መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ምእታዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኣሽሓት ተጋሩ ብፓሊስ ኢትዮጵያ ይእሰሩ ከምዘለው ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ምእታዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኣሽሓት ተጋሩ ብፓሊስ ኢትዮጵያ ይእሰሩ ከምዘለው ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ

Post by africangear »

ኣብ ትግራይ ኩናት ካብ ዝጅመር እዚ ንመበል ሳልሳይ ዙር ዝቐፀለ ጅምላዊ ማእሰርቲ ኣማኢት ተጋሩ እዩ፡፡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሳላትን ሰብ ሞያ ሕግን እዚ ድሕሪ ሕዳር 2020 ተጠናኺሩ ዝቐፀለ ኣብ ብሄረ-ተጋሩ ዘነፃፀረ ሃገር ለኸ ስጉምቲ ማእሰርቲ ከምዝኾነ ሮይተርስ ኣቃሊሑ።

ብፍላይ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ምእታዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ተጋሩ ብፖሊስ ኢትዮጵያ ይእሰሩ ከምዘለው ኣቃሊዑ። ሰበስልጣናት ኣዲስ ኣበባ ናይ ተጋሩ ዝኾኑ ትካላት ንግዲ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለኩም ኢሎም ፈልዮም ከምዝዓፀው እውን ሓቢሩ፡፡

ሮይተርስ ዘዘራረቦም ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተጋሩ ብሰንኪ መንነቶም ይእሰሩ ከምዘየለዉ ብምኽሓድ እቲ በመንግስታዊ መሓዉራት ተሓጊዙ ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ብሄረ ትግራይ ዘቕንዐ ጽንተት ዓሌት ክሓብእዎ ፈቲኖም።

በዓል ሞያ ሕጊ ተስፋኣለም በርሀ ‹‹ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ ብውሑዱ 104 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ኣብ ድሬዳዋ ከምዝተኣሰሩ ይፈልጥ እየ›› ኢሉ ይብል ሮይተርስ፡፡

‹‹ናይዞም ዝተኣሰሩ ኣሽማት ካብ መሳርሕቶም፣ ኣዕርኽቶምን ስድራ ቤቶምን ኢና ረኺብናዮ፣ መብዛሕተኦም ድማ ወነንቲ ሆቴል፣ ነጋዶ፣ ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ትካላት፣ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት፣ ሓለውቲ ሹቕ ከምኡ ውን ኣተኣናገድቲ/ኣሳሰይቲ እዮም፡፡›› ይብል፡፡

‹‹ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንብርክት ዝበሉ ትካላት ኣፍሊጥና ኢና፡፡ ክሳብ ሐዚ እቲ ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረት ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ የለን፡፡ ስድራ ቤት ይኹን ጠበቓ ክሪኦም ኣይፍቀድን›› ዝበለ ተስፋኣለም ብተወሳኺ ‹‹እቲ ማእሰርቲ መንግስቲ ካብ መቐለ ሰራዊተይ ስሒበ እየ፣ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ኣውጀ እየ ምስበለ ተጋዲዱ ቀፂሉ›› ክብል እቲ ማዕኸን ዜና ኣቃሊሑ።

እንዳዘወረ ኣብ ጎደና ክሸይጥ ሲቪል ብዝተኸደኑ ተታሒዙ ዝተኣሰረ ሓደ ንጉሱ መሓሪ ዝበሃል ትግራዋይ ኣዘራሪበ ዝበለ ሮይተርስ ‹‹ኣነን ካልኦት 76 ተጋሩን ተታሒዝና ተኣሲርና፣ ኩሎም ብበትሪ ይቕጥቅጡና”፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውፅእ ኢሉ ናብ ዝርከብ ወታደራዊ ካምፕ ኣእትዮም፤ ድሓር ልዕሊ 100 ከምዝኾኑን፡ ቁራፅ ዳቦ ተዋሂቡዎም ኣብኡ ከምዝነብሩን እውን ሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ 10 ናይ ተጋሩ ቡን ዝሸጣ ሹቃት፣ ቤት መስተን ብልዕን ብሰበ ስልጣናት ተዓሽጉ ከምዝረኣየ ዝሓበረ ሮይተርስ ኣብ ከባቢ 22 ‹‹እቲ ከባቢ ብምርባሽ›› ከምዝተዓሸጉ ኣብቲ በሪ ዝተለጠፈ ወረቐት ይገልፅ፣ ኣብ ቦሌ ዝረኣናዮ ግን ምኽንያት ኣይነበሮን ኢሉ፡፡

እቲ ማእሰርቲ ተራ ሰራሕተኛታት ቤት ብልዕን መስተን ከይተረፉ እንዳተገፈፉ ይዳጎኑ ከምዘለውን መዓልታዊ ሓንቲ ቁራስ ባኒ ከምትወሃቦምን ሮይተርስ ዘዘራረቦም ተጋሩ ዝገለፁ ኮይኖም ንምንታይ ከምዝተኣሰሩ ዝነግሮም ሰብ ከምዘየለን ገንዘብ እንተኸፊሎም ግን ከምዝሰዱዎም እውን ሓቢሮም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ትግርኛ ምዝራብ ጥራሕ ምኽንያት ኮይኑ ኣሽሓት ተጋሩ ይእስር ከምዘሎን ምእሳርን ምፍታሕን ተጋሩ ፍልፍል ሃፍቲ ኣባላት ፀጥታ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዘሎን ይግለፅ።

Hundreds of Tigrayans detained in Ethiopian capital in recent weeks, witnesses say

ADDIS ABABA/NAIROBI, July 15 (Reuters) - Ethiopian police have detained hundreds of ethnic Tigrayans in Addis Ababa since federal government forces lost control of the Tigray region's capital on June 28, according to some of those who say they were released... Read more


Post Reply