ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብ30 መጋቢት ኣብ ወረዳ ወጀራት ከባቢ ገረብ ኣጎ ብዝፈነዎ ደባይ መጥቃዕቲ : 5 ወታደራዊ መካይን ዝፅዓንኦ ሰራዊትን ኣፅዋርን ብቡንባ ተባሪዐን

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብ30 መጋቢት ኣብ ወረዳ ወጀራት ከባቢ ገረብ ኣጎ ብዝፈነዎ ደባይ መጥቃዕቲ : 5 ወታደራዊ መካይን ዝፅዓንኦ ሰራዊትን ኣፅዋርን ብቡንባ ተባሪዐን

Post by africangear »



30 መጋቢት 2013|ወጀራት

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብ30 መጋቢት ኣብ ወረዳ ወጀራት ከባቢ ገረብ ኣጎ ብዝፈነዎ ደባይ መጥቃዕቲ : 5 ወታደራዊ መካይን ዝፅዓንኦ ሰራዊትን ኣፅዋርን ብቡንባ ተባሪዐን:: እቲ ካብ መጋቢት 23 ጀሚሩ ኣብ ወረዳ ወጀራት ጅግና ሰራዊት ትግራይ ተኸታታሊ ብዘካየዶ ፀረ መጥቃዕትን ደባይን : ካብ መኾኒ ክሳብ ወልድያ ዓሪዱ ንዝነበረ ዕሱብ ሰራዊት ኣብይ ኣሕመድ ከቢዕ ምንጋዕ ብምፍጣሩ እተን ክፍለ ሰራዊታት ናብ ምፍርራስ የምርሓ ከምዘለዋ ኣብቲ ከባቢ ዘለው መረዳእታታት ኣመልኪቶም::

ጅግና ሰራዊት ትግራይ “ትግራይ መቓብር ፀላእቲ እምበር መዐንደሪት ፀላእቲ ኣይትኸውንን!” ኢሉ ንሓርነት ትግራይ የካይዶ ዘሎ ቃልሲ በቢመዓልቱ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ዘኹርዕ ጅግንነት እናፈፀመ ንፀላእቱ ዝድምስስ ዘሎ ኮይኑ : መጋቢት 30 ኣብ ወረዳ ወጀራት ከባቢ ገረብ ኣጎ ወታደራትን ኣፅዋርን ፅዒነን ካብ ዓዲ ቐይሕ ናብ መኾኒ ይሓልፋ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ 5 መካይን : ብሃንደበት ብኢድ ቡንባ ብዝኸፈቶ በርቃዊ መጥቃዕቲ:-

• ልዕሊ 70 ወታደራት እንትሞቱ
• ከባቢ 110 ድማ ቆሲሎም እዮም

ኣብዚ ሃንደበታውን በርቃውን ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ዲሽቃ ዝፅዓና 4 ፓትሮል : 1 ሲኖ ትራክ መኪናን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቀለልትን ማእኸለዎትን ኣፅዋር ዝተቓፀሉ ኾይኖም : እቲ ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፀላእቲ ብኢድ ቡንባ ዝተኸፈተ "ናይ 1 ሰዓት ኦፕሬሽን" ቅስሚ ፀላእቲ ዝሰበረ : ጅግንነት ሰራዊት ትግራይ ዘመስከረ ተግባር ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ::

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ካብ መጋቢት 23/2013 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ወረዳ ወጀራት ከባቢታት ባሕሪ ፀባ : ዓዲ ቐይሕ : ገረብ ኣጎ ኣብ ልዕሊ ዕሱብ ወታደራት ኣብይ የካይዶ ብዝቐነየ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ:-

• ልዕሊ 1,100 ወታደራት ፋሽሽታዊ ሓይሊ እንትሞቱ
• ከባቢ 1,600 ድማ ቆሲሎም እዮም

ነዚ ስዒቡ ካብ ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ዝተኸፈተሎም ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ ምፅዋር ዝኸበዶም : ካብ መኾኒ ክሳብ ወልድያ ዓሪዶም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ክ/ሰራዊታት ዕሱብ ሰራዊት ከቢድ ምንጋዕ ከምዝፈጠረን : ኣብተን ክፍለ ሰራዊታት ምፍርራጅ ከምዘጋጠመን ተፈሊጡ ኣሎ:: ብምኻኑ እውን ኣብዚ ግንባር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወታደራት እቲ ዕሱብ ሰራዊት ብረቶም እናደብረዩ : ካብ ነበርቲ ሲቪልያን ክዳን ኣገዲዶም ወሲዶም እናተኸደኑ ይሃድሙ ከምዘለው መሰኻኽር ዓይኒ ኣረጋጊፆም::

ኣብቲ ዕሱባት ሰራዊት ንዝተፈጠረ ናይ ተግባርን መንፈስን ስዕረት ዝተቖጥዐ ፋሽሽት መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ከምቲ ልሙድ ኣብ ልዕሊ ደጀን ህዝብና ብተኸታታሊ ብሚጋትን ሄሊኮፕተራትን ከምኡ እውን ከበድቲ ኣፅዋር እናደብደበ ከበሳብሶን ከሰኩኖን ይፍትን ኣሎ::


ዓወት ንህዝቢ ትግራይ!

ትግራይ ትስዕር!
DW News - 11-4-2021.jpg
DW News - 11-4-2021.jpg (10.47 KiB) Viewed 3229 times


Post Reply