ብበዝሒ ግፍዒ ፀላእትና ሓሪኑ ብፅንዓት ንዓወት ዝቋመት እምበር፤ ዝስኮን ትግራዋይ የለን!

Tigray related news and publications
Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ብበዝሒ ግፍዒ ፀላእትና ሓሪኑ ብፅንዓት ንዓወት ዝቋመት እምበር፤ ዝስኮን ትግራዋይ የለን!

Post by africangear »

Free-Tigray.jpg
ድሌትን ትልምን ፀላእትና፤ ንቱ እንኸፍሎ ዘለና መሪር ዋጋ ጥራሕ ክንጥምትን፤ ብስነኣእምሮ ስንኩላት ኮይንና ከም ህዝቢ ከሰኩኑናን እዩ፤ ኣብ ወፍሪ ፕሮፓጋንዳ ብዕቱብ ዝነጥፉን ንድምፅና ክዓፅዉ ዝፅዕሩ ዘለዉን:: ዕላማ እዙ ውፍሪ ፕሮፓጋንዳ ፀላኢ ድማ፤

* ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ምትዕርራይ ፕሮግራም ቃልስን ኣመራርሓን ኣሰላልፋ ሰራዊትን ተገይሩ፤ ኣብ ኣርባዕቲአን ግንባራት ትግራይ ዝተማዓራረዩ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፤ ብተኸታታሊ ዘመዝግቡዎ ዘለዉ መስተንክራዊ ዓወታት፤ ካብ ህዝብን ዓለምን ንምኽዋል፤

* ሱዳን መሬታ ክተኽብር ንዝተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም መራሕቲ መንግስቲ ተረዳዲኦም ክምክቱ ብዘይምኽኣሎም፤ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ባዕሉ እቱ መንግስትን ዝልዓሉ ዘለዉ ህፁፅ ምላሽ ዝጠልቡ ሕቶታት ዘዕረፈሎም ስምብራት ክድብሱ፤

* ኣብ ቤንሽንጉል ኦሮሚያን ካልኦት ክፍልታት እዛ ሃገር ብቐፃልነት ዝርአ ዘሎ ደም ምፍሳስ ክዓግቶ ዝኽእል፤ መንግስትን መሓውርን ዘይምህላዉን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ፈጢሩዎ ዘሎ ስግኣትን ፀቕጥን ክጥብር፤

* ክሳብ ሐዚ ብዛዕባ ምስኤርትራን ካልኦት ባዕዳውያንን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወራርን ግፍዕን ከምኡ እውን እቱ ኵናት እናተጓሃሃረ ንምዃኑ ዝሓሰዎ ኩሉ እናተቓልዐ፤ ሚድያታት ዓለም ኮነ መንግስትታትን ዓለምለኸን ኣህጉራውን ትካላትን ፀቕጢ ስለዝፈጠሩሉ፤ መራሕቶም ኣቃቢፀዮም እየ ኢሉ ዳግም ክሽፍጥ፤

* ኣብ ውሽጢ ብልፅግና ኮነ ኣዘዝቲ ምክልኻል ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ውሳነታት ዝተፈጠረ ነቓዕን ኣፈላላይን፤ ናብ ዝለዓለ ጫፍ ብምብፅሑ ከዘሓሕል፤

* መዕገቲ ዝተሰኣነሉ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላውን ድከትን እዛ ሃገር ናብ መወዳእታ ጫፍ ብምብፅሑ፤ ብዕጥቂ ዝተደገፈ ስርቅን ገበንን ንዛ ሃገር ሓሚሱዋ ብምህላዉ፤ ንዙ ብፅልኣት ህዝቢ ትግራይ ዝሰኸረ ኣህዛብ ብንጣር ሰበር ወረ ፍትዋት መራሕትና ወሲኹ ከስክሮን ከደንዝዞን፤

* እቱ ከም ቆፅሊ ዝረግፍ ዘሎ ሰራዊት ፀላኢ እዙ ኵናት ማዕልትታት ብዘቑፀረ ብርኪ ሞራሉ እናደቐቐ ፈረኽረኽ ይብል ስለዘሎ፤ ብሰበር ወረ ክፅግነሉ፤

* ብሓፈሻ እዛ ከዳዕ ሃገር ናብ ዘይትፅግነሉን ከም ሃገር ክትቕፅል ናብ ዘይትኽእለሉን ዓዘቕቲ ተንከራርው ስለዘላ፤ ኣብ ውሽጥና ብዘለዉ ባንዳታት እናተሓገዘ ንዝረኸቦ ግዜያዊ ዓወት እናሸራረፈ፤ ንክቡር መስዋእቲ ፍቱዋት ብፆትናን መራሕትናን ሰበር እናበለ እናቕረበ፤ ንዙ ከም ግመል ተጎታቲ ዝኾነ ኣህዛብ እናስከረ ማዕልታዊ ስልጣኑ ከናውሕ ስለዝሓስብ እዩ!

* ልዕሊ ኩሉ ግና ንሞራል ተጋሩ ከምህዝቢ ክሰብርን ከንምብርክኽን ካብ ዘለዎ ሕልሚ ዝብገስ እዩ!

ስለዙይ ከም ኣያታትና ፀኒዕና ኣብ ኩሉ ዓቕምና ዝፈቐዶ እናነጠፍና፤ ንሓርነት ህዝብናን ዓድናን ኩሉ ዝኸኣልናዮ ዋጋ ንኽፈል! መሪር ግፍዒ ፀላእትና ከሐርነናን ፀኒዕና ዓወትና ክንቋመትን እዩ ዝገብረና! ሃገረ ትግራይ ትስዕር!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply