ግፍዒ ባንዳ ኣብርሃም በላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ

Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ግፍዒ ባንዳ ኣብርሃም በላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ

Post by africangear »

Banda-Abraham-Belay.jpg
ባንዳ ኣብርሃም በላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣኼባ ክእክብ ምኻዱ ዝዝከር እዩ። ዓዲ ግራት ድማ ብሰራዊት ሻዕቢያ ተወሪራ ጥርሓ እያ ተሪፋ። ኣብርሃም በላይ እዙይ ሪኡ ከምዘይረኣየ ንህዝቢ ዓዲ ግራት ስርሑ ክጅምር ከቢድ ትእዛዝ የውርድ። ብድሕሪኡ ድማ ንበዓልቲ ዋና "ገዛ ገርላሰ" እውን "ስራሕኺ ጀምሪ።" ይብላ።

ንሳ ድማ "ንዓ በል እቲ ገዛይ ረኣዮ ኢላ ናብ ገዛ ገርላሰ ትወስዶ። ገዛ ገርላሰ ድማ ዓንዩ ፣ ተሰሪቑን ወዲሙን እዩ።

ካብኡ "ስራሕ ጀምሩ ትብለና ዘለኻ ኣበይ ኮይንና ኢና ንጅምር? እዙይ ትርእዮ ዘለኻ ተሰሪቁ ጥርሑ እዩ ቀርዩ ዘሎ።" ትብሎ።

ንሱ ድማ ቅብል ኣቢሉ "መን እዩ ሰሪቁዎ?" ይብላ።

ንሳ ድማ " ሻዕቢያ እዮም።" ትብሎ።

ንሱ ድማ "ሓሻዊት: ብዓይንኺ ርኢኺ?" ይብላ።

ንሳ ድማ "እወ ርእየ፤ ሻዕቢያ።" ትብሎ።

"እንኳዕሰይ በሊ።" ኢሉዋ።

ብድሕሪኡ ብነገራት ደንጽዩዋ። ንሱ ድማ "በሊ ካልእ ወግዒ ኣይተምፅኢ: ዓሪፍኺ ስራሕኺ ጀምሪ።" ይብላ።

ንሳ ድማ " እሞ ሃመይ ኢለ እየ ክጅምር?" ትብሎ።

"ባዓልኺ ፍለጢ፤ ዋላ ሸራ ወጢርኺ ስራሕ ጀምሪ፤ ኩሉ ከምኡ ኢሉ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።" ብምባል ግፍዒ ብዝተመልኦ መልክዑ ነጊሩዋ ከይዱ እዩ።
----------
እዚኦም እዮም ንትግራይ ከመርሑዋ ዝበሃል ዘሎ። ግን ኣብ ሞታ እምበር ትግራይ ብህይወታ ኣይኸውንን። እዚኦም ትግራዋይነት ዝበሃል መንፈስ ዘይብሎም ጨካናትን ደናቑርን ንህዝቢ ትግራይ ኣይውክሉዎን - ኣይመስሉዎን።

ክወግሕ እዩ!


Post Reply