ሓድነት ክልተ ሓደ ህዝቢ፤ ትግራይን ዓፋርን

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ሓድነት ክልተ ሓደ ህዝቢ፤ ትግራይን ዓፋርን

Post by africangear »

Afar/Tigray flags
Afar/Tigray flags
ሓድነት ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን፤ ከም ብገዛእቲ ዝተፍሓሰ ፈትሊ፤ ዝልቆምን ዝብተኽን እንተይኮነስ፤ ካብ መበቆሉ ፅኑዕን ዕሙቕን ህዝባውን ታሪኻውን ሰረት ዘለዎ እዩ! ብሃበ ተረኽበ እንተይኮነስ ከቢድ ዋጋ ተኸፊሉዎ፤ ብደምን ኣዕፅምትን ክልቲኡ ህዝብታት ዝተነደቐ እዩ!

ንሕና ትግራይን ዓፋርን ብደም ዝተኣሳሰርና፣ ፅሩይን ዘኹርዕን ዘበን ዘቑፀረ ናይ ሓባር ታሪኽ ዘለና፣ መፋጥርቲ እምበር ጎራብቲ ኣይኮናን፡፡ ሓድጊ ወለድና ብሓባር ምውፋር፣ ምትዕድዳግ፣ ምብላዕ፣ ምስታይ፣ ምውሳብ፣ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ፅቡቕን ሕማቕን ብሓባር ኣሕሊፎም፤ ብሰሜን ዝመፀ ባዕዳዊ ወራር ኩሉ ብሓባር መኪቶም፤ ከምሓደ ስድራ ክልተ ወለዶታት ወያነ ብሓባር ወይኖም፣ ተተራኢሶም ተሰዊኦም፣ ብሓባር እውን ተቐቢሮም እዮም፡፡ ብደም ዝተኣሳሰረ ቃልኪዳንን ሕድሪን ወለድና ኣለና፤ ኣይነዕብሮን ኢና!

ሎሚ እውን ሓድነት ትግራይን ዓፋርን ከም'ቱ ናይ ብጉሓትና እዩ ዘሎ! ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ሓደ ስድራ እዩ! ሎሚ በፂሑ፤ ንድሌትን ውዲትን በመቆላዊ ፀላእትናን ተለኣኣኽቶምን መሳርሒ ኣይኸውንን! ኣበደን! ከም'ታ ወለድና ኣተኣሳሲሮም ኣሰጣጢሞም ዝሓደጉና፤ ሎሚ ኮነ ፅባሕ ውልድ ካብ ወለዶ እንፈላለ ኣይኮናን! ኣብ ሓደ ሰረት ኢና ተተኺልና! እኳ ድኣስ ናብ ዝሐሸ ሕውነታዊ ብራኸ ኢና እንድይብ ዘለና!

ኣብይ ኣሕመድ ምስ ዓዲ3 ተስፋፋሕቲ ጉጅልኡን ተለኣኣኽቲ ተወለድቲ ዓፋርን፤ ዝተለሙዎን ዝትግብሩዎ ዘለዉን ቀንዲ ውዲት፤ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ዓፋርን ደምነት ንምትካል እዩ፡፡ እዙይ እውን፤ እቱ ብወገን ዓዲ3 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መሬቱን ዘካይዱዎ ዘለዉ ናይ ግዝኣት ምስፍፋሕ ወራርን ኵናትን፤ ናብ መሬት ዓፋር እውን ልሒኹ ንኽኣቱ ብዘለዎም ድሌት እዩ! ከምዙይ ዝበለ ውዲት ገዛእቲ ኣምሓራ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን፤ ንልዕሊ 100 ዓመታት ትግራይን ዓፋርን ክፈላልዩ ዘይፈሓሩዎ ውዲት ኣይነበረን! ሎሚ ድማ ደቆም ንዙ ሰራም ውዲት ወለዶም ቀፂሎምሉ ኣለዉ::

ትማሊ ኣብ ግንባር ያሎ ዝተፈጠረ ኩነታት እውን ናይዙይ መቐፀልታን መርኣያን እዩ! ብሄር ብሄረሰባት ንዙ ናቶም ናይ ግዝኣት ምስፍሕፋሕ ውዲት ኣካል ንክኾኑ እዮም ፍሒሶም፡፡ ኣብ መስመር ያሎ ደም ተጋሩ፣ ዓፋርን ኦሮሞን ክፈስስ ደልዮም፣ ተሊሞም፣ ገይሮምዎ እውን! ንዙ ውዲቶም መተግበሪ እውን፤ ንክልል ዓፋር ቅድመ ግንባር ገይርኻ፤ ዓውዲ ኵናት ንክኸውንን፤ ምስ ትግራይ ንምድማይ፤ ብውፅኢቱ ድማ ክልቲኡ ሓደ ህዝቢ ንክፈላለ!

ፀላእትና ብመሰረት ኣቐዲሞም ዝተለሙዎ፤ ወፈርቲ ኦሮሞ ኣኽቲቶም ብያሎ መስመር ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ዓፋር ኣስፊሮም፤ ናብ ትግራይ ንኽትኩሱ ብምግባር፤ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብዝህቡዎ ዓፀፋዊ ምላሽ ድማ፤ ኣብቱ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ህዝቢ ዓፋር መጉዳእቲ ንኽበፅሕን፤ ብዙይ እውን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ደምነት ንምትካልን እዩ ነይሩ፡፡ ጎና ጎኒ እውን ትግራይ ናብ መሬት ዓፋር ኣትዮም ወሪሮምና ዝብል ኣውያት ንምልዓል እዩ፡፡

ንዙ ውዲት መሳለጢ ድማ ተለኣኣኽቲ ኣብይ ኣሕመድን ተስፋፋሕቲ ኣምሓራን ዝኾኑ ገለ ሰበስልጣናት ክልል ዓፋር፤ ናብቶም ዝኸተቱ ኦሮሞቶት ክንሓልፍ ንዝበሉ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንምዕጋት ፈቲኖም እዮም፡፡ ብዙይ እውን ንዙ ውጥጥ ንምዝሕሓል ብመሪሕነት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሽማግለታት ዓፋርን ብዝተወሰደ ብልሒ ዝተመልኦ ኣፈታትሓ ጎንፂ፤ ከምድሌት ኣብይ ኣሕመድን ተለኣኣኽቱን እንተይኾነ፤ ብሰለስቲኡ ወገን ክበፅሕ ተፋሒሱ ካብ ዝነበረ ህልቂት ኣዐርዩ ዝነኣሰ፤ ሰብኣዊ ኪሳራ በፂሑ እቱ ኩነታት ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ:: ብድሕሪኡ ኦሮሞቶት ከተቲ እውን ዝበፅሖም ሰብኣዊ ኪሳራ ከምዘሎ ኮይኑ፤ እቱ ዝበዝሕ ሓይሎም ሒዞም ብጭፍራ ብቡርቃ ብባቲ ገይሮም ናብ ዓዶም ክብተኑ ተገይሩ ኣሎ፡፡
ብቐፃልነት እውን፤ ከምታ መበቆላዊ ሓድነትና፤ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምስ ህዝብን ሽማግለታት ዓዲ ዓፋርን፤ ንዘጋጥሙ ኩነታት ብዘተን ምኽርን ክፈትሑን፤ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ፀላእትና ብሓባር ክወፍሩን፤ እናሰርሑሉ ይርከቡ::

ዕድልና ብሓባር ስለዝኾነ እውን እዩ፤ ፀላእትና ምስዝተፋላለዩ መንግስታት ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኸፍአ ወራር ምፅናት ዘርእን ብርሰትን እንተብፅሑ፤ ብተመሳሳሊ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ንብሙሉኡ ህዝቢ ሰሜን ቂልባት ዓፋር ግልጋሎት ስልኪ፣ መብራሕቲ፣ ባንኪ፣ ሕክምና፣ መጓዓዓዝያ፣ ዕዳጋ፣ ከይረክብ ከሊኦም ዓፃፅዮም፤ ምስ ወገኑ ህዝቢ ትግራይ ክሳቐ ክጠሚ ክሓምምን ክመውትን ዝገበሩ፡፡

እዞም ናይ ሓባር መበቆላዊ ፀላእትና፤ ክሳብ ሎሚ እውን ኣብ ሰርዶ ኬላ ገይሮም፤ ማዕረ ከም ህዝቢ ትግራይ፤ ናብ ሰሜን ዓፋር ዝኾነ ይኹን ረድኤት ኮነ ካልእ ንመነባብሮ ኣድላዪ ዘበለ ኹሉ ከይሓልፍ ማዕቐብ ገይሮም፤ ህዝቢ ሰሜን ዓፋር ምስ እንሰሳቱ ዝበርስ ዘሎ፡፡ ልዕሊ ሸሞንተ ወረዳታት ህዝቢ ሰሜን ዓፋር፤ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ዕፅው እዙ ኹሉ መከራ እንትበፅሖ፤ ድምፁ ዘስምዐሉ እውን ኣይረኸበን፡፡ ንስድራይ ድምፂ ስለዘይኾንኩዎም ንባዕለይ እውን ወቒሰ፡፡

እኳ ድኣስ ምሩፃት ደቂ ዓፋር፤ ብተመስገን ጥሩነህን ኣብይ ኣሕመድን እናተሃደኑ ይእሰሩ ኣለዉ፡፡ ንልዕሊ 200 መራሕትን ምሑራትን ዓፋር፤ መብዛሕቲኦም ደቂ ሰሜን ቂልባቲ ዓፋር፤ ብተመስገን ጥሩነህ ብዝተዳለወ ዝርዝር መእሰሪ ሰነድ እናተሃደኑ ይእሰሩ ኣለዉ፡፡ ንቱ ውሩይ ፖለቲካዊ መራሒ ዓፋር ዓሊ ኣብደላን መሓመድ ሓሙድን ሓዊሱ ደቂ ዓፋር ከም ተጋሩ ኣሕዋቶም ብፌዴራለ ፖሊስ ተኣሲሮም ተወሲዶም ኣለዉ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ዓፋር ብውዲት ኣብይ ኣሕመድን ሙስጠፌን፤ ዓፋረታይ ብሰራዊት ዒሳ እናተቐተለ መሬቱ ይምንጠል ኣሎ፡፡ ትማሊ ቀትሪ እኳ፤ ኣብ መንገዲ ዑንዳፎኦ ንኮማንደር ዓሊ ሓማዱ ምስ ካልኣይ ርእሱ ካብ መኪና ኣውሪዶም ኣብ ቅድሚ ስድርኦም ረሺኖምዎም ኣለዉ፡፡ ኣብ ሰሜን ምስ ትግራይ ደምነት ክፈጥሩ ዝፍሕሱዎ ዘለዉ ሸርሒ ሓዲኡ ዕላምኡ እውን፤ ንቱ ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቡ ኣብ ደቡብ ዓፋር ኣንፃር ዒሳ ተሰሊፉ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር፤ “ትግራይ መሬትካ ወሪሮምኻ” ኢሎም ካብኡ ከልዕሉዎ፤ ምስ እኒ ሙስጠፌ ዝፍሓሱዎ ተወሳኺ ውዲት እዩ፡፡

ኣብ ውሽጢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይን ዓፋርን ዝካየድ ፅዑቕ ማእሰርትን ግፍዕታትን ብሙሉኡ ዝትግበር ዘሎ፤ ብኣመራርሓ ተመስገን ጥሩነህ ብፌደራል ፖሊስን ኣባላት ፌደራል ደሕንነትን እዩ፡፡ ገለ ተለኣኣኽቲ ተስፋፋሕቲ ኣምሓራ ዝኾኑ ተወለድቲ ሰበስልጣናት ክልል ዓፋር፤ ንህዝቢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ምጥላሞም፤ ንህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ብምጉናፅ፤ ኣፈፀምቲ ውዲት ፀላእቲ ክልቲኡ ህዝብታት ኮይኖም ይነጥፉ ኣለዉ፡፡

ህዝቢ ዓፋር ንዙ ኣብ ልዕሌኻን ሓውኻ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይን፤ ዝፍሓስን ዝትግበርን ዘሎ ዝተዋደደ ውዲት ፀላእትና ኣብ ምፍሻል፤ ተርእዮ ዘለኻ ፅንዓትን ትኸፍሎ ዘለኻ ዋጋን፤ ፅባሕ ፍረ ኣፍርዩ ኣብ ልዕሊ መቓብር እዞም ዙሪያ ምላሽ ናይ ሓባር ፀላእትና ሓርነትና እነረጋግፀሉ እዩ ክኸውን!

ዓፋረቶት፤ ኣሰር ቀዳሞት ዓፋረቶት ኣቦ ወየንቲ ኣያታትና፤ እኒ ሓንታ ዓረዶም ዓሊ፣ ሓጂ ሞሳ ኣይድሪስ፣ በርሀ ጠልጣላይ፣ መሓመድ ኣደምን ካልኦትን ኣሽሓት ወየንቲ ቂልባት ዓፋር ብምስዓብ፤ ኣብ ካልኣይ ወያነ እውን ወይንኩም፤ ቀንዲ መዋፈሪ ውድብ ኮይንኹም፤ ንስርዓት ደርጊ ኣብ ምድምሳስ ክንደይ መስተንክራዊ ስርሒት ኣብ ታሪኽ ኣመዝጊብኩም፡፡ እዙ ውዕሎ ወያነ ዓፋረቶት፤ ብቐፃልነት ክህደስን ክኹላዕን ግድን እዩ፡፡

ኣብ ከይዲ ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ዝርኣዩ ናይ ኣፈፃፅማ ጌጋታት፤ ብውልቀ መሪሕነት ዝፍፀሙ እምበር፤ ንመሰረት ሕውነትን ሓድነትን ክልቲኡ ህዝቢ ከሐርፍፉዎ ኣይኽእሉን፡፡ ሓው ንሓው ተደጋጊፍና፣ ንፀላእትና በሪ እንተይከፈትና፤ ኣብ ኣፈፃፅማና ኣድላዪ ገምጋምን መአረምታን እናገበርና፤ ንሃለዋትን ደሕንነትን፣ ልምዓትን ዕብየትን፤ ክልተ ግን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ብሓባር ክንነጥፍ ግዘና ሎሚ እዩ! ሓዱሽ ወለዶ ትግራይን ዓፋርን፤ ንታሪኻዊ ውርሲ ኣያታትኩም ክተላዕሙ ሕድርን ግድነትን ኣለኩም!

ዋዕላ ደልጌና፤ ዕርቂ ደጉዓ ትግራይን ቆላ ዓፋርን

ከይዲን ብልሓትን ኣፈታትሓ ጎንፂ (Conflict Resolution) ወለዲ ቀዳማይ ወያነ፤ መሰረት ሓድነት ወየንቲ ደጉዓ ትግራይን ቆላ ዓፋርን እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ምቅፅፃልን ምሕያልን ወያነ ትግራይ እውን ዕዙዝ ግደ ነይሩዎ!

ኣብ ከይዲ ቀዳማይ ወያነ ህዝብን መሬትን ቆላ ዓፋር ደጀን ወያነ ትግራይ ነይሩ፡፡ እዚ ክኾን ዝኸኣለ፤ ብቱ ሽዑ ክረምቲ 1933 ዝተጀመረ ናይ ሓባር ምንቅስቓስ፤ ወራር ጋዝ እናተብሃለ ዝፍለጥ ዝነበረ ደማዊ ወራር ደጉዓ ትግራይን ቆላ ዓፋርን፤ ንመወዳእታ ግዜ ብወለዲ ክልቲኡ ወገን ብዕርቂ ስለዝተዓፀወ እዩ፡፡ ፈፂሙ ካብ ውሉድ ወለዶ ክተርፍ፤ መኺሮም ዘትዮም፤ ታሕሳስ 1934 ንመወዳእታ ግዘ ኣብ ዋዕላ ደልጌና ብዕርቂ ታሪኽ ኮይኑ ክተርፍ ተገይሩ፡፡

ንወራር ጋዝ ክሻብ መወዳእታ ኣብ ምዕፃው ኮነ፤ ወያነ ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ኣቀፃፂልካ ካብ ዓጋመ ክሻብ ራያ ተምቤን ሰቖጣን ዝነብር ህዝቢ ደጉዓ ክሳብ ሙሉእ ዓፋር ክተሓባበር፤ ቀንዲ መሰረት ዝኾነ ደጉዓ ትግራይን ቆላ ዓፋርን ኣብ ሃርበኝነት ብሓባር ዘሕለፉዎ ግዘን ዝፈጠሩዎ ሕውነትን ዕርክነትን እዩ፡፡ ዓምዲ ርክብን ምትእምማንን እቱ ኣብ እዋን ዘበን ወራር ጥልያን ወለድና ብሓባር ዘሕለፉዎ ፀገምን ፈተናን እንትኾን፤ እዙይ እውን እዩ ናይ ሓባር ፈተውቶምን ፀላእቶምን ንኽመምዩ ዝሓገዞም፡፡

ህዝቢ ዓፋር ኣብ እዋን ወራር ጥልያን ንህዝቢ ደጉዓ ድሕሮ ኮይኑ ንሃርበኛታት ደጉዓ ዘዕቖበ ኣብ ልዕሊ ምዃኑስ፤ ምስ ደጉዓ ማዓረ ተሰሊፉ ንጥልያንን ባንዳታቱን ንቆላ ትግራይ ከይወርዱ ገይሩ እዩ፡፡ ወለድና ኣብ ደጉዓ ኣብ ልዕሊ ካምቦታት ጥልያን ሓደጋ እናወደቑ ኣብ ቆላ ይሕብኡ ነይሮም፡፡ ብዙ ሕውነት እዙይ ደምነት ተሳዒሩ ሓደ ህዝቢ ኮይንና፡፡

ቀዳማይ ክፋል

ከይዲ ዘተ ደጉዓ ትግራይን ቆላ ዓፋርን፤ ክሳብ ዋዕላ ደልጌና ከመይ ነይሩ? (ብኣንደበት መራሒ ቀዳማይ ወያነ ኣባ መብረቕ፤ መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ)

ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ቀፃሊ ዝኾነ ደምነት ከይትከልን ኣደዳ ፀላእትና ከይንኸውንን ብዝብል፤ ድሕሪ ወራር ጥልያን፤ 12 ሓምለ 1933 ዓ.ም ምስ’ቶም ክልተ ላዕለዎት መተሓባበርቲ ወራር ጋዝ ደጉዓ ኣቦ ጋዝ ገብሩ ገብርሄትን ኣቦ ጋዝ ገብረ ሓጎስን ኣብ ኪዳነምሕረት ዓዲኻውና ተጋነና፡፡ ኣሻዒቱ ንሳዕቤን ወራር ጋዝ ኣግፊሕና ብምዝታይ፤ ንውሉድ ወለዶ ዝሓልፍ ሕማቕ ውርሲ ደምነት ብምዃኑ ደው ክነብሎ ከምዘለና፤ እንተዘየሎ ግና ንህዝብና ኣብ ደምነት እናእተና መፃወቲ ፀላእትና ኮይንና ከምእንተርፍ መኸርናሉ፡፡ ኣብ’ዙ ብሓደ ውዒልና ዝሓደርናሉ ናይ ኣሕዋትን መሓዙትን ፀዋታ፤ ወራር ጋዝ ኣብ ውሽጢ ሓዉን ሓደን ዝኾነ ህዝቢ ዝካየድ ናይ ሕድሕድ ምጥፍፋእን ደምነትን ምዃኑ ዘቲና ኢና፡፡

እዙይ እውን ቆላን ደጉዓን ሓደ ቤተሰብ ምዃና፤ ዋላ ንቱ ካብ ቀዳሞት ዝፀንሐልና ቅያ ሓዲግና፣ ንቱ ባዕልትና ዘረጋገፅናዮ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ናይ ትማሊ ወራር ጥልያን እኹል መረዳእታ ምዃኑ ተኣማሚና ኢና፡፡ ንዙ ሕውነት እዙይ ዘሪግና እንርብሖ ከምዘየለን፤ ብወራር ጋዝ ዝግነ ጥቕሚ መዐንገሊ ገዛእትና ካብ ምዃን ሓሊፉ ናብራና ከምዘይልውጥ ወይ በረኸት ከምዘይህልዎ መኺርናሉ ነይርና፡፡

ስለ’ዙይ ንዙ ደቅና እኳ ዘይዕንገሉሉ፤ እሞ ድማ ንሃይማኖትና ጥሒስና ብስርቅን ክትራንን ነፍሲ ኣጥፊእኻ ንዝመፅእ ጥቕሚ ኢልካስ ስለምንታይ ዓድን ህዝብን ይፈርስን ይጠፍእን በልና፡፡ ቆላን ደጉዓን ብኸም’ዙይ ነንሕድሕድና እንትንጣፋፋእ፣ ንናትና ጥፍኣትን ህልቂትን ዝፅበዩ ገዛእትና ድማ እናሓየሉ ብዝገደደ ከጋፍዑና ባዕልትና ንሕግዞም ከምዘለና ተዛቲናሉ ኢና፡፡
ህዝቢ ቆላ ኣብ እዋን ወራር ጥልያን መግለሲናን ዓንጋሊናን ኮይኑ ምሳና ብሓባር ብሃርበኝነት ክንደይ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ፡፡ እንተኾነ ግና ሕውነትና ብኸም’ዙይ ብደም ምትእስሳሩን ሓደ ምዃናን ዘይደልዩ ሹመኛታት ትግራይን ሃፀይ ሃይለስላሰን ንቱ ዝደልይዎ ምክፍፋልናን ምጥፍፋእናን ጋህዲ ክንገብረሎም ቀላቕልን ቆላን ንዳለው ኣለና እንትንብል ኣግፊሕና ዘተና፡፡
ስለ’ዙይ ንሕና ደጉዐቶት ሓደ ልቢ ኮይንና ‘በቃ ይኣክል ህዝቢ ኣይነዳሚ፤ ኣደዳ ፀላእትና እውን ኣይንኹን’ እንተኢልና ካብ ቆላ ዝመፅእ ወራር ኣይህሉን፡፡ ንሕና ደጉዐቶት ኢና ንህዝብን ንኣምላኽን እናተዳፋእና ንጥፍኣትን ህልቂትን ንጉሽጉሽ ዘለና፡፡ ብዝብል ነይሩ ግፍሕ ዝበለ ፀዋታ ዝገበርና፡፡ ኩልና ኣዐሪና ህድእ ኢልና ንሕሰበሉ ብዝብል ብፅቡቕ ተረዳዲእና፤ ተፈላለና፡፡
ኣነ እውን ሰላሳ ዝኾኑ ምሩፃት ሰብ ዕጥቂ ሃርበኛታት ሒዘ ኣብ እዋን ወራር ጥልያን ፈተውተይ ናብ ዝነበሩን ከምኣሕዋት ዝሪኦምን ሃርበኛታት ዓፋር ክረክብ ናብ ቆላ ኣምራሕኩ፡፡ መጀመርታ ኣብ ኣጎሮ ልጉዳ ይነብር ናብ ዝነበረ ዓርከይ ሓጂ መሓመድ ኣደም ብምኻድ ክልተ ማዕልቲ ምስኡ እናተፃወትና ቀነና፡፡ እቱ ሓሲብናዮ ዘለና ምስ ኣቦ ጋዛት ደጉዓ ምኽሪ ዝገበርናሉ፤ ‘ወራር ጋዝ ንመወዳእታ ግዘ ዓፂኻ ደጉዓን ቆላን ዕርቂ ምግባር’ ዝብል ምኽሪ ኢና ኣፃዊትናዮ፡፡

ኮይኑ ግና ዓርከይ መሓመድ ኣይኮነንዶ ንቱ ንወራር ጋዝ ተዳልዩ ዘሎ ደጉዐታይ ጋዘታይ፤ ድሕሪ ሐዚ ንኣይ ንሃይለማርያም እውን ኣሚኑ ክመክር ከምዘይኽእል፤ ድሕሪ እቱ ዝሓለፈ ወራር ጋዝ ንደጉዓ ፈፂሙ ክኣምን ከምዘፀግመሉ ኣትሪሩ ቅዋሙ ነገረና፡፡

“ድሕሪ እዚ ኹሉ ናይ ወራር ጥልያን ሕውነት ድኣ ደጉዓስ ንኣና ክትወሩና ምተገብአ ነይሩ!” ኢሉ እውን የመና ሓዚኑ ኣፃወተና፡፡ ንዙ ኩነታት ክነዝሕልን ሕውነትና ክንመልሶ ከምእንኽእልን ክነእምኖ እንተለመናዮ፣ ብቱይ እንተበልና ብዙይ፤ ምስ ዓርከይ መሓመድ ክንረዳዳእ ኣይከኣልናን፡፡ ኮይኑ ግና ዝመፃኹሉ ቁርፂ ቅዋመይ ወራር ጋዝ ክዕፀው ከምዘለዎ፣ ሕማቕን ኣንፃር ሕገ ኣምላኽን እውን ዝኾነ ተግባር ምዃኑ ገለፅኩሉ፡፡ ብሓደ ኮይንና ተሓላሊና ተኸባቢርና እንተዘይነቢርና ኣደዳ ፀላእቲ ኮይንና ከምእንጠፍእ ፀዊናዮ ተፋላለና፡፡

ብድሕሪኡ ኣብ ሙሉእ ዘበነ ወራር ጥልያን ውሩይ ሃርበኛን መራሒ ብርክት ዝበሉ ሃርበኛታት ዓፋርን ናብ ዝነበረ፤ ዳሕራይ ድማ ላዕለዋይ ኣቦ ገረብን ተዋጋኢ ኣቦ ወያነን ዓፋር ኮይኑ ክሻብ ውግእ ኣላጀን ዴስኣን ክንደይ ታሪኽ ናብ ዝሰርሐ ንዓርከይ ሓንታ ዓረዶም ዓሊ ክንረክብ ንገሓርታ ወረድና፡፡ ኣብ ቀይሕሓመድ ገሓርታ ምስበፃሕና ዓርከይ ዓረዶም ንባሕሪ ገይሹ ኣይፀንሐናን፡፡ ኣብኡ እንተለና ብታሕቲ ብወሰማ ገይርና ናብ ዓርከይ ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስ ናብ ካላ ሕርቶ ወረድና፡፡

ኣብ ሕርቶ ምስ ዓርከይ ሙሳ ኣይድሪስ ብቱ ዝኸድናሉ ጉዳይ ክንረዳዳእ ብዙሕ ግዘ ኣይወሰደልናን፡፡ ንቱ ሒዝናዮ ዝወረድና ምኽሪ ብታሕጓስ እዩ ተቐቢሉዎ፡፡ ብዙይ እውን ነይሩ ኣብ ከይዲ እቱ ምንቅስቓስ ዕርቂ ቆላን ደጉዓን ትግራይ፣ ዓርከይ ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስን ዓበይቲ ዓዲ ሕርቶን ካባና ካብ ደጉዐቶት ብዘይንእስ፣ ቆላን ደጉዓን ብምቅርራብ ወራር ጋዝ ንመወዳእታ ኣብ ምዕፃው ዕዙዝ ግደ ዝነበሮም፡፡ ሸኽ ሙሳ ኣብ ሙሉእ ዓፋር ክሻብ ባሕሪ ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ምስልምና እዩ ነይሩ፡፡

ምስ ዓርከይ ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስ ኣብ ሕርቶ ኣብ ዝቐነናለን ማዕልትታት ብዙሕ ምኽሪ ገበርና፡፡ ንቱ ጀሚርናዮ ዘለና ዓብዪ ጉዳይ ክንፍፅም ብቅደም ሰዓብ እንታይ ክንገብር ከምዘለናን፣ ካብ ቆላን ደጉዓን ምስእንመን ክንጋነ ከምዘድልየናን፤ ምስዓበይቲ ዓዲ ሕርቶ መኸርና፡፡ ዓበይቲ ዓዲ ሕርቶ ብፅቡቕ ኣጋይሾም፤ ይኾን እዩ ዝበሉዎ ምኽሪ ሂቦም፤ ብናይ ወለዶም እውን መሪቖምና ተፋላለና፡፡

ካልኣይ ክፋል

ካብ ሕርቶ ነቒልና ናብ ደርጋሞ ኣምራሕና፡፡ ዓርከይ በርሀ ጠልጣላይ ኣብኡ ኣሎ ስለዝተብሃለ ንኡኡ ክንረክብ እዩ ነይሩ ኣካይዳና፡፡ ደርጋሞ ምስበፃሕና ንሓንታ ዓረዶም ክረክብ ንገሓርታ ከይዱ ስለዝተብሃለ ተመሊስና ንእዳ ዓረዶም ዓርከይ ናብ ቀይሕሓመድ ናብ ገሓርታ ደየብና፡፡ ዓርከይ ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስ እውን ካብ ካላ ሕርቶ ክሻብ ባሕሪ ዘለዉ መራሕቲ ዓሌታትን ሽማግለታትን ዓፋር ረኺቡ ንዙ ምኽሪ ከካፍሎም ካብ ሕርቶ ነቒሉ ክሻብ ሮሮም፣ ወጋሬ፣ ዳሄመላ፣ ዓራዒታ፣ ኩባርታ ክዘውር ንሰዓብቱ ሒዙ ተንቐሳቐሰ፡፡

ኣብ ገሓርታ ቀይሕሓመድ እንዳ ዓርከይ ሓንታ ዓረዶም እንትንበፅሕ ዘይሓሰብናዮ እንግዶት ፀንሐና፡፡ ኣነ ምስ ሰበይ ካብ ሕርቶ ተላዒለ ገሓርታ ቅድሚ ምብፃሕና፤ “ሃይለማርያም ብዴስኣ ብገሓርታ ገይሩ ናብ ካላ ሕርቶ ወሪዱ ኣሎ፡፡ ብዛዕባ ጋዝ ይመክር ኣሎ፡፡ ጋዝ ደው ክነብል ሓግዙኒ ይብል ኣሎ” ዝብል ዳጉ በፂሑዎም ነይሩ፡፡ እሞ ሃይለማርያም ንቆላ እንተወሪዱ ገሓርታ ተመሊሱ ንዓረዶም ከየግነየ ከምዘይምለስ ዓረዶም ስለዝፈልጥ፤ ልዕሊ ሰለስተ ሚኢቲ ሃርበኛታቱ ኣብ ግድሚ ቀይሕሓመድ ገሓርታ ክሻብ ኮርሓ ኣኪቡ ብርክት ዝበላ ዝሕረዳ ጤለ በግዕን ፀባን ኣዳልዩ እዩ ተፀብዩና፡፡

ዓረዶም ካብ ታሕቲ በራሕለ ኣትሒዙ ክሻብ ላዕሊ ኣጎሮ ተወለድቲ ዝኾኑ ኣሽሓት ጀጋኑ ምሩፃት ሃርበኛታት ዓፋር ሰዓብቲ ዝነበሩዎ መራሒ ጦር እዩ ነይሩ፡፡ ንጥልያንን ባንዳታቱን እሾኽ ኮይኖም ንቖላ ከይቕልቀል ዝገበሩ ሰብ ታሪኽ ነይሮም፡፡ ድሕሪ ወራር ጥልያን ድማ ብዘይተፀበዩዎ ካብ ደጉዓ ዝተፈፀሞም ወራር ጋዝ፤ ሐዚ እውን ተሓሲቡ ንዘሎ ወራር ክምክቱን ንደጉዓ ደይቦም ሕነ ንክፈድዩን እውን ድሉዋት እዮም ነይሮም፡፡ ፀባ ፀገብ ሰብ ጋዕሲ፣ ኣልቤን መውዜር ምንሽር ዝዓጠቑ፣ ምስ ሹተሎምን ካርኦምን መብዛሕትኦም መናእሰይ ሃርበኛታት ዓፋር ምስ መራሕቲ ዓሌትን ሽማግለታትን ተኣኪቦም እንተለዉ፤ ደጉዐቶት ኣብ ማእኸሎም እንትንኣቱ ንዝነበረ ስምዒት ኩሉ ግዘ እዝክሮ፡፡

ምስ’ቱ ዝተኻየደ ወራር ጋዝ ፈጢሩዎ ዝነበረ ሕማቕ ስምዒት፣ ንሕና ምስሙሉእ ዕጥቅና ኣብ ማእኸሎም ኣብ ግድምታት ገሓርታ እንትንግነን፣ ከምሓደ ቤተሰብ እውን ክንመኽረሉ ምምፃእናን፤ ኣብ’ቱ ህዝቢ ፈጢሩዎ ዝነበረ ቅዱስ መንፈስ ካብ ሕልናይ ኣይጠፍእን፡፡

ዓርከይ ዓረዶም የመና ታሕጓስ ዝሕዞ ዝጭብጦ ጠፊኢዎ ነይሩ፡፡ ክልቴና ካብ ስድራናን ኣዝማድናን ኣትሒዙ ፍሉይ ዕርክነት እዩ ነይሩና፡፡ እዋን ወራር ጥልያን ብሓርበኝነት መብዛሕትኡ ውዕሎና ብሓባር ኣብ ቀላቕል ትግራይ እንትኸውን ምኽርና እውን ብሓባር እዩ ነይሩ፡፡ ቀደሙ እውን እዙ ቆላን ደጉዓን ዘሎ ህዝቢ ሓደ ቤተሰብ ምዃኑ ክልቴና እንኣምነሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ሞንጎ ናቶም ዓሌትን ናተይ ክሻብ ዓጋመ ዘሎ ስድራን ሕሉፍ ህይወትናን ፍቕርናን ምስክር ምንባሩ ኩልሻዕ እነዋግዐሉ ጉዳይ ነይሩ፡፡ ካሊእ ተሪፉ ወለዱ ዘውፅኡሉ ስም ሙሳ ዓሊ እንትነብር ወለድና እዮም ነይሮም ዓረዶም ዓሊ ዝበሉዎን ብኡኡ ዝተሰየመን፡፡

እዙ ዝመፃእኹሉ ጉዳይ እውን እዩ ነይሩ ንዓረዶም ዓርከይ የመና ዘሐጎሶ፡፡ ንሓጎሱ መግለፂ እውን ደጉዐቶት ንባርኸን ኣጣልን ኣባግዕን ኣቐሪቡ ባሪኽና ኢና ዝኣተና፡፡ ከምኡ እውን ኣብኡ ዝፀንሑና መራሕቲ ዓሌትን ሽማግለታትን ዓፋር ብተመሳሳሊ ኣጣልን ኣባግዕን ክባረኹ ገበረ፡፡ ፀባ ጤል፣ ግመልን ከፍትን ከም ማይ እዩ ቐሪቡ፤ ሽዑ ግዘ ፅጋብ እዩ ነይሩ፡፡ ኣነን ዓረዶምን ንበይንትና ክንመክር እኳ ኣይደለየን፡፡ “ልመፃእኻሉ ጉዳይ፣ ኣብ ልኸድካዮ ልመኸርካዮይ ኩሉ ሰሚዕናዮ ኢና፡፡ ዳጉ በፂሑና እዩ እሞ ልሕባዕ ናይ ክልቴና ምሽጥር ስለለየለ፣ መምፅኢኻ ልኹልና ግለፀልና” እንትብል ነበረ ኣብ ገሓርታ ፀወታ ዝተጀመረ፡፡

መራሕቲ ዓሌት፣ ሽማግለታትን ዕጡቓት ሃርበኛታት ዓፋርን ጥራሕ እንተይኾኑስ፤ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ቆልዓን ሰበይትን ኩሎም ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣጋምሸት ብገፊሑ ዘረባ ገበርኩ፡፡ ወራር ጋዝ ናይና ከምዘይኾነ፤ እኳድኣስ ተግባር ሰይጣንን ንኣና መጥፊኢናን፣ ንፀላእትና ድማ መሐጎሲ ምዃኑ ገለፅኩ፡፡ ከም’ዙይ ብዝሕ ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከቦ ንውሕ ዝበለ ዘረባ እንትገብር ቀይሕሓመድ ገሓርታ ናይ መጀመርታይ ምዃኑ እዩ፡፡ ብዝርዝር ሓሳበይ ብምክፋል ኣቓልቦ እቱ ዝተኣከበ ህዝቢ እውን ከግኒ ከኣልኩ፡፡

ግራዝማች ገብረዝጊን ሓንታ ዓረዶምን እውን ብድሕረይ ተመሳሳሊ ብዝኾነ ሕውነትን ሓድነትን ደጉዓ ትግራይን ቆላ ዓፋርን እዩ ዘዋፅአና ክብሉ ብሰፊሑ ሓሳቦም ገለፁ፡፡ ብፍላይ ዓርከይ ዓረዶም ብትግርኛን ብዓፋርን እናሓዋወሰ ዝስምዖ ዝኣምነሉ ናይ ልቡ ተናገረ፡፡

ንድሕሪት ብምኻድ ታሪኽ እናማሳኸረ ኣብ ዝተፈላለዬ ግዘ ዝመፁ ወረርቲ ፀላእቲ፤ ፀላእቲ ኩላትና ቆላን ደጉዓን ትግራይ ከምዝነበሩን፤ ካብ ቀዳሞት ወለድና ኣትሒዙ ሓቢርና እውን ንምክቶም ከምዝነበርና፤ ንንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስን ንራእሲ ኣሉላን ጠቒሱ ክሻብ ናይ ትማሊ ወራር ጥልያን ተሓጋጊዝና ከመይ ገይርና ፀላእትና ከምዘምበርከኽና ኣዘንተወ፡፡ ንፍሉይ ምሸት ቀይሕሓመድ ብሕውነት፣ ብታሕጓስን ብድግስን ኣሕለፍና፡፡

ንዓረዶም ዓርከይን ህዝቢ ዓፋርን ተሰናቢተ ንለይቱ ገስጊስና ንክልሻእምኒ ደየብና፡፡ ካብ ክልሻእምኒ ኣትሒዝና፤ ኣብ ዴስኣ ክሻብ ኣፅቢ ወምበርታ፣ ክሻብ ገርዓልታን ክልተ በለሳን፣ ኣብ ድድባ ደርግዓጀን ክሻብ ዋጀራት ኣላጀምላሽ፣ ትሕቲ ፅርጊያ እውን ክሻብ ሕንጣሎ፣ ሳምረ፣ ግጀት፣ ጨለቖት እናተዘዋወርና ከረምና፡፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲን ሃርበኛታት መሓዙትናን እናተራኸብና ናብ ካልኦት ከባቢታት እውን ውሽጣ ውሽጡ መልእኽተኛታት እናለኣኽና ኣንፃር ወራር ጋዝ ጎሽጓሽ ገበርና፡፡ ብኸም’ዙይ ተንቀሳቒስና ፅቡቕ እናስማዕና እንተለና፤ ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስ ማዕልቲ ቖሪፁ ድሕሪ ክልተ ቕነ ናብ ካላ ሕርቶ ንኽወርድ ልኣኸለይ፡፡

ልዕሊ ሚኢቲ ዝኾኑ ዕጡቓት ሒዘ፤ ብመሰረት ቖፀሮና ናብ ካላ ሕርቶ ወረድኩ፡፡ ኣብ ካላ ሕርቶ ንኣዕርኽተይ ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስ፣ ሓጂ መሓመድ ኣደም፣ ሓንታ ዓረዶም፣ ደርዳር፣ ሓንታ ከላሊ፣ በርሀ ጠልጣላይ፣ ዓሊ ዓሊባራን ሓዊሱ ልዕሊ ሚኢቲ ዝኾኑ ሃርበኛታት፣ መራሕቲ ዓሌትን ሽማግለታትን ዓፋር ምስ ሰዓብቶም ተኣኪቦም ፀንሑና፡፡ ናብ ቆላ እንትንወርድ ከም’ቱ ኩልግዘ እንገብሮ፤ ዓጋዘናት ሃዲንና ክንዲ ክንፆሮ እንኽእል ኣቆንጢና፣ እኽሊ ቡርክታ እውን ቋፂርና ኢና ወሪድና፡፡ ይኹን ድኣ እምበር ዓርከይ ሙሳ እንሓርደን ኣጣልን ኣባጊዕን ምስ ፀባን ንቡርኩታን ገዓትን ዝኸውን ሕሩጭን ኣዳልዩ እዩ ፀኒሑና ነይሩ፡፡

ምኽንያት እቱ መፀዋዕታን ድግስን፤ ንቱ ቅድም ክንብል ዝጀመርናዮን እንገብሮ ዝኸረምናን ምንቅስቓስ ኣመልኪቱ ነይሩ፡፡ እዙይ እውን ወራር ጋዝ ንመወዳእታ ደው ክነብሎ፣ ዓርከይ ሙሳ ሙሉእ መሬት ዓፋር ክሳብ ባሕሪ ኮሊሉ፣ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ተጋንዩ መኺሩ ስለዝተመለሰ ዝወፈረሉ ውፅኢቱ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ከስምዐና፤ ብወገና እውን ኣብ ደጉዓ እንታይ ከምዝገበርና ንዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ክነስምዕ ብምሕሳብ እዩ ነይሩ፡፡

ይኹን ድኣ እምበር ኣብ ናይ መጀመርታ ክልተ ማዕልታት ውዕሎና ፅዋና ምጉናፅን ዘይምትእምማንን ዝበዝሖ እዩ ነይሩ፡፡ ካብ’ቶም ተኣከብቲ ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ዳርጋ ዝበዝሑ፤ “ልደጉዐቶት ኣሚንካ ስምምዕስ ይትረፍ ልብኻ ሂብካ ክተዋግዖም እውን ኣይግባእይ” ዝበል ቅዋም ዝሓዙ ነይሮም፡፡ ዋላ እኳ እቱ ንሓምለ ኣብ ግዘ ክረምቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ወራር ጋዝ ደጉዐቶት ብቱ ዝጀመርናዮ ጎሽጓሽ ኣዘሓሒልና ክሻብ እቱ ማዕልቲ እንተጓተትናዮን፤ ንቐፃሊ እውን ግድ የለን ክሻብ መወዳእታ ከይካየድ ኩሉ ዝኸኣልናዮ ክንገብር ኢና እንተበልናን፤ መብዛሕትኦም ተኣከብቲ ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ክኣምኑና ድልዋት ኣይነበሩን፡፡

“ንሃይለማርያም ኣይንኣምኖን” ብምባል እውን ኣብ ልዕለይ እምነት ከምዘይብሎም ፍርቂ ዝኾኑ ሽማግለታት ዓዲ ዓፋር ገለፁለይ፡፡ ንዙይ መርትዖ ክብሉ እውን፤ “ኣውራ መተሓባባሪ ወራር ጋዝ ኮይኑ ኣብ ደጉዓ ዝዳለው ዘሎ ላዕለዋይ ኣቦ ጋዝ ገብረ ሓጎስ እዩ፡፡ ገብረ ሓጎስ ድማ ወዲ ሓፍቲእንኡ ንሃይለማርያም፣ ደቂ ዓባይን ንእሽተይን እዮም፡፡ ብደጉዓ ወዲ ሓፍቲእንኡ ክወረና ከጥፍአና እናላዓለ፤ ብዙይ ድማ ሃይለማርያም ከዘናግዐና የተዓሻሽወና ኣሎ” በሉ፡፡ ብተወሳኺ እውን፤ “ዋላ እኳ ብሓደ ጎንኻ ካብ ፈተውትና ካብ ዓጋመይ ክልተ ኣውላዕሎይ ተወላዲ እንተኾንካ እውን፤ ብኻሊእ ጎንኻ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ወረርትናይ ቀተልትናይ ካብ ልኾኑ ካብ ደጉዓ እንደርታይ ራያይ ኢኻ ትውለድ፡፡ ኣብ ደጉዓ እንደርታ እውን ኢኻ ተወሊድኻ፡፡ ብዙይይ ወዲ’ዙይይ ኣይንኣምነካይ፤ ተተዓሻሽወና ኣለኻ እምበይ ኣካይዳኻ ቅኑዕ የኾነይ” ክብሉ የንቅፀና በሉ፡፡

“ሓቂ እንተልዩካ፤ ወረርቲ ደጉዐቶት ስለልኾኑ ልኣታቶም ሕደጉ ወራር ጋዝ ይትረፍ ክንዲ ምባል ልኣና ልተወረርቲ እንታይ ግበሩ ኢኻ ትብለና ለለኻ” ክብሉ እውን ሞገት ገጠሙኒ፡፡
ኣዕርኽተይ ዝኾኑ ደቂ ዓፋር ብሙሉኦም ብዝኸኣሉዎ ኩሉ ብዛዕባይ ኮነ ንወራር ጋዝ ንምቕራይ ዝገበርኩዎ ርክብን ምኽርን ከረድኡ ክሻብ ሳልሳይ ለይቲ ብዙሕ ፀዓሩ፡፡ ብዓሌት ዓሌት ኩባርታ፣ ዓላ፣ ሕርቶ ንንበይኖም ምስ መራሕቶምን ሽማግለታትን ኮፍ ኢሎም ክመኽሩ ላሕ በሉ፡፡ ኣነ እውን ብዝኸኣልኩዎ ክኣምኑኒ፣ ንወራር ጋዝ ተሓጋጊዝና ኢና ክንዓፅዎ እንኽእል ብምባል ንንውልቀ ንሰለስቲኦም ዓበይቲ ዓሌታት ዓፋር ኩባርታ፣ ዓላን ሕርቶን ከስምዕ ፃዕሪ ገበርኩ፡፡ ግና ሰማዒ ጠፍአ፡፡ “ድሕሪ ደጊም ንደጉዓ ኣይንኣምንን” ዝበሉ መራሕቲ ዓሌት በዝሑ፡፡

ኣብ ሞንጎ እዙ ሓርፋፍን ተሪርን ከይዲ ዘተ፣ ካሊእ ፀገም ተወሰኾ፡፡

ሳልሳይ ክፋል

ኣብ ሞንጎ እዙ ሓርፋፍን ተሪርን ከይዲ ዘተ ካላ ሕርቶ፤ ካሊእ ፀገም ተወሰኾ፡፡ እቶም ምሳይ ዝወረዱ ዕጡቓት ደጉዐቶት እውን፤ “ይጠንጠን እምበይ መን ልመን እዩ ክልምን” እናበሉ ኩነታት ዝገደደ ናብ ሕማቕ ከደ፡፡ በዝሒ ዕጡቓት ደጉዐቶት ሒዘ ምምፅአይ እውን ከምሓደ ዘይምትእምማን ዘልዓሉዎ ደቂ ዓፋር ነይሮም፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ እኽለማይ ፈሊኻ፤ “ኣጣል ኣባጊዖም ፀብኦም ኣይንደልየሎምይ፣ እላሃደንና ናይ ባዕልና ብርኩታ ኢና እንበልዕ” ክሻብ ዝብል ምፍልላይ ተበፂሑ ነይሩ፡፡

እዙ ኩነታት ናብ ካልእ ምጉናፅን ገርጨውጨውን ከይሰግር ስለዝሰጋእኹ ንግራዝማች ገብረዝጊ፣ ንሃይሉ ኣተይ፣ ንበዛ፣ ንግርማይ እንቱን ደስታ ዕቡይን ምስ ዒስራ ዝኾኑ ዕጡቓት ጥራሕ ምሳይ ኣትሪፈ፤ እቱ ዝበዝሕ ጦር ደጉዓ ግና፤ ተካ መርሻ ሒዙዎም ናብ ደደይቲ ክድይቡ ገበርኩ፡፡ ንዙይ ዝገበርኩ እውን ኩነታት ከዛሓሕል ምትእምማን ንምፍጣር ብምባል እዩ ነይሩ፡፡

ሰለይ እናበልና፤ ኣብ ሓምሻይ ማዕልትና ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ድሕሪ ናይ በይንቶም ምኽሪ ፀውዑኒ እሞ ምስ ሰበይ ቀረብኩ፡፡ “ቅድሚ ኩሉ ክንኣምነካ እንተኾይንና፤ ብናይ እማን ንደጉዐቶት ኣዝማድኻ ኣእሚንካ ወራር ጋዝ ክተቕሪ ካብ ልብኻ ከምዝተልዓልካን፤ ክሻብ መወዳእታ ምሳና ደው ከምእትብልን ብናይ ኣቦና መሓለልና” በሉኒ፡፡ “ብዝኣምኖ ፈጣሪ ኩሉኣለም ዳዊተይ ጠቒዐ ምሒለልኩምንዶ ኣይነበርኩን” እንተበልኩ፤ “የኾንይ ክንኣምነካ ብናይ ኣቦና እንተለይመሓልካልና” በሉኒ፡፡

ደስታ ዕቡይን ሃይሉ ኣተይን፤ “እዙይ’ማ ፈፂሙ ኣይኾንይ፡፡ እንታይ ኢልካ ብለይ ናይ ኣቦኻ ትምሕል” ኢሎም ኮረዩ፡፡ “ኩሉ ንኣምላኽ እዩ፤ እቱ ዋና ናይና ምትእምማን እዩ” ብዝብል እሺ በልኩዎም፡፡ “ዕዳጋ ተኣኪቡ ሃምልብተን፣ ኣነ እውን እንተጠሊመኩም ኣላህ ይበትነኒ” በል ኢሎም ኣምሐሉኒ፡፡

ብድሕሪኡ ገልገል ጤል ኣነ ክባርኻ ምስተገበረ፤ መጀመርታ ዓርከይ ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስ ሰለስተ ግዘ ሸገራ፡፡ ቀፂሉ ኣነ ሰለስተ ግዘ ሸገርኩዋ፡፡ ካብኡ ዓርከይ ሓንታ ዓረዶም፣ ደርዳር፣ ሓጂ መሓመድ፣ በርሀ ጠልጣላይ ኩልና ኣዕርኽቲ በብተራ ስሰለስተ ግዘ ብምሽጋር፣ “ሓደ ንሓደ ከይጠልም ብደምን ኣዕፅምትን ወለድና ቃል ኣቲና ኣለና” ተብሃለ፡፡ ብመሓላ ተሰማሚዕና ብፅቡቕ ኣማሺና ተሓጕስና ተደሪርና ክንህርስ ተፋላለና፡፡

ብፅባሒቱ ወጋሕታ ለይቲ ዓረዶም፣ ደርዳርን በርሀ ጠልጣላይን ካብ ምህራሰይ ይንቕንቑኒ እሞ፤ “ሃይለማርያም፤ እዙ ጉዳይ ልውዳእ የኾነይዋ ክንመክር ኢና መፂእናካ” በሉኒ፡፡ “ሀዚኸ እንታይ ተረፈና?” እንተበልኩ፤ “ልተወሰኑ ሽማግለታት ደቂ ሕርቶ፣ ዳሄመላይ ኩባርታይ ሀዚ እውን ልሃይለማርያም ካብ ልብና ኣይኣመናዮይ እሞ፣ ተወሳኺ መእሰሪ ካብኡ ንደሊ ኢና ይብለዉ” በሉኒ፡፡ ሽዑ ንስምዒተይ ክቋፃፀር ተፀጊመ ነይረ፡፡ የመና ኮርዬ ኩሉ ዳርጋ ይጠንጠን ኢለ መንገዲ ደጉዓ ክጅምር ምስነቐልኩ፤ ኩሎም ኣዕርኽተይ ደቂ ዓፋር ኮርዮም ኣረጋጊዖምኒ ቆረስና፡፡ ርፍድ ምስበለ፤ “ንምዃኑ ድሕሪ መሓላን ቃል ኪዳንን፣ እንታይ እዮም ተወሳኺ መእሰሪ ደልዮም” በልኩዎም፡፡“ሃይለማርያም ልቱ ማሕላ ይኹን ቃልኪዳን ካብ ልቡ የተቐበሎይ፡፡ ተኣመንቱይ ኣዝማዱይ እሊ ሃይሉይ ደስታይ እውን፣ ስለምንታይ ትምሕል ኢሎም እላተቓወሙዎ ነይሮም፡፡ ብናይ እማን ልሃይለማርያም ክንኣምኖ እንተኾይንና፣ ሰበይቱይ ክልቲኦም ህፃውንቲ ደቁይ ምሳና ክቕመጡ ይሃበና” ይብለዉ በሉኒ፡፡

ብዓልቲ ገዛይ ወ/ሮ ኣሰማች ሊላይን ክልቲኦም ህፃውንቲ ደቀይ ኣፅብሃን ኣለማየሁን ድርኡ እውን ሹመኛታት መንግስቲ ከየግንዩዎም ኢለ ካብ ደርግዓጀን ክሻብ ዴስኣ ክሻብ ገሓርታ፣ ደርጋሞን ዳርጉሊን ቦታ እናቀያየሩ ምስፈተውተይን ኣዝማድን ይቕመጡ ስለዝነበሩ፤ “እዙይ ድኣ እንታይ ፀገም ኣለዎ፤ እስኻትኩም እኳ ቤተሰበይ ክትከናኸኑለይ እናበልኩምስ” ኢለ ከምዝበልኩምዎ በልኩዎም፡፡

ሽዑ ንመወዳእታ ግዘ ኩሎም ሽማግለታትን መራሕትን ዓሌታት ዓዲ ዓፋር ኩሉ ዝበልኹዎን ዝገብሮን ካብ ልበይ ምዃኑ ተረዲኦም ሙሉእ እምነቶም ኣብ ልዕለይ ኣሕደሩ፡፡ እምነቶም ጥራሕ እንተይኮነስ ልቢ ንልቢ እውን ተጋኒና ከምብሓዱሽ ምኽሪ ገበርና፡፡ ከምሓደ ወዲ ኣባት ዓፋረታይ እውን ተቖፀርኩ፡፡ “ድሕሪ ደጊም ገዛ ዓፋር ገዛኻ እዩ” ክብሉ ብዙሕ መረቑኒ፡፡ ዘሕጉስ ግዘ ኣሕለፍና፡፡ ኩሉ ሰብ ተሓጎሰ፡፡

ብድሕሪኡ ካብ ቆላ እንተይደየብና ንማዕልትታት ኣብኡ ቀነና፡፡ ንደደይቲ ንኣሰምሓራ ደይቦም ዝነበሩ እኒ ተካ መርሻ እውን ንኩሎም ዕጡቓት ሒዞም ናባና ክወርዱ ብምግባር፤ ኣብ ሞንጎ ቀላቕልን ቆላን ኮይኖም ህዝቢ ዘሸግሩ ዝነበሩ ‘ዓማሊ’ ዝብሃሉ ከተርቲ ክንቐፅዕ ምስ ሃርበኛታት ዓፋር ብሓባር መኸርና፡፡

ካብ ቀላቕል ከባቢ ኣፅቢ ወምበርታ ፅራእ ሒዙ፤ ብማዕዶ ንገማግም ቆላ ዝኾና ዓድታት ደርግዓጀንን ድድባን ኮሊሉ ክሻብ ኣርሆ ዝንቀሳቐሱ፤ ዓማሊ ዝተብሃሉ ከተርቲ ነይሮም፡፡ ክልተ ሰለስተ እናኾኑ በርታት እናሓዙ፤ ናይ ወዲ ዓዲ ጠባናጁ ይምንጥሉን ነፍስታት እውን ኣጥፊኦም ነይሮም፡፡ እዚኣቶም ንህዝቢ ቆላ ዓፋርን ደጉዓ ትግራይን ፀርፀር ዘበሉ ዳኛ ዝተስኣነሎም እዮም ነይሮም፡፡

ኣብ ደጉዓ እናሃለና ብዙሕ ወረ ንሰምዕ ስለዝነበርና፤ ኣብ ካላ ድሕሪ ዘተና ምውዳእና ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር፤ “በይዛኻይዶ ሓግዘና” ስለዝበሉኒ፤ ተወሳኺ ልዕሊ ሰለስተ ሚኢቲ ዝኾኑ ኣጉባዝ ዕጡቓት ካብ ደጉዓ ካብ ድድባ ደርግዓጅን ከምዝወርዱ ገበርኩ፡፡ ኣብ’ቱ ከባቢ ምስዝነበሩ ዓዲታት መኺርና እቶም ዓመልቲ ኣለዉ ናብ ዝተብሃለሉ ቦታታት ብሙሉኡ ምስ ሃርበኛታት ዓፋር ኸቲትና ንመብዛሕትኦም ሓዝናዮም፡፡

ብዙይ እውን ካብ ህዝቢ ንዝመንጠሉዎ ጠባናጁ ገንዘብን ካሊእ ንብረትን ካብ ዝሓብኡዎ ኩሉ ከምዝተኣኻኸብ ገይርና፣ በብጣብይኡ ብኣታቶም ተበዲለ ዝበለ እናቐረበ ጠባናጁኡ፣ ገንዘቡ፣ ጥሪቱን ንብረቱን ክወስድ ገበርና፡፡ ንጠባናጁ እቶም ዓማሊ ብሙሉኡ መንጢልና እውን ንቶም ጠባናጁኦም ዘየግነዩ ክውሃብ ገበርና፡፡ ንዘጥፍኡዎ ነብሲ ድማ ብሽማግለታት ብዕርቂ ክርአ ተገይሩ፣ ከፍቶምን ንብረቶምን ተሸይጡ ክክሕሱ ወሰናሎም፡፡ ካብ’ዙይ ንድሓር ኣብ ዝኾነ ይኹን ክትራን እንተወዒሎም ክንቀትሎም ምዃና ኣፍሊጥና፣ ከልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልአ ንመንገዲ ኣርሆን ቀላቕል ትግራይን ሙሉእ ሰላም ገበርናዮ፡፡ እዙይ ኣብ ፅባሕ ሓዱሽ ዓመት 1934 ዓ.ም ዝተፈፀመ፤ ዘተ ሕርቶን ከምኡ እውን ምጥፋእ ዓማሊን ወሪኡ ኣብ ሙሉእ ዓዲ ክሻብ ማእኸል ትግራይ ተሰምዐ፡፡ ብዙይ ድማ ኩሉ ወዳዲእና ደጉዓ ምስደየብና ብዙሕ ሰብ ተሓጎሰልና፡፡

ካብ ቆላ ቅድሚ ምድያብና መልእኸተኛታት ንደጉዓ ልኢኽና ካብ ኪዳነ ምህረት ዓዲኻውና ብዓልቲ ገዛይ ወ/ሮ ኣሰማች ምስ ወላዲታ ወ/ሮ ንርአያ በርሀ፣ ክልቲኦም ህፃውንቲ ደቀይ ኣፅብሃን ኣለማየሁን፣ ምስ ወ/ሮ ኣመተ በርሀን ንቆላ ክወርዱ ገበርና፡፡ መጀመርታ እንዳ ዓርከይ ዓረዶም ኣብ ቀይሕሓመድ ገሓርታ ክፀንሑ ተገበረ፡፡

ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ኮይኖም ንፀላኢ ከይቃልዑ ብምሕሳብ፤ ናብ ኣጎሮ ደይቦም ምስ ሓጂ መሓመድ ኣደም፤ ከምኡ እናቀያየሩ ንዘይተወሰነ ግዘ ዋዕላ ደልጌና ኣካይድና ወራር ጋዝ መእሰሪ ክሻብ እንገብረሉ ብኸምኡ ፀንሑ፡፡ ብዙ ኣገባብ ምስ ቆለቶት ዓፋር ስጡም ርክብ ኣደልዲልና፤ መረሽቲ ጋዝ ዝኾኑ ደጉዐቶት ናብ ነብሶም ዝምለሱሉን ንዙ ኩሉ ንወራር ጋዝ ተዳልዩ ዘሎ ሓይሊ ደጉዓ ብኸመይ ከምእነእምንን እናመኸርና ኢና ናብ ደጉዓ ዝደየብና፡፡ ኣብ ከባቢ ክልሻእምኒ ዴስኣ ኮይንና እውን ምኽርን ምልእኣኽን ቀፀልና፡፡

ዋላ እኳ ቅድም ክብል ምስ ኣቦ ጋዛት ገብረ ሓጎስ፣ ገብሩ ገብርሄትን ካልኦት ኣቦ ጋዛትን ብዙሕ መኺርና ብድሕሪኡ እውን ብዙሕ ምግናያት ገይርና እንተነበርና፤ ካልኣይ ወራር ጋዝ ንምክያድ ዝገብርዎ ምድላዋት እንተተደናጎየ እውን ውሽጣ ውሽጡ ቀፂሎምሉ ነይሮም፡፡ ወራር ጋዝ እንተየካየዱ ኣዋርሕ እንተቑፀሩን ዝዘሓለ እተመሰለ’ውን፤ ማዕልቲ ኣይቑረፁ እምበር ወራር ጋዝ ከካይዱ ካብ ምሕሳብን ውሽጣ ውሽጢ ምልዓላትን ግና ኣየቋረፁን፡፡

ራብዓይ ክፋል

ንዙ ወራር ጋዝ ንምክያድ ዝግበር ምድላዋት ደጉዓ ደው ንምባል፤ ንበይንትና ካብ እንደፍአሉ ብዝብል፤ ንዙ ሓሳብ ቀዲሙ ዝድግፉ፣ ምሳና እውን ብብግዚኡ ርክብን ምኽርን ዝገብሩ ንዝነበሩ ሃርበኛታት ኣዕርኽትና ሓወስናዮም፡፡ በብከባቢኡ ተሰማዕነት ዝነበሮም፣ ብህዝቢ እውን ተኣመንትን ሃርበኛታትን ዝኾኑ፣ ዳሕራይ እውን ወያነ ምስተወልዐ ላዕለዎት ኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ኮይኖም ብምምራሕ ክንደይ ታሪኽ ንዝሰርሑ ሃርበኛታት መሪፀ፤ መስቀል ምስበረቐ ኣብ ሰሙኑ ኣብ ዴስኣ ክንጋነ ፈረሰኛታት ለኣኽኩሎም፡፡

እዞም ዝተመረፁ ሃርበኛታት፤ ብሓሳብ ፅቡቕ ንረዳዳእ ዝነበርና ናይ ዘበን ሃርበኝነት መሓዙተይ እዮም፡፡ ብዘይካ እዞም ዝተፀውዑ ምሳይ ብሓደ ኣብ ሕርቶን ፎቖዶ ቆላ ዝቐነዩን ገሊኦም እውን ኣብ ደጉዓ ዝፀንሑን ሃርበኛታት እውን ብተወሳኺ ክግነዩ ገይርና ኢና፡፡ እዚኦም ኩሎም ሃርበኛታት፤ ኣቦ ጎበዛት እንትኾኑ፤ ነናይ ባዕሎም ዕጡቓትን ሰዓብትን ዝነበሮም እዮም፡፡

መስቀልና ኣብሪቕና ኣብ ሰሙኑ ኣብ ዴስኣ ከባቢ ልጉዳ ኢና ተጋኒና፡፡ እዞም ዝገለፅኩዎም ሃርበኛታት ኣዕርኽተይ፤ መልእኽተይ ምስበፅሖም ንሰዓብቶም ሒዞም ስንቆም ቋፂሮም ብቖፀሮና ደበኽ ኢሎም፤ ብሓደ ቀኒና እውን ፍረ ዘለዎ ብዙሕ ምኽሪ ገበርና፡፡ ብፅቡቕ እናተደማመፅና ብዙሓት ጉዳያት ዓድና ኣልዒልና ኣዋጋዕና፡፡ ብመጀመርታ ብገፊሑ ዝዘተናሉ እቱ በብዓዱ በሓደሽቲ ተሸወምቲ ሃፀይ ሃይለስላሰን ራእሲ ስዩምን ዝፍፀም ዝነበረ ጋዶ ነበረ፡፡ ሓደሽቲ ተሸወምቲ እንታይ ይገብሩ ከምዝነበሩ፤ ንህዝቢ የጋፍዑን ዓዲ የጥፍኡን ከምዘለዉ ብዙሕ ኣዋጋዕና፡፡ ብኸመይ መንከ እዩ ሃዬ ክብሎም ኢልና እውን መኸርና፡፡ ምስ’ዙይ ተታሓሒዙ እውን ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣውሪዶምልና ዝነበሩ፤ “ትግሬ ከዳኝ” ዝብል ጠቐነ ወደቓ ምዃኑ ዘቲና ነይርና፡፡ ንጉስ ባዕሎም ምስ መኳንንቶም ክሒዶምና ጠሊሞም ምስሃደሙ ንሕና ንበይነትና ንጥልያን ስለዝመከትና፤ ብኸመይ ብግልባጡ ንኣና ከደዓት ይብሉና ክንብል እውን ዘቲና ነይርና፡፡

ካልአዋይ ዝዘተናሉ ጉዳይ’ውን ንወራር ጋዝ ኣመልኪቱ እንትኾን፤ ተሸወምቲ መንግስቲ ብኸም’ዙይ እናጋፍዑናን ዓዲ ብሙሉእ እናጥፍኡዎን እናሃለዉ፤ እሞ ድማ ንቱ መግለሲና ሓዉና ዝኾነ ህዝቢ ዓፋር ንሕና ካልኣይ ክንወሮ ምሕሳብና ጋዶ ምዃኑ መኸርና፡፡ እዙ ወራር እዙይ ሓዉ ምስዝኾነ ህዝቢ ቆላ ምጥፋእን ደምነት ምትካልን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፤ እዙይ ንተሸወምቲ ዝረብሕ እምበር ንኣና ኾነ ንደቅና ከምዘይጠቅም ኣትሪርና መኸርናሉ፡፡ ስለዝኾነ እውን ንሕና እንተተሓባቢርና ወራር ጋዝ ጠቕሊሉ ክቋረፅ ክንገብር ከምእንኽእል፣ ኣብ ሞንጎ ደጉዐታይን ቆለታይን ዕርቂ እንተ ኣውሪድና ብሕውነት ብሓደ እናተሓጋገዝና ክንነብርን ንፀላእትና ክንምክትን ከምእንኽእል፤ እዙይ እንተገይርና ጥራሕ እውን እዩ ህዝቢ ዓፋር ዓንዲሑቐ ክኾነና ዝኽእልን ንባዕልትና ኾነ ንሰብና ክንጠቅም እንኽልን ኢልና ተደማመፅና፡፡

ብመሰረት እዙ ዕላማ እውን፤ ክሻብ እዛ ማዕልቲ ምስ ዓበይቲ ዓፋር ኮነ ምስ ኣቦ ጋዛት ገብረ ሓጎስ፣ ገብሩ ገብርሄት፣ ሓንታ ተወልዳይ ገብሩ፣ ሓንታ ጎይትኦም ሓጎስ፣ ባሻይ ገብረመድህን ኣርኣያን ካልኦት ሃርበኛታትን ዝገበርናዮ ናይ 12 ሓምለ ርክብ ኩሉ ሓደ ብሓደ ኣዋጋዕኹዎም፡፡ ምስ ህዝቢ ዓፋር ዕርቂ ንምውራድን ምትእምማን ክህልወናን ክብል፤ ብናታቶም ሕቶ ንበዓልቲ ገዛይን ንክልቲኦም ህፃውንቲ ደቀይን ከምመትሐዚ ከምዝሃብኩዎም ምስገለፅኩ፤ ካብ ኩሎም ተኣከብቲ ፅቡቕ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ተርኣየ፡፡ “ብሓደ ኮይንና ወራር ጋዝ ክንዓፅዎ ንኽእል ኢና፤ ኣዕርኽትና፣ ደቅናይ ኣሕዋትናይ ዶ ኮሪና ምምላስ ክኣብየና ኮይኑ” ክብሉ ኩሎም ሓደ ብሓደ ደገፎም ገለፁ፡፡ ሓቢርና ንዙ ቅዱስ ሓሳብ ክንፍፅም እውን ምህረይ ኣረጋ (ወዲ ለሃማ) ዳዊት ኣቕሪቦም ኩልና ጠቒዕና ቃል ኣተና፡፡ “ዝሓለፈ ደምነት ይኣክል፤ ንባዕልናን ደቅናን ናብ ቀፃሊ ደምነት ኣይነእትው” ክንብል ቃልና ኣሰርና፡፡ “ቆላን ደጉዓን ብሓደ እንተኾይንና ጥራሕ ኢና ክንሕይልን ፀላኢ እውን ክፈርሐናን ዝኽእል” ክንብል ተሰማማዕና፡፡ ሙሉእ ሓጎስ ነበረ፡፡

ምስ’ዙይ ተታሒዙ እውን በብዓዱ ከም ዕንጉለ ፈርዮም ዝነበሩ ከተርቲ ሸፋቱ ካብ’ቶም ሹመኛታት ብዘይንእስ ንህዝቢ የጋፍዑ ስለዝነበሩ፤ ኩሉ ሃርበኛ በብከባቢኡ ዓዱ ክሕልው፣ ሰቡ ከድሕን መኸርና፡፡ ኣብ ቆላ ቀኒና ኣብ መንገዲ ኣርሆ ንዝነበሩ ከተርቲ ዓማሊ ከመይ ገይርና ከምዘፅረናዮም፤ ዋላ እኳ እቱ ወረ ኣብ ደጉዓ ብሙሉኡ ተሰሚዑ እንተነበረ እውን ብዝርዝር ኣዋጋዕናዮም፡፡ እሞ ኣብ ደጉዓ እውን በብዓዱ እናኸተሩ፣ ኣብ ገሊኡ እውን ክሻብ ህይወት የጥፍኡ ንዘለዉ ከተርቲ ሸፋቱ ተሓባቢርና ክንቐፅዖም ስምምዕ ገበርና፡፡

ብኸም’ዙይ ምስ ዓዲ እናመኸርና፤ ዋላ እኳ እቱ ሕጊ ክኽበር ክገብር ዝግብኦ ዝነበረ መንግስቲ ባዕሉ ናብ ክትራን እንትኣተወ እውን፤ ንሕና ዓቕምና ብዝፈቐዶ ኩሉ ህዝብን ዓድን ክነድሕን መኸርና፡፡ ብቐፃሊ እውን እንታይ ከምእንገብር ተሰማሚዕና ክንገብሮ እንኽእል ኩሉ ተለምና፡፡ እዙይ እውን እዞም ኣብ ህዝቢ ዕዙዝ ተሰማዕነት ዝነበሮም ተኣከብቲ ሃርበኛታት በብዓዱ ወፊሮም ንቶም ወራር ጋዝ ከካይዱ ምድላዋት ዝገብሩ ዘለዉ ኣቦ ጋዛት፤ ንምኽርናን ስምምዕናን ክገልፁሎም ወሰና፡፡ ብድሕሪኡ እዞም ልዕል ክብል ዝጠቐስኩዎም ሰላሳ ዝኾኑ ሃርበኛታት ምኽሪ ገይሮም መን ናበይ ዓዲ፣ ምስ እኒ መን ክጋነ ከምዘለዎ ተመቓቒሎም ነቐሉ፡፡

ብዙይ እውን ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ካብ ክልተኣውላዕሎ ክሻብ ሙሉእ እንደርታን ራያን ኮሊሎም ብምግናይ ማዕዳን ምኽርን ገበሩ፡፡ ኣብ’ዙ ናይ ሓደ ወርሒ ገነያ ኣብ ገሊኡ ዓበይቲ ኣቦ ጋዛት ብቱ ሓሳብ ክሰማምዑ እንተደለዩ እውን፤ ኣብ ትሕቲኦም ዝነበሩ ኣጉባዝ ጠንጠነልና እናበሉ ስለዘሸገሩ፤ እቱ ሽምግልና ኣዐሪዩ መድከማይ ነይሩ፡፡

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ወራር ጋዝ ክቋረፅን ንሓዋሩ ከዕፀውን ኣብ ምግባር እዞም ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ዝገለፅኩዎም ሰላሳ ዝኾኑ ሃርበኛታት እዮም ልዕሊ ማንም ሰብ ርኡይን ልዑልን ተግባር ዝፈፀሙ፤ ወያነ ምስተቐፃፀለ እውን ኣቦ ገረባትን ኣቦ ወየንትን ዝኾኑ እዮም፡፡ እዞም ሽማግለታት ብፍላይ ናይ ነዊሕ ግዘ ታሪኽ ወራር ጋዝ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት እንደርታን ራያን እናተዘዋወሩን እናተመላለሱን ምስ ደጉዐቶት ኣቦ ጋዛት ሽምግልና እንተካይዱ፤ ኣነ እውን ናብ ቆላ ተመሊሰ ካብ ከባቢ ሕርቶ ካላ፣ ወጋረ ኣትሒዘ ክሻብ ዳህሜላ ሮሮም ንላዕሊ እውን ክሻብ ራንዳ ብምድያብ ህዝቢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ደጉዐቶት ንዝነበሮ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ምእንታን ከወግድ ምስ መራሕቲ ዓሌታት ዓፋር ብዙሕ ዘተ ገበርና፡፡

ኣብ መወዳእታ እውን ናብ ዋጀራት ወሪደ ምስ ፊታውራሪ ገብረማርያም ሰበበራ፣ ፊታውራሪ ኪሮስን ካሕሱ ሃይሉን ኮይንና ምስ ኣቦ ጋዛትን ኣቦ ጎበዛትን ዒስራ ዓዲ ዋጀራት ብዙሕ ፅዋ ገበርና፡፡ ካብ ዋጀራት ኣትሒዙ ክሻብ መቻረ ጨርጨረ፣ ክሻብ ራያ ወራር ጋዝ ከምመግለፂ ስብእነትን ጅግንነትን ይቑፀር ስለዝነበረ፤ ‘ዝፀንሐና ናይ ኣቦና ንመን ፈሪሕና ኢና ክንሓድጎ’ ዝብል ኣረኣእያ ንሽምግልናና ፈቲኑዎ ነይሩ፡፡ ደጉዐቶት ካልኦት ከባቢታት ብዝተገበረ ምሽምጋልን ዘተን ስለዝተሰማምዑ፤ ሽማግለታት እንደርታን ክልተኣውላዕሎን ናብ ዋጀራትን ራያን ወሪዶም ቀትርን ለይትን ንኣቦ ጋዛትን ጎበዛትን እናጠበሩ ቀነዩ፡፡

ድሕሪ እቱ ኹሉ ፃዕሪ እውን እንተኾነ ዋላ’ኳ ኣብ ከባቢ ወጀራትን ክፋል ራያን ሙሉእ ብሙሉእ ብልቢ ተቐባልነት እንተዘይረኸብና ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ደጉዓ ሽምግልናና መልክዕ ምስሓዘ፤ ን12 ሕዳር ኣብ ከባቢ ዴስኣ ፍሉይ ስሙ ደልጌና ኣብ ዝተብሃለ ገረብ ኩሎም በብዓዱ ዝነበሩ ዝመስሉና ሽማግለታትን ኣቦ ጋዛትን ክንጋነ እሞ ክንመክር ወሰንና፡፡ ንዙ ኣብ ዋጀራት ኮይንና ዘምፃእናዮ ሓሳብ ዋዕላ ደልጌና’ውን ኩሎም ሽማግለታት ናብ እቶም ዝሸምገሉዎም ከባቢታት ተመሊሶም መፀዋዕታ ንኽገብሩ ተስማሚዕና ተፋላለና፡፡

‘ወራር ጋዝ ፈፂሙ ክዕፀው ኣለዎ፣ ቆላን ደጉዓን ብሓባር ብሕውነት እንተነበርና ጥራሕ እዩ ሰላም ክህልወና ፀላእቲ እውን ዘኽብሩና’ “ወራር ጋዝ ኣባና ኮነ ኣብ ደቅና ከይምለስ፣ መዳመይናን መጥፊኢናን ሕማቕ ባህሊ እዩ” ብዝብል ንመወዳእታ ክንዓፅዎ ተሰማማዕና፡፡ ንዙ ስምምዕና እውን ኩልና ነናብ ዓድና ምስተመለስና፤ ቃል ኩላትና ምዃኑ ንሰብና ክነስምዕ፤ ድሕሪ ሐዚ ቆላን ደጉዓን ሕውነት እምበር ደምነት ከምዘይብልና በስልጣንና ኣወጅና፡፡ ቃልና ክፀንዕ እውን ዳዊት ጠቅዒና ብመሓላ ኣሰርና፡፡

ኣነ እውን ቆላ ዓፋር ወሪደ ንዙ ብስራት ክነግር፣ ድሕሪ ወርሒ ዓፂድ ምስኣላአምና ን16 ታሕሳስ ንኪዳነምህረት ቆላን ደጉዓን ኣብ’ዚኣ ኣብ ደልጌና ተጋኒና ሕውነትና መእሰሪ ክንገብረሉን ቃል ክንኣቱን ወሰንና፡፡ ድሕሪ ደጊም ደጉዐታይ ብዘይ ስኽፍታ ቆላ ወሪዱ ኣርሆ ክገብር፤ ደቂ ቆላ እውን ደጉዓ ደይቦም ድሌቶም ዕዳጋ ክገብሩ፤ ጥሪታትና ሓቢረን ክወፍራን ኣብ ሓደ ገረብ ክሰትያን ቃል ኣተና፡፡

ድሕሪ ቀዳማይ ዋዕላ ደልጌና ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ኾይንና ኢና ንቆላ ዘምራሕና፡፡ እቶም ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንወራር ጋዝ ንምዕፃው ብሽምግልና እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓድን ካልኦት ብዙሓት ሃርበኛታትን ሰዓብቶምን ኮይንና ኢና ወሪድና፡፡

ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል (ብኣንደበት መራሒ ቀዳማይ ወያነ ኣባ መብረቕ፤ መፅሓፍ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ)

ካብ ደልጌና ነቒልና ናብ ልጉዳ ዴስኣ ናብ እንዳ ዓርከይ ሓጂ መሓመድ ኣደም ኢና ወሪድና፡፡ ኣብኡ ምስበፃሕና ንዓርከይ ሓንታ ዓረዶም ሓዊሱ ወረ ደጉዐቶት እናፀናፀኑ ዝቐነዩ ብዙሓት ደቂ ዓፋር ካብ ልጉዳ ትሕት ኢሎም ኣብ ማይ ፋሕፋቶ ተኣኪቦም ረኸብናዮም፡፡ ንሕና እውን ዝመፃእናሉ ጉዳይ ገሊፅና ናብ ኩሎም መራሕቲ ዓሌትን ዓበይቲ ዓፋርን ወረ ክልእኹን ኣብ ማእኸላይ ቦታ ኣብ ደርጋሞ ኣብ ሓምሻይ ማዕልቱ ክንጋነ ገበርና፡፡

እቶም ዝተልኣኹ ናብ ኩሉ ገስጊሶም መልእኽቶም ኣብፂሖም እንትምለሱ ንሕና እውን ናብ ደርጋሞ ወሪድና ኣብኡ ዓብዪ ገነያ ገበርና፡፡ ፍሉይ ቕነ ነይሩ፡፡ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ደልጌና ደጉዐቶት ብኹሉ ሓሳባትና ተሰማሚዕና ተሓጕስና ኢና ተፋላሊና፡፡ ሐዚ ድማ ኣብ ቆላ ኮይንና ህዝቢ ዓፋር ጋዝ ከቋረፅ እዩ ኢሉ ሓሲቡዎ ዘይፈልጥ፤ ብዘይገመቱዎ ቅልጣፈ ደጉዐቶት ተሰማሚዕና ክንብሎም እንተለና፤ ስግኣቶም ተቐንጢጡ ዝተሰምዖም ታሕጓስ ፍሉይ ነይሩ፡፡

ካብ ኩሉ ከባቢታት ዓፋር መራሕቲ ዓሌትን ዓበይቲ ዓዲን ዝተረፈ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ከምኣውያት ተደማሚፁ እዩ ቀትርን ለይትን ተጓዪዩ ኩሉ ደርጋሞ ዝኣተወ፡፡ መራሕቲ ዓሌትን ዓበይቲ ዓድን ዓፋር ንሰዓብቶም እንተይቆፀርካ ዳርጋ ክልተ ሚኢቲ ይኾኑ ነይሮም፡፡ ድሕሪ ደጊም ወራር ጋዝ ተዓፅዩ እዩ እንትብል ኣበሰርኩዎም፡፡ ደጉዐቶት ኣብ ደልጌና ዋዕላ ገይርና ዘዋጋዕናዮን ዝበፃሕናሉን ስምምዕ ብዝርዝር ገለፅኩሎም፡፡ ድሕሪ ደጊም ሕውነትን ሓድነትን እምበር ወራርን ደምነትን ብኣና ኮነ ኣብ ደቂ ደቅና፣ ንውሉድ ወለዶ ከይድገም ሙሉእ ዕርቂ ወሪዱ ኣሎ በልና፡፡ ንዙ ዕርቂ ክንኣስር እውን ን16 ታሕሳስ ኣብ ደልጌና ቆላን ደጉዓን ኩልና ብሓባር ከምእንጋነ ቖፀሮ ምግባርና ገለፅኩሎም፡፡

ንዙ ብስራት ምስሰምዑ መራሕቲ ዓሌትን ዓበይቲ ዓዲን ዓፋር በብተራ እናተልዓሉ ዝገለፁዎ ስምዒት ታሕጓስ ዕምቆት ዝነበሮ እንትኾን፤ ገሊኦም እውን ታሕጓሶም ምቑፅፃር ኣብዩዎም ይነብዑ ነይሮም፡፡ ሙሉእ ሓጎስ ኮነ፡፡ ዓበይቲ መናእሰይ፣ ሰብኣይ ሰበይቲ፣ እንተይበለ ኮታስ ኩሉ ሓጎሱ ገለፀ፡፡ ንመፀዋዕታ ደልጌና እውን ኩሉ ሰብ ብታሕጓስ ተቐበሎ፡፡

ን16 ታሕሳስ ኩሎም መራሕቲ ዓሌትን ዓበይቲ ዓዲን ዓፋር ንደጉዓ ደይቦም ኣብ ደልጌና ከምእንጋነ ቃሎም ሃቡና፡፡ ብፍላይ እቶም ካብ ዘበነ ወራር ጥልያን ኣትሒዙ ስጡማት ኣዕርኽተይ ዝነበሩ ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስ፣ ሓንታ ዓረዶም ዓሊ፣ ሓጂ መሓመድ ኣደም፣ ሓንታ ደርዳር፣ ሓንታ ከላሊ፣ በርሀ ጠልጣላይን ኣቦይ ዓባስን ታሕጓሶም ወሰን ኣይነበሮን፡፡ ሽዑ እውን ነበረ ዓርከይ ሸኽ ሙሳ ተላዒሉ፤ “እሞ ድሕሪ ደጊም ደኣ ልሃይለማርያም ምእማን ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ውሉድ ዓፋር ለይንፈልዮ ዓፅመ ስጋና ካብ ኮነ ሰበይቱይ ደቁይ ሒዙ ይኺድ እምበይ” ዝበለ፡፡

ብድሕሪኡ ብዙሓት ሸኻትን ዓበይቲ ዓዲን እናተልዓሉ ንፅዋ ሸኽ ሙሳ ዓርከይ ኣተርኢሶም ብዙሕ መረቑኒ፣ ብዙሕ እውን ቃል ኣተዉ፡፡ ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ውልድ ወለዶ ደጉዓ ትግራይን ቆላ ዓፋርን ድሕሪ ሐዚ ከይንጣለም፤ ብዘድለየኒ ኩሉ ህዝቢ ዓፋር ክሻብ ባሕሪ ምሳይ ደዉ ከምዝብል ቃሎም ሃቡኒ፡፡ “ፀላእትኻ ፀላእትና እዮም፤ ፈተውትኻ ፈተውትና እዮም፡፡ ደቂ ዓፋር ጠባናጁ ልተዓጠቑ ኾነ ሰብ ሹተልይ ምሳርይ ብልደለኻዮም ምሳኻ ኣለዉ” ክብሉ፤ ብዙሕ ናይ ሕውነት መሓላታትን ምኽርን ገበሩ፡፡

ብዙ መሰረት እዙይ’ውን ናብ ገሓርታ እንዳ ዓርከይ ዓረዶም ደይብና ንብዓልቲ ገዛይ ወ/ሮ አሰማችን ህፃውንቲ ደቀይ ኣፅብሃን ኣለማየሁን ምስካልኦት ምስኦም ዝነበሩ ስድራ ሒዘ ንደርግዓጀን ደየብና፡፡ ኣብ ደርግዓጀን ንኹሎም ሽማግለታት ዓዲ ዓዶም ኣፏኒና እዳኣዝማደይ ኣብ ዓፀፃ ኣዕረፍና፡፡

ካልኣይ ዋዕላ ደልጌና፤ 16 ታሕሳስ 1934 ዓ.ም

ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ደልጌና ዝመፀ ህዝቢ ቆፂርካ ኣይውዳእን ነይሩ፡፡ ዋላ እኳ ብዙሓት ስንቆም ሒዞም እንተመፁ ንቱ ኩሉ ዓዲ ሙሉእ ህዝቢ ካብ ሓደ ቀትርን ለይትን ዝሓለፈ እኽለ ማይ ኣይነበረን፡፡ ዓጋዘናት ከይንሃድን’ኳ ፆም ነቢያት እዩ ነይሩ፡፡ ስለዝኾነ እውን ምኽሪ ገይርና ንቱ ዝመፃእናሉ ጉዳይ ኣቀላጢፍና ዓዲ ዓድና ክንምለስ ወሰና፡፡

ዓቕሚ ቀለብና ትሑት ብምንባሩ ብዙሕ ከይንፀንሕ እንተዳፍአና እውን፣ ብተወሳኺ ናይ ደልጌና ዋዕላና ብብዙሓት ተሸወምቲ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ተፈሊጡ ስለዝነበረ፤ ብድሕሬና በብዓዱ ወራር ገይሮም ዓዲ ከየጥፍኡ እውን ስግኣት ነይሩና፡፡ ብዙ ምኽንያት እውን እዩ ነይሩ ጉዳይና ገይርና ምኽርና ኣሲርና ቀልጢፍና ዓዲ ዓድና ክንምለስ ብዝብል ኩልና ዝተሰማማዕና፡፡

ገዛእቲ ኣውራጃን ወረዳን ኣርሚ ኢትዮጵያን ካብ ሸዋን ወሎን ዝኸተቱ ደቂዓዲ ዕጡቓትን ሒዞም ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዘመቱ፤ ንተን ኣብ ከባቢ ከተማታትን ፅርጊያታትን ዝነበራ ዓድታት ሓሊፎም ክሻብ ርሑቕ ሃገረሰባት ተዋፊሮም ግፍዕታቶም የመና ኣብ ዘጋደዱሉ እዋን እዩ ነይሩ ንካልኣይ ዋዕላ ደልጌና ዘካየድና፡፡

ኣብ’ቱ ዋዕላ ከም’ቱ ቀዳማይ ዋዕላ ህዝቢ ደጉዓ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢቲ ዝኾኑ ደቂ ዓፋር ተገንዮም ነይሮም፡፡ ንህዝቢ ዓፋር መሪሖም ዝመፁ ሓንታ ዓረዶም ዓሊን ሸኽ ሙሳ ኣይድሪስን ነይሮም፡፡ ካብ ደጉዓ ትግራይ እውን እቶም ኣብ ቀዳማይ ዋዕላና ዝተገነዩ ጥራሕ እንተይኮኑስ ብዝሕ ዝበለ ሰብ ተደማሚፁ መፂኡ ነይሩ፡፡ ካብ ወጀራት ጥራሕ ካብ ዒስርአን ዓድታት ዝተልኣኹ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ እዮም ተገንዮም፡፡ ራያ እውን ከምኡ ብርክት ዝበሉ ኣቦ ጋዛትን ጎበዛትን ክሻብ ታሕታይ ቆቦን ዘቡልን እዮም ተገንዮም ነይሮም፡፡ ካብ ተምቤንን ዓጋመን እውን ከምኡ፡፡ እንደርታን ክልተኣውላዕሎን’ማ እቱ ዓዲ እውን ቀሪቡሎም ዝተረፈ ሰብኣይ ኣይነበረን፤ ኩሉ እዩ ኣብ ደልጌና ከቲቱ፡፡

እዙ ኩሉ ደልጌና ዝሰፈረ ጎበዝ መብዛሕትኡ ጠባናጁ ዝዓጠቐ እንተኾን፤ ሹተል፣ ጭማራ፣ ጎጀሞን ምሳርን ዝዓጠቑ ብርክት ዝበሉ ጎበዛት እውን ኣኸቲሎም ነይሮም፡፡ ዝበዝሕ ተኣካባይ ዕድሚኡ ኣብ ዕስራታትን ሰላሳን እንትኾን፣ ቁፅሪ ኣፍራስን ኣብቕልትን እውን ብኣማኢት ዝቁፀር ነይሩ፡፡

ናብ 16 ታሕሳስ ኪዳነምሕረት ዘውግሕ ኩሉ ሰብ ዳርጋ ኣትዩ ስለዝሓደረ ዘተና በጕሓቱ ኢና ጀሚርና፡፡ ልዕሊ ሚኢቲ ሰብ እንኾን ደቂ ደጉዓ ትግራይ፣ ካብ ዓፋር እውን ክሻብ ኣርብዓ ዝኾኑ መራሕቲ ዓሌትን ዓበይትን ኮይንና ኢና ዋዕላና ዘካየድና፡፡ ኣቐዲምና ዝዘተናሉ ጉዳይ ድማ ንቱ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ደልጌና ዝመኽርናሉን መእሰሪ ዝገበርናሉን ወራር ጋዝ ብዝምልከት ነይሩ፡፡ ንዙይ እውን እቱ ተኣካባይ ብሕጉስ መንፈስ እዩ መኺሩሉ፡፡ ብዙሓት እናተልዓሉ ብቆላ ይኹን ብደጉዓ በብዓዱ ዘሎ ህዝቢ ኩሉ ንዙ ቅዱስ ሓሳብ ብፅቡቕ ከምዝተቐበሎ ገሊፆም፡፡

ኣብ መወዳእታ እውን ብክልቲኡ ወገን ብቆላን ብደጉዓን ዘለዉ ዓበይቲ ተላዒሎም ድሕሪ ሐዚ ኣሕዋት ምዃናን፣ ዝሓለፈ ደምነት ኩሉ ብዙ ናይ ሎማዓንቲ ዕርቂ ዝፀረየ ምዃኑን ገሊፆም፤ ኩልና እውን ብናይ ኣቦና ምሒልና፤ ንመወዳእታ ግዘ ወራር ጋዝ በዕርቂን ብመሓላን ዓፀናዮ፡፡ ኩልና ነናብ ዓድና ምስተመለስና ንዙ ስምምዕ ንኩሉ ዓዲ ክነስምዕ፤ ድሕሪ ሐዚ ቆላን ደጉዓን ሕውነት እምበር ደምነት ከምዘይብልና ብስልጣንና ከምዝኣወጅና ኣፍለጥና፡፡

ደጉዐታይ ብዘይ ስኽፍታ ንቆላ ወሪዱ ኣርሆ ክገብር፤ ህዝቢ ዓፋር እውን ንደጉዓ ደይቡ ብሰላም ዕዳግኡ ክገብር ተሰማማዕና፡፡ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ወጀራትን ቆላ ዓፋርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ራያን ቆላ ዓፋርን ንዝነበረ ዝኸፍአ ደምነትን ምትሕርራድን ኣብ ሞንጎ እዘን ዓድታት ቂም ዝፈጠረ ብምንባሩ፤ ብቐፃሊ ካብ ክልቲኡ ወገን ሽማግለታት ሰይምና በሽምግልና፣ ብዕርቅን ካሕሳን ክንሪኦ ተሰማማዕና፡፡

ዉልድ ወለዶ ክፈልጦን ክዝክሮን ዝግባእ ታሪኽ ወለድኹም፤ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ናይ መወዳእታ ወራር ጋዝ ዝተገበረ 30 ሓምለ 1933 ዓ.ም ዉሑዳት ኣጉባዝ ወጀራት ዘካየዱዎ እዩ፡፡ ንሱ እውን ዓበይቲ ዓዲ ወጀራት መሪቖምዎ ዝተገበረ ኣይነበረን፡፡ ብድሕሪ እቱ ናይ 16 ታሕሳስ 1934 ዓ.ም ስምምዕ ዋዕላ ደልጌና፤ ኣብ ቆላ ኮነ ደጉዓ ትግራይ ጋዝ ኣይተገበረን፡፡ ወራር ጋዝ ብስምምዕና ተዓፅዩ ታሪኽ ኮይኑ ተረፈ፡፡

ብድሕሪኡ ቀዳማይ ወያነ ኣቀፃፂልና ክልቴና ህዝቢ ብሓባር ተቓሊስና ብሓባር እውን ተሰዊእና ተቐቢርና፡፡ ኣብ ካልኣይ ወያነ እውን ብተመሳሳሊ እንተይተፈላለና፤ እኳ ድኣስ ቀንዲ መዋፈሪ መሬት ዓፋር ኮይኑ ንደርጊ ሓምሺሽና፤ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተኸባቢሮም ብማዕርነት ብሓድነት ዝነብሩላ ሃገር ኣጣዪሽና፤ ናብ ምዕባለን ዕብየትን ኣሻጊርናያ ነይርና!

ገረብ-ዓረና-ወያነ-ትግራይ
1933 ክሳብ 1939 ዓ.ም
ካሳ ሃይለማርያም
GeAt-ab-Afar.jpg
ጋዓት ኣብ ዓፋር

TDF commanders (General Hintsa) with Afar community leaders
TDF commanders (General Hintsa) with Afar community leaders


Post Reply