ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ብዝጀመሮ መጥቃዕቲ ዋና ከተማ ጋይንት ንፋስ መዉጫ ከምዝተቖፃፀረ ወታሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ ኣፍሊጡ
-
- Posts: 404
- Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm
ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ብዝጀመሮ መጥቃዕቲ ዋና ከተማ ጋይንት ንፋስ መዉጫ ከምዝተቖፃፀረ ወታሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ ኣፍሊጡ
ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ብዝጀመሮ መጥቃዕቲ፤ ዋና ከተማ ጋይንት ንፋስ መዉጫ ከምዝተቖፃፀረ ወታሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡
መቐለ ነሓሰ 07-2013ዓ/ም (ቴሌቭዥን ትግራይ) ጅግና ሰራዊትና ብወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ትማሊ 6 /12/ 2013 ዓ/ም ብዝወሰዶ ደብረ ዘቢጥ ዝበሃል ቁልፊ ወታሃደራዊ ቦታ ተቖፃፂሩ ኣሎ፡፡
ኣብዚ ከባቢ ናይ ሞትን ሕየትን ምክልኻል ክገብር ዝፈተነ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ፤ ብሓየት ሰራዊት ትግራይ ክሳብ ሐዚ በትሪ ዘይጠዓመ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ፀኒሑ ናብዚ ዝመፀ፤ ናይ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት፣ ኣባላት ክልተ ኮማንዶ በጦሎኒን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብብዙሕ መድፍዕን ተኹስን ተደጊፉ ኣለዋኒ ዝብለን ነፈርቲ ውግእ ኣሰሊፉ ነይሩ፡፡
ሰራዊትና ንምዕጋት ዝከኣሎ ኩሉ ዋላ እኳ እንተገበረ፤ ካብ በትሪ ሰራዊትና ክድሕን ኣይከኣለን፡፡ ከምቶም ኣሕዋቱ፤ ክፋላት ሰራዊት መበል 22 እውን መዐገሲ ረኺቡ ኣሎ፡፡
ፀላኢ ነዚ ብጅግና ሰራዊትና ዝተትሓዘ ቁልፊ መሬት ደጊሙ ንምሓዝ ክልተ መዓልቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ፤ ሓየት ሰራዊትና ዕለት 5/12/2013 ዓ/ም ኣጋ ምሸት ብዝወሰዶ በርቃዊ መጥቃዕቲ፤ ፀላኢ ካብ መንገዲ ንየማን ዝርከብ ገደላትን ኣፃድፍን ክበታተን ገይሩዎ እዩ፡፡
እዚ ፎቆዶ ዝተበተነ ሓይሊ ፀላኢ ደጊሙ ከይተወደበ ካብ ደብረ ዘቢጥ ቀፂሉ ዘሎ ጨጨሆ ዝበሃል ቁልፊ መሓልኽ ቦታ ብዕለት 6/12/2013 ዓ/ም ወጋሕታ ብቐሊሉ ተቖፃፅርዎ ኣሎ፡፡
ጅግና ሰራዊትና ንፀላኢ ዕድል ከይሃበ ብዝወሰዶ ቕልጡፍ መጥቃዕቲ፤ ሃንደበት ዝኾኖ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ውሽጢ ከተማ፣ ቤተ ክርስትያን፣ መስግድን ቤት ትምህርትን ተሸጉጡ ክከላኸል ዋላ እኳ እንተፈተነ፤ ብሓየት ሰራዊትና ገሊኡ ተደሚሲሱ ገሊኡ ድማ ክብተን ብምግባር፤ ዋና ከተማ ጋይንት ንዝኾነት ንፋስ ማውጫ ተቆፃፅሩ ኣሎ፡፡
ኣብዚ ካብ ዕለት 4 ክሳብ 6 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ዝተኻየደ ውግእ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ምውታት ልዕሊ 1500 ድማ ቁሱላት ኮይኖም ኣለዉ፡፡
ኣብዚ ወፍሪ ብርክት ዘበለ ማእኸላይን ፎከስትን ኣፅዋራት ድማ ንብረት ሰራዊትና ኮይኖም ኣለው፡፡
ኣብዚ ወፍሪ ህዝቢ ኣምሓራ ብሓፈሻ ህዝቢ ጋይንት ድማ ብፍላይ፤ ነቲ ቅድሚ 31 ዓመት ኣንፃር ደርጊ ኣብ ዝተኻየደ ወሳኒ ውግእ ጉናን ደብረ ታቦርን ፅኑዕ ደጀን ኮይኑ ታሪኽ ዝሰርሐ፤ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ተግባር ይፍፅም ኣሎ፡፡
ስለ ዝኾነ ህዝቢ ጋይንት ንሰራዊትና ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ፤ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዘለዎ ልዑል ክብርን ምስጋናን ይገልፅ!
ወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ዝተሰየመ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፤ ሐዚ እውን ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ፤ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ገሊፁ ኣሎ!