መርገፂ እማመ ሰላም መንግስቲ ትግራይ - 12 ለካቲት/2013 ዓ/ም

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መርገፂ እማመ ሰላም መንግስቲ ትግራይ - 12 ለካቲት/2013 ዓ/ም

Post by africangear »



ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኩናት ዘስዕቦ ሰብኣዊ ኪሳራ ፡ ዘብፅሖ ማሕበራዊ ኢኮነሚያዊ ቅልዉላዉ ብተግባር ይይርድኦም እዩ፡፡ ዋጋ ሰላም ብገንዘብን ማተርያልን ዘይዕቀን የግዳስ ክቡር ህይወት ወዲ ሰብ ከፊልካ ከምዝረጋገፅ እንፈልጦ ግሁድ ሓቂ እዩ፡፡ ነዚ እዉን እዩ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ጉዳይ ሰላም ዘየማትእ እምነትን መርገፂ ሒዞም ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነዚ ሎሚ ገጢሙና ዘሎ ወራር ብሰለማዊ መንገዲ ምፍታሕ ኩልጊዜ ቅሩባትን ድልዋትን እዮም፡፡ ቀደሙ እዉን ናብ ኩናት ዘምረሐና ተገዲድና ዝኣተዉና እምበር ኩናት ፈላማይ ኣማራፂና ኣይነበረን ፤ ሎሚ እዉን ኣይኸዉንን፡፡

ህዝቢ ትግራይ መረፃ መመሓድርቱ ብምክያዱ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኩሎም ናይ ሰላም መማረፂታት ዓፅዩ ፡ ናይ ወፃኢ ወረርቲ ሓይልታት ዓዲሙ ህዝቢ ከም ህዝቢ ከጥፍአና ኩሉ ዓይነት ግፍዕን በደልን ምፍፃሙ ስለዝቐፀለ ብደምናን ብዓፅምናን ህልዉናና ንምርግጋፅ ፅኑዕ መርገፂ ሒዝና ንቃለስ ኣለና ፤ ዘሕብን ተደራራቢ ዓወት እናሓፈስና እዉን ንርከብ፡፡ ይኹን እምበር አቲ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክዛዘም ሎሚ እዉን ቅሩባት ምኻንና ከም ህዝብን ከም መንግስትን ክነረጋግፅ ንደሊ፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናብ ሰላማዊ ልዝብ ንኣትዉ ግን ቀፂሎም ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት ሙሉእ ብሙሉእ እንተተማሊኦም ጥራሕ እዩ፡፡

1. ባዕዳዊ ወራሪ ሰራዊት ህግደፍ ብዘይ ዉዓል-ሕደር ካብ መሬት ትግራይ ክወፅእ ኣለዎ፡፡ ብተግባር ምፍፃሙ ድማ ብዘይሻራዊ ዓለምለኸ ኣካል ክረጋገፅ እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ፡፡
2. ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክሕሎን እቶም ሐዚ ብደቡብ ፤ ብሰሜን ምዕራብ ፤ ምዕራብን ምብራቕን ንመሬት ትግራይ ክቃራመቱ ክዉዕሉ ዘለዉ ፀላእትና ክብቲ ቦታታት ለቒቆም ፡ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክሕሎ እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ፡፡
3. እቲ ብሽም ግዝያዊ ምምሕዳር በቶም ፀላእቲ ዝጣየሽ ዘሎ ኣካል ክፈርስን ብህዝቢ ዝተመረፀ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ቦትኡ ክምለስ እንተገይሩ ጥራሕ እዩ፡፡
4. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ደቂ ትግራይን ንዝተፈፀሙ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ፤ ናይ ኩናት ገበናት ዘፃርይ ዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ኣካል ተጣይሹ ብነፃነት ንምፅራይ ዘኽእል ኩነታት ክመቻቸወሉን ስራሕ ክጅመርን እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ፡፡
5. ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝተመዛበሉን ንዝኸፍአ ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ዝተቓልዑን ልዕሊ 4.5 ሚልየን ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖ ምግባር ፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ዝመፁ ዓለም ለኻዉያን ትካላት ዘይተገደበ ምንቅስቃስ ክገብሩ ምፍቃድን ፡ መሬት ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንጋዜጠኛታትን ዘይሻራዊ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓለቕቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ምንቅስቃስ ክፍቲ ክኸዉን፡፡
6. ዝተወረረ ፡ ዝዓነወን ዝተበላሸወን ንብረት መንግስቲ ፡ ሰብ ሃፍትን ህዝብን ዘይሻራዊ ዓለም-ለኻዊ መፃረይ ትካል ተጣይሹ ስራሕ ክጅምር፡፡
7. በዚ ኹነታት ዝተኣሰሩ ፓለቲከኛታትን ካልኦት ደቂ ትግራይን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ
8. እዚ ልዝብ ሰላም ብዘይሻራዊ ዓለም-ለኻዊ ዝካየድ እንተኾይኑ ጥራሕ እዮም፡፡


Post Reply