ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ከምዝሓበሮ፤ ኤርትራ ሰራዊታ ብቕልጡፍ ካብ ትግራይ ንኽተውፅእ መንግስቲ ኣሜሪካ ብቀጥታ ኣፍሊጡዋ ኣሎ!
"ብሰራዊት ኤርትራን ካልኦት ተሓባበርቲ ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተፈፀሙ፤ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተዓማኒ ሪፖርት ከምዘለናን፤ ኣዐርዩ ከምዘተሓሳሰበናን፤ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጥና ኢና" ይብል መግለፂ ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ::
ወሲኹ እውን፤ "ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ፣ ስርቂ፣ ምዕማፅ ደቂኣንስትዮ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን፤ ኣብ ልዕሊ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝተካየደ መጥቃዕትን ኣመልኪቱ፤ ብዘይሻራዊ ኣካል ግልፂ ዝኾነ ምርመራ ንኽግበርን ፈፀምቲ ኣካላት ንክሕተቱን፤ ክንፅውዕ ኢና" ኢሉ ኣሎ::
ኤርትራ ሰራዊታ ብቕልጡፍ ካብ ትግራይ ንኽተውፅእ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓቲቱ
-
africangear
- Posts: 404
- Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm