ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን፤ ሞትን ብርሰትን ናይ መጀመሪያን ሓዱሽን ኣይኮነን!

Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን፤ ሞትን ብርሰትን ናይ መጀመሪያን ሓዱሽን ኣይኮነን!

Post by africangear »

ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን፤ ሞትን ብርሰትን ናይ መጀመሪያን ሓዱሽን ኣይኮነን! ግን ናይ መወዳእታ ክኸውን ኣለዎ! ናይ ሎማዕልቲ ውዕሎ ኩለን ግንባራት ሓይልታት ትግራይ እውን ንዙይ ዘረጋግፅ እዩ!
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ሸዋውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዱዎ ናይ ዘበናት ግፍዕን መከራን፤ ሞትን ብርሰትን ማእለያ የብሉን፡፡ እዙ ናይ ሐዚ ወለዶ ሎሚ ኣብ ባዕሉን ስድርኡን፤ ከም ህዝቢ ክፅንት ዝግበር ዘሎ ወራርን ጃምላዊ ጨፍጫፍን ስለዝተዓዘበ እምበር፤ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘበን ተመሳሳሊ ምፅናት ዘርእን ብርሰትን ኣውሪዶምልና እዮም ከምሃገር ቀፂሎም! ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት ፍሉጣት መራሕቲ ትግራይ ብመቑሕ ናብ ሽዋ ተሓይሮም መብዛሕቲኦም ኣብኡ እዮም ተሪፎም፡፡ ንዙይ እውን ነይሩ ቅድሚ 70 ዓመታት ወለድና፤

“…ሽዋ ሽዋ ኣንቲ ዓባይ ቀላይ፣
ውሒጥክዮም መኳንንቲ ትግራይ!..” እንትበሉ ዝቖዘሙ፡፡

ወለድና ግና ልቢ ኣዕብዮምዶ ክንብሎም፤ ብዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ተዓሽዮም፡፡ ብ1983 ንዞም ኣህዛብ ምስሰዓርናዮም ምስኣምበርከኽናዮም እኳ፤ ኩሉ ዝሓለፈ ይቕረ ኢሎም፤ ምስኦም ከምሃገር ክንቕፅል ገይሮም፤ ናብዙ ሓዚ ኣቲናዮ ዘለና ፈተናን ጥፍኣትን ኣውዲቖምና፡፡

እዙ ናይ ሐዚ ወለዶ ግና፤ በዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ዝዕሸወሉ ኮነ ዝግርሀሉ ኩሉ ማዕፆታት ተዓፅዩ ኣሎ፡፡ ድሕሪ ደጊም ብናይ እማን ትግራዋይ እየ ዝብል ወዲሰብ፤ ካብ ሃገረ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ወፃኢ ዝሪአሉ፤ ሕልና ክህልዎ ኣይኽእልን! እንተልዩ ድማ ትግራዋይ ኣይኮነን፡፡ እተን መማረፂ ክልተን ክልተን ጥራሕ እየን፤ ትግራዋይ ወይ ዘይትግራዋይ! ኣብ ማእኸል ሰንፈላል ዝብል ክህሉ የብሉን!

ንሕና ተጋሩ ምርጫና ሃገረ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ጥራሕን ጥራሕን እዩ! ድሕሪ ደጊም ፃዕዳን ፀሊምን ኢልና ኣንፈት ቃልስና ካብ ምንፃርን ብፅንዓት ካብ ምቅላስን ወፃኢ፤ ተሰኪፍና እነድሕኖ ኮነ እነትርፎ ረብሓ የለን፤ እንትርፊ መሊኦም ከምህዝቢ ከፀንትውናን ከምዓዲ ከጥፍኡናን፡፡

ንሕና ሰብ ዱሕሮ ምዃና የመና ጎዲኡና፤ ክንዲ ድሌቶም እውን ግፍዕን መከራን ኣብ ልዕሌና ንከብፅሑ ዕድል ሂብናዮም፡፡ ሕዱር በደል ሸዋውያን ኣመልኪተ ኣብ ቀፃሊ ተኸታታሊ ፅሑፋት ከቕርብ እየ እሞ ነንብቦ፡፡ ቅድሚ 73 ዓመታት ሸዋውያን ኣብ ልዕሊ ወለድና ካብ ዘውረዱዎ ግፍዒ ቁንጣር እዩ፡፡ ሎሚኸ ሸዋውያን ደቆም ኣብ ልዕሊ መራሕትና ዝተፈለየዶ ወይ ዝገደደ ገይሮም!

እሞማ ቅድሚ 30፣ 70ን 100ን ዓመታት ሸዋውያን ወለዶም ዝገበሩዎ፤ ሎሚ ደቆም ብዝገደደ ይትግብሩዎ እንተልዮም፤ ድሕሪ ክንዲ ድላዩ ዓመታት ንቅድሚት እውን፤ ሸዋውያን ሰሮም ጥብኖም ክፍኣቶም ኣይሓድጉዎን፡፡ ክንዲ ድላዩ ግዘ እንተወሰደ እውን፤ መፈጠሮም ሓደን ሓደን ግበረ እኩያን እዮም! ሰይጣንዶ መልዓክ ክኸውን!

ከም ህዝቢ ሓድነትና ኣስጢምና ወጊድ ክንበሎምን ካብኦም ክንናገፍን ኣለና! እዙይ እንተገይርና ጥራሕ እዩ፤ እቱ ወለድና ክንደይ ወለዶ ኣሕሊፎምዎስ ንሕና እውን ነሕልፎ ዘለና ግፍዒ መከራ ብርስት፤ ደቂ ደቅና ንኸየጋጥሞም ውሕስነት ዝህልዎም! ንደቂ ደቅና እውን ምስ እዞም ኣራዊት ክንገድፎም የብልናን! ንሕናን ወለድናን ዘሕለፍናዮ ይኣክል! ክብርን ሞገስን ንስውኣትና! ቃልስና መሪርን ሓፂርን እዩ፤ ዓወትና ድማን ናይ ግድን እዩ! ሃገረ ትግራይ ትስዕር!

#ካሳ_ሃይለማርያም


Post Reply