ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ

Post by africangear »

ካብ ማእኸላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ፤

ጅግና ሰራዊት ትግራይ፤ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሙሉእ፣ ውሑስን ዘተኣማምንን ዝኾን፤ ኣብ ልዕሊ እዞም ደመኛታት ፀላእቱ ዝጀመሮ ወፍሪ ብምቕፃል፤ ካብ ዕለት 24 ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ፤ ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ኢሉ ብዝሰየሞ ወፍሪ፤ ኣብ ግምባር ወልድያን፣ መስመር ወልድያ ወረታን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣካዪዱ ኣሎ፡፡ ይቕፅል ኣሎ!

በዚ መሰረት ካብ ዕለት 28 ሓምለ ክሳብ 29 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ዶሮ ግብር፣ ሓራን ሃሮን ወረዳ ዝነበሩ 12ን 13ን ክፍለ ሰራዊታት ብሙሉኦም፣ 23ን ክፍለ ሰራዊት ገለ ኣካላቱ፣ 33 ክፍለ ሰራዊት ሓደ ብርጌድ፣ 69ን ሜካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ውሱን ኣካላቱ፣ ክልተ ቦጦሎኒ ሪፓብሊካን ጋርድ፣ ሓደ ቦጦሎኒ ፍሉይ ሓይሊ ቤንሻንጉል፣ ክልተ ቦጦሎኒ ደሕንነት ወሃብያ ብዝብል ስም ዝተወደበ ኣክራሪ ሓይሊ ሃይማኖት፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ፣ ሓደ ብርጌድ ፍሉይ ሓይልን ብዝሕ ዝበለ ሚሊሽያን ኣምሓራ ኣተኣኻኺቡ፤ ግምባራት ወልድያን ጭፍራን ኣተኣሳሲሩ ዝዝነበረ፤ ገዚፍ ሓይሊ ፀላኢ ብምድምሳስን ብምብታንን፤ ንዶሮ ግብር፣ ሓራን፣ ሃሮን ብምሓዝ መስመር ወልድያ ጭፍራ ተቖፃፂሩዎ ኣሎ!

ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብዕለት 2ን 3ን ነሓሰ 2013 ዓ.ም፤ ኣብ ዙሪያ ከተማ ወልድያን ኣብ ሞንጎ ወልድያን መርሳን ኣብ ዘሎ ባቡር መስመር ዓሪዱ ንዝነበረ፤ ቅድም ክብል ተደምሲሱ ከም ብሓዱሽ መሊኡን ዳግመ ውደባን ገይሩ ዘሰለፎ፤ መበል 12ን 13ን ክፍለ ሰራዊታት፣ 52ን ናይ 21ን ክፍለ ሰራዊታት ገለ ኣካላት፤ ከምኡ እውን 69ን 8ይን ሜካናይዝድ ክፍለ ሰራዊታት ገለ ክፋሎም፤ ሓደ ብርጌድ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሽያን ኣምሓራ፤ ክልተ ቦጦሎኒ ሪፓብሊካን ጋርድ፤ ዝሓዘ ገዚፍ ሓይሊ ፀላኢ ብምድምሳስን ብምብታንን ንከተማታት ወልድያ፣ ስሪንቃ፣ መርሳን ሳንቃን ብምቁፅፃር፤ ድሙቕ ዓወት ምምዝጋቡ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ብወገን መስመር ወልድያ ወረታ ካብ ዕለት 24 ሓምለ ክሳብ 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም ዝወፈረ ጅግና ሰራዊት ትግራይ፤ ኣብ በረኽቲ ኣኽራትን ኣፀጋሚ መሬትን ዓሪዱ ንዝነበረ፤ 4 ብርጌዳት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሓደ ብርጌድ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት፣ ሓደ ኮማንዶ ቦጦሎኒ፣ ካብ ጎጃም ሰሜን ሸዋን ደቡብ ወሎን ዝተኣኻኸቡ ኣሽሓት ሚሊሽያታት ኣምሓራን፤ ከምኡ እውን ናይ ኦሮሚያ ሚሊሽያታት፤ ምውትን ቁስልን ገይሩ ንመብዛሕትኦም በታቲኑዎም ኣሎ፡፡

ኣብ ተመሳሳሊ ግዘ ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ንምቁፅፃር ዝወፈረ ሰራዊት ትግራይ፤ ንቅርስታትን ሓድግታትን ላሊበላ ከይፈርስን ከይዝረፍን፤ ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ ግቡእ ምድላው ብምግባር፤ ነታ ከተማ ዝተቖፃፀረ ኾይኑ፤ ቀፃሊ ሓለዋ ሓድግታት ብዝምልከት ምስ ነባራይ ህዝቢ ብምምኽኻር፤ ነቲ ብዓል ዋና ህዝቢ ብምርካብን ብምሕጋዝን፤ ግቡኡ እንዳገበረ ዝርከብ ህዝባዊ ሰራዊት እዩ፡፡

ምስዙይ ብዝተኣሳሰረ ብዕለት 27 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ግምባር ዓፋር ዘሎ ጅግና ሰራዊትና፤ ሓሩር ፃሓይ ንዳድ ከይሰኮኖ፤ ኣብ ሞንጎ ሓራን ጭፍራን ቆሪፁ ናብ ክልቲኡ ኣንፈት ነዚ መስመር ከኽፍት ዝመፀ ናይ መበል 23ን 29ን 27ን ክፍለ ሰራዊታት ኣካላትን፤ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን፤ ብዝግባእ መኪቱ ምውትን ቁስል ገይሩ፤ ንድሕሪት መሊሱዎም ኣሎ፡፡

ብካልእ ኣንፈት፤ ፀላኢ ከየዕንዎ ዝስጋእ ንዝነበረ ድልድል ዛሬማ ሰራዊትና ብምቁፅፃርን ውሑስ ብምግባርን፤ ብተወሳኺ ዝለዓለ ወታሃደራዊ ረብሓ ዘለዎ ቦታታት ፀለምቲ ተቖፃፂሩ ብህዝቢ ፀለምቲ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ፅንዓትን ውፉይነትን ሰራዊት ትግራይ ብዝለዓለ ብራኸ ዝተራእየሉ ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ፤ ሰራዊት ትግራይ ብሓደ ገፅ ምስ ዕስለ ሰራዊት ፀላእቲ ኣብ ኣፀጋምን ኣፃድፍን መሬታት እንትዋጋእ፤ ብኻልእ ገፅ ድማ ማይን ውሕጅን ንተፈጥረኣዊ መሰናክላትን እንዳጠሓሓሰ፤ ብሓያል ቁርን ንዳድ ፀሓይን ዘይተንበርከኸ፤ ታሪኽ ምስርሑ ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዝበፅሐ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ብዝርዝር ዝሕበር ኮይኑ፤ 10 ሽሕን 484 ሓይሊ ፀላኢ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ እንትኾን፤ 12 ታንክታት፣ 19 መዳፍዕ፣ 10 ዱሩዓት፣ ሰለስተ 107 ሮኬት መወንጨፊ፣ ብርክት ዝበለ ዙ-23 ሞርታራት ዶሽቃታትን ብሬናትን ተማሪኹ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ክሳብ 70 ኦራላት፣ 44 ኣናእሽተን ወተሃደራዊ መኻይን፣ 31 ዝተፋላለዩ መጉዓዝያ መኻይን ኣብ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ እንትኣቱ፤ 4 ታንክታትን ብርክት ዝበለ ተሽከርከርትን ኣፅዋራትን ዓንዩ ኣሎ፡፡

ትግራይ ትስዕር ኣላ!
tdf-in-amhara-1.jpg
tdf-in-amhara-2.jpg
tdf-in-amhara-3.jpg


Post Reply