ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ጁባ ኤርፖርት ብሓይሊ ከሳፍሩዎምን ኣይትወስዱናን ብዝብል ቅልስ፤ ብዙሓት መሕሰይቲ ኣካል በፂሑዎም

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ጁባ ኤርፖርት ብሓይሊ ከሳፍሩዎምን ኣይትወስዱናን ብዝብል ቅልስ፤ ብዙሓት መሕሰይቲ ኣካል በፂሑዎም

Post by africangear »

Update:

ኣብ ኤርፖርት ጁባ ብUNHCR ዕቑባ ዝረኸቡ 15 ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ብNSS ደሕንነት ደቡብ ሱዳን ተፈቒዱሎም ካብ ኤርፖርት ወፂኦም ናብ መዕቖቢ UNHCR ተወሲዶም ኣድላዪ ሕክምና እናተገበረሎም ይርከብ:: ኢትዮጵያ ብኢምባሲኣ ኣቢላ ክትፈጥሮ ዝፈተነት ፀቕጢ ብደቡብ ሱዳን ተነፂጉ ኣሎ::

ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ሓደ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ዝርከቦም ብጠቕላላ 17 ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ሓራ ወፂኦም ኣለዉ::

ልዕሊ ኩሉ ግና፤ መብዛሕትኦም ኣመራርሓ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ምዕራባውያን መንግስትታትን፤ ንዙ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበፅሕ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ኣብ ኣደባባይ ክዕዘቡዎ ምኽኣሎም፤ ንቱ ቅድሚ ሐዚ ኣብ እነቕርበሎም ዝነበረ ፀብፃባት ዝነበሮም ሓደ ሓደ ጥርጣረ ኣወጊዱ፤ ንጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ጥራሕ ዝባኑ ዘትረፎ ዘሕፍር ደብዳብን ግፍዕን እዩ ኣብ ቅድሚ ክንደይ ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ ተፈፂሙ::

"ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ዓለም እዚ ዝገበሩዎም ድኣ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ እንታይ ክገብሩዎም እዮም" ሓደ ኣመራርሓ UN ዝበሎ እዩ!
ጀጋኑና እውን ብቡኛን ቴስታን ኣየትረፉሎምን፤ እዞም ቅሩባት ናይና ን169ን ገጢሞም እዩ ዛሕ ኣቢሎምዎም ከምልጡ ዝኸኣሉ::

#ካሳ_ሃይለማርያም

----------------------------------------------------------------------------------------------------------------------------------------

ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ጁባ ኤርፖርት ብሓይሊ ከሳፍሩዎምን ኣይትወስዱናን ብዝብል ቅልስ፤ ብዙሓት መሕሰይቲ ኣካል በፂሑዎም:: ኣብዙ ምስሊ ከምዝርአ ደም ዝፈሶም ኣባላት ኣለዉ:: ንዙ ደብዳብን ግፍዕን ዝፈፀሙ ምስኦም ዝነበሩ ወታደራት ኢትዮጵያ እዮም::

ኣብዙ ከይዲ UNHCRን ካልኦትን ኣብቱ ኤርፖርት ኣርኪቦም 14 ተጋሩ ወተሃደራት ግዜያዊ ዕቑባ ረኺቦም ተሪፎም ኣለዉ::

እዙ ተፈፂሙ ዘሎ ናብቱ ኤርፖርት ኣብ ዝበፅሐት ኣብታ ቀዳመይቲ ኣውቶቡስ ተሳፊሮም ኣብ ዝነበሩ ዓቀብቲ ሰላም እንትኾን፤ ደድሕሪኣ ኣብ ዝስዕባ ዝነበራ ብዙሓት ኣውቶቡሳት ተሳፊሮም ኣብ ዘለዉ ዓቀብቲ ሰላም ተጋሩ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ክሳብ ሐዚ ኣይተፈለጠን::

ክሳብ ሐዚ ኣብ ጁባ ኤርፖርት ኣብ ትሕቲ UNHCR ተዓቒቦም ዘለው ዓቀብቲ ሰላም ተጋሩ 15 ዝበፅሑ እንትኾን፤ ናብቱ ኤርፖርት እናተጉዓዙ ዝነበሩ ግና 39 እዮም ነይሩም:: ክሳብ ሐዚ ናይቶም ዝተረፉ ኩነታት ምፍላጥ ኣይተኽኣለን::

እቶም ኣብ UNHCR ግዜያዊ ዕቑባ ረኺቦም ዘለዉ እውን፤ ካብ ኤርፖርት ንኸይወፁ NSS ምስዝተብሓለ ኣካል ደሕንነት ደቡብ ሱዳን ገና ናብ ምርድዳእ ከምዘይተበፅሐ እዩ ተሓቢሩ:
እዙ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም እንትፍፀም ኣብቱ ኤርፖርት ዝነበሩ ንUNHCR ሓዊሱ፤ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ሰብኣዊ መሰል ትካል ሰራሕተኛታት፤ ከምኡ እውን ናይ ደቡብ ሱዳን ኣባላት ደሕንነትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ከምዝተዓዘቡዎ ተፈሊጡ ኣሎ::

Fighting broke out this afternoon at Juba International Airport - JIA between the Ethiopian’s government forces and Tigray forces serving under the United Nations Mission in South Sudan (UNIMISS).

An eyewitnesses present at the Juba International Airport - JIA says among the injured one are Tigray soldiers and are put inside terminal 2 by Juba Airport authorities to ease the situation.

The soldiers were at Juba International Airport - JIA waiting for a plane to board to Addis Ababa Capital after their term of service with UNMISS came to an end and the incident happened in the present of the head of United Mission, Sheera.
tigrayan-un-peace-keepres-attaced-in-South-Sudan
tigrayan-un-peace-keepres-attaced-in-South-Sudan
tigrayan-un-peace-keepres-attaced-in-South-Sudan
tigrayan-un-peace-keepres-attaced-in-South-Sudan
tigrayan-un-peace-keepres-attaced-in-South-Sudan
tigrayan-un-peace-keepres-attaced-in-South-Sudan


Post Reply