ካብ መንግስቲ ትግራይ አብ ህልው ኩነታት ተደሪኹ ዝወጸ ወድዓዊ መግለጺ

Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ካብ መንግስቲ ትግራይ አብ ህልው ኩነታት ተደሪኹ ዝወጸ ወድዓዊ መግለጺ

Post by africangear »

ህዝቢ ትግራይ ንዘለአለም ተሰኲኑ ክነብር፣ መሪሕ አልቦ ክኸውን፣ ክብተንን እንተኺኢሎም ድማ ሃለዋቱ ከጥፍኡን ተሊሞም ጉጅለ አብይን ኢሰያስን ናይ ውሽን ናይ ደገን ሓይልታት ብምጽፍጻፍ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንምግላጹ ዝኸብድ መስካሕክሒ ግፍዒ ምፍጻም ካብ ዝጅምሩ 73ን መዓልትታት ተቖጺሩሎ። ደመኛታት ህዝቢ ትግራይ አፍቲ ፈለማ አሚተሙዎ ዝነበሩ ተጋሩን ትግራይን ካብ ገጸ-ምድሪ ናይ ምጥፋእ ውዲት ብንጉሁኡ ዝተረድአ ህዝብና መሪሕ ውድቡ ሒዙ ጸረውረው ስጋብ ዝብሎም ደሲቑዎም እዩ። ዛጊድ ብአማኢት አሽሓት ዝቑጸር ዕሱብ ሰራዊት ብልጽግናን ወራሪ ሓይሊ ኤርትራን መሬት ትግራይ ረመጽ ኮይኑ በሊዑዎም አሎ። ነፈርቶምን ከበድቲ ናውቶምን እውን ናብ ሓመድ ተቐይረን እየን።

ብአርባዕቲኡ ግንባራትን አብ ኩሉ ከባብታት ትግራይን ብዘጋጠሞ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ዓቕሉ ዝጸበቦ ጸላኢ ዓምጾ ዓምጾ ንማዕጾ ህጻናት፣ ደቂ ተንስትዮ፣ አረጋውያንን መናእሰይን አብዘይወዓሉዎ ክርሽንን ከበሳብስን ይውዕል አሎ። አብ ቅድሚቶም በርቃዊ መጥቃዕትታት እናውረዱ ዝህጅሙዎ ዘለዉ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክብል ዘይከአለ ክነሱ፣ ብምኽንያት ዕድመን ጥዕናን ናብ ቅድመ ግንባር ክኸዱ ዘይከአሉን አብ ደጀን ዝነበሩን ገዳይም ተጋደልትን አመራርሓ ህዝቢ ትግራይን ማሪኸ፣ ቀቲለ እናበለ ሰብ የጽምም አሎ።

አብዚ ሰሙንዚ ነባራት ተጋደልትን አመራርሓን ዝኾኑ ብጻይ ስዩም መስፍን፣ ብጻይ አባይ ጸሃየ፣ ብጻይ አስመላሽ ወልደስላሴን ብኢድ ጸላኢ ተቐቲሎም አለዉ። ናይዞም ብሉጻት ነባራት መራሕትና መስዋእቲ አካል ምጽናትን ምብራስን ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ዝበለጸ ክንሕርን፣ ቃልስናውን ናብ ዝለዓለ ብራኸ ሓፍ ክነብሎ ዘለዓዕል እዩ። አብ ልዕሊ ገዳይም ጀጋኑና ዝተፈጸመ ቅትለት ክልተ መልክዕ ዘለዎ ምዃኑ ህዝብና ይርድኦ እዩ። በቲ ሓደ ገጽ ጸላኢ አብ ቅድመ ግንባር ዘጋጥሞ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ክሳራታት ንምሽፋንን አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ስነ-ልቦና ጸቕጢ ንምፍጣርን እንትኾን፣ በቲ ካልእ ገጽ ድማ መራሒ ሻዕቢያ አብ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ሕጽቦ ክካየድ አለዎ ብዝበሎ መሰረት አብ ቀርኒ አፍሪካ ጭቡጥ ለውጢ ዘምጸአ አተሓሳስባ ዝወነኑ፣ አብ ልዕሊ ሻዕቢያ’ውን ዘየናሕሲ በትሪ ዘውረዱ ነባር መሪሕቲ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንምጥፋእ እዩ። ጸላእትና ዘይተረድኡዎ ግን ውልቀ ሰባት ብምቕታል ኣተሓሳስባን ስነ-ልቡናን ትግራዋይ ክቐትሉ ዘይኽእሉ ምዃኖም እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብቲ ሓዱሽ መንእሰይ ወለዶ ካብ ዝሰጋገር ጸኒሑ እዩ። ቅያን ውፉይነትን አያታቱ ዝሰነቐ መንእሰይ ትግራይ ቃል አያታቱ ከየዕበረ እግሪ እግሪ ጸላኢ እናሰዓበ መስደመም ቅያ ዝሰርሕ ዘሎውን ነዙይ እዩ።

ጀጋኑ ነባራት መራሕትና ንዕስለ ወረርቲ አይንንብርኸኽን ኢሎም አብ ቅድሚ ጸላእቶምን አብ ቅድሚ ሞትን ደው ኢሎም ንሞት ስዒሮም ቃል ብጾቶምን ንህዝቢ ትግራይ ዝአተውዎ ቃልን አኽቢሮም ብኽብሪ ተሰዊኦም አለዉ። ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣ ገዳይም መራሕትኻ ንታ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ክልተ ጊዜ አትሒዞም ጽንዓቶም አርእዮምኻ እዮም። እቶም ደቕኻ ነቲ ዝአተዉልካ ቃል አየዕበሩን እሞ ሐበን ይሰማዕኻ። ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ፣ አያታትካ ምስ ኩሉ እርጋኖምን ሕማሞምን ነቲ ንትግራይ ክጎብጥ ዝመጸ ጸላኢ ወጊድ ኢሎም ብኽብሪ ሓሊፎም አለዉ። እዚ መርአያ መስተንክራዊ ጽንዓት ዝኾነ ቅያ አያታትካ ሰኒቕካ ንቐተልቲ አያታትካን ህዝብኻን ከምኡውን ነቲ ዓድኻ ዘብርስ ዘሎ ዕሱብን ወራርን ሓይሊ ጸላኢ ናብ ዝአተዎ አቲኻ ሕነ ከምትፈድን ሎምውን ትግራይ መቕበሪት እምበር መዐንደሪት ወረርቲ ከምዘይትገብራን አይንጠራጠርን።

አቱም በብኸባብኡ ምስ ወራሪ ሓይሊ ክሳድ ሒዝኩም ትኳሽሑ ዘለኹም አባላት ሚሊሻን ወየንትን በቲ ካብ እምኒ ዓረ ዝሕይል ጽንዓትኩም ዝተሓበነ ብአሽሓት ዝቑጸር መንእሰይ ትግራይ ናብቲ ቃልሲ ይጽንበር አሎ። ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ምስ ወየንትን ሚሊሻታትን ተዋዲዱ ነቲ ሓዱሽ ናብ ቃልሲ ዝጽንበር ዘሎ መንእሰይ ሓዊሱ ዕድመ ወረርትና ንምሕጻር ቀሪብና አለና። ጸላኢ ከምብሓዱሽ ዝጀመሮ ብአጋር ዝተሰነየ ዘመተ ዳህሳስ ጸሓይ ትዓርቦ ከምዘላ ዘመልክት እዩ። ስለዝኾነ ንቱ ዘይተርፍ ዓወትና ከምቲ ልሙድ ጸላኢ መእተውን መውጽእን ብምስአን ብቱ ልሙድ ጅግንነትኩም ክትድኩዑዎ ጻዊዕትና ነቕርብ። መስዋእቲ እዞም በብግምባሩ ዝወድቁ ዘለዉ ጀጋኑ ውሕስቲ ትግራይ ንምፍጣር ጽኑዕ መሰረት ዘንጽፍ ምዃኑ ተረዲእና፣ መስመርና ዓቲርና ንወሳናይ ዓወት ንመርሽ!

ዘልአለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ክንዕወት ኢና!
መንግስቲ ትግራይ
7 ጥሪ 2013


Post Reply