተመዝገበሉ ዕውት ወፍሪ : ኣዘዝቲ መበል 21ን 31ን ክፍላተ ሰራዊት ዝርከብዎም ልዕሊ 10 ሽሕ ወታደራት ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ሞይቶም ኣለው:: ብተወሳኺ ኮነሬል ሑሴን ዝተብሃለ ኣዛዚ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት ሓዊሱ 3,356 ምሩኻት ኮይኖም እዮም:: እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብዚ መስተንክራዊ ጅግንነትን ድሙቕ ዓወትን ሓየት ሰራዊትና ዝተርኣየሉ ወፍሪ ከምቲ ኣዘዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ "ዕጥቒ ፀላእትና ፅባሕ ክንዓጥቆ ኢና!" ዝበልዎ ሰፊሕ ዝኾነ ንብረት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ:: በዚ መሰረት ፀላኢ ይጥቀመሎም ዝነበረ:-
- ወታደራዊ ዲፖ ምስ ሙሉእ ወታደራዊ ናውቱ
- 14 መዳፍዕ
- 3 (107) ዝዓይነቱ ሮኬት
- 7 (120) ዝዓይነቱ ሞርታር
- 43 (82) ዝዓይነቱ ሞርታር
- 10 Zu-23
- 61 ዲሽቃ
- 300 ብሬን
- 200 ስናይፐር
- 409 ዓበይቲ : ማእኸለዎትን ኣናእሽተን ሬድዮ ርክባት
- ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ክላሽናትን ጠያይትን : ከምኡ እውን
- 144 ዝትፈላለያ ዓይነት መካይን ከምዝተማረኸ እቶም ወሃቢ ቃል ገሊፆም እዮም::
በዘይካ እዚ ኣብዚ ወፍሪ 3 ZU-23 : 1 (107) ዝዓይነቱ ሮኬትን 29 ዝተፈላለያ ዓይነት መካይንን ብሓየት ሰራዊትና ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይነን ተባሪዐን እየን::
እዚ ብሽም ኣሉላ ኣባነጋ ዝተጀመረ በርቃዊ መጥቃዕቲ ድስቒት ሰራዊትና እናበርተዐ ምስከደ ዓምቧኽ ሰራዊት ፋሽሽቲ እውን እዚ ኹሉ ሓይሉ ምስተደምሰሰ ኣፍ ኣርክብ ተባሂሉ 7 ክፍላተ ሰራዊት ባዕዳዊ ወራሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ከባቢ ተምቤን ዓብይ ዓዲ ዝኣተወ እንተኾነ እውን : ንሱ እውን ኣብ ከቢድ ራዕድን ውጥረትን ከምዝርከብ ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገ/ፃድቃን ኣፍሊጦም:: ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዝጀመሮ በርቃዊ መጥቃዕትን መስተንክራዊ ወታደራዊ ስርሒትን ጅግና ሰራዊትናን ህዝብናን ዓብይ ፍናንን ሞራልን ኩርዓትን ዝፈጠረ እንትኾን : ኣብ ደምበ ፀላኢ ድማ ከቢድ ራዕዲ : ጭንቅን ምንጋዕን ኣእትዮ ኣሎ::
ማእኸላይ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ:-
"ኣታ ነቲ ብዝልዓለ ጅግንነት ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ፅንዓትን ክብ ዝበለ ተወፋይነትን ተርኢ ዘለኻ : ሕነ ህዝብኻ ትፈዲ ዘለኻ ሓየት ሰራዊትና እንኳዕ ደስ በለካ:: ንተርእዮ ዘለኻ ጅግንነት ድማ ብሽም ማእኸላይ ወታደራዊ ኮማንድ ምስጋና እንትነቕርበልካ : እዚ ጅግንነትካ ኣጠናኺርካ ከምእትቕፅለሉ ብምትእምማን እዩ:: ፍልፍል ጅግንነትን ፅንዓትን ዝኾንካ ወረጃ ህዝብና ነዚ ወፍሪ እዚ ብዝለዓለ ደረጃ ክዕወት ዝገበርካዮ ኩሉመደያዊ ተሳትፎ ማእኸላይ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዕዙዝ ምስጋናና እንትነቕርበልካ : ንቕድሚት እውን እዚ ተሳትፎኻ ኣጠናኺርካ ከምእትቕፅለሉ ብምትእምማን ፀላኢ ብዓብይ ሞራል ውድቀት ፍቖድኡ ይበታተን ስለዘሎ ከምቲ ልሙድ ክሳዳትን ሽንጥሮታትን ዓፂኻ ዝተበታተነ ፀላኢ ክትቐርም በዚ ኣጋጣሚ እዚ ፃውዒትና ነቕርብ::" ኢሉ ኣሎ:: ብተወሳኺ ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ገብረ ገ/ፃድቃን ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለን ምዕባለታት እናተኸታተሉ ንህዝብና ከምዘፍልጡን ገሊፆም ኣለው::
ዓወት ንህዝቢ ትግራይ!