ጎሮን ህዝበ ጎሮና!

Post Reply
africangear
Posts: 404
Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm

ጎሮን ህዝበ ጎሮና!

Post by africangear »

alitena-yrop.jpg
"ጎሮን ህዝበ ጎሮና!

ካብ'ቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ወየንቲ ኢሮብ ሓደ ሰብ ረኺበ ነይረ።ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልቲ ኣቢሉ ይኸውን( መዓልቱ ንምግላጽ ኣይደለኹን) ብዙሕ ኣውጊዕና... ህዝብና ብጥሜት ይሃልቕ'ሎ በጃኹም " ጎሮን" ግበሩ! እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፉ ትወድቕ ነይራ። ጎሮን" ማለት ብቋንቋ ሳሆ ናይ ሓገዝ ምሕጸና ኢዩ። በቲ ባህሊ ዓዲ ጎሮን" ዝብል ድምፂ ሰብ ሰሚዑ ረጊጹ ዝሓልፍ ዋላ ሓደ የልቦን! ናይ ግድን ኢኻ ትበጽሐሉ። ንሱ’ውን ከምኡ ሓሲቡ ይመስለኒ" ብተደጋጋሚ "ጎሮን ህዝበ ጎሮና! እናበለ ሓውሲ ሕርቃንን ንብዓትን ዝተሓወሶ ብዝመስል ትሑት ድምፂ ምሕጽንታኡ ዘቕረበ።ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኢዩ ዘሎ ህዝብና! ትሰምዕ 'ዶ ኣለኻ? ዝኸኣለኩምዎ ዝበለ ኩሉ ፈትኑ! ህዝብኹም ኣድሕኑ! ይብል ንሱ" ኣነ ነቲ ድኹም ዓቕመይ እናፈልጥኩ ንፈጣሪ ኣሚነ" ስቕ ኢለ ሕራይ ጥራሕ እብል... ካልእ ዝብሎ መልሲ ኣይነበረንን።

ኩናት ብወግዒ ካብ ዝተኣወጀ ሰዓት ጀሚሩ ባዕዳዊ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን መቕተልትን ይፍጽም ኣሎ። ምናልባት እውን ኣብ ታሪኽ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ካብ ሰብነት ዝወረደ ጭካነ ዘለዎ ኣረመናዊ ሰራዊት፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ዕላማ ሒዙ ዝተዝንቀሳቐስ ጸላኢ ኣይገጠመናን። ህጻውንቲ ቆልዑ ኣኪቡ ኣብ ቅድሚ ወለዶም ዝርሽን፣ ኣዴታት ኣብ ቅድሚ ደቀንን ሰብኡተንን ዝደፍሩን ዝቐትሉን ስጋ ሰብ ለቢሶም ደም ሰብ ዝሰትዩ ሸይጣውንቲ ኢዮም ገጢሞምና ዘለዉ ክብል ኣሕጺሩ ገልጹዎም።

ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ናብ ኢሮብ ኣይኣተወን። ተኸልኪሉ ኢዩ። ህዝብና ብጥሜት ይሃልቕ'ሎ "ጎሮን" እናበለ ብተደጋጋሚ ይምሕጸን።"

ሕክምናዊ ኣገልግሎት እውን ሙሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ኢዩ። የለን። ሰራዊት ኤርትራ ዝወስድ ወሲዱ ዝተረፈ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ገይሩዎ'ዩ። በተለይ ንኣዴታትን ህጻናትን ዓብዪ ሓደጋ ኮይኑና ኣሎ። ኣብ ሕርሲ ህይወተን ዝሰኣና ኣዴታት እውን ኣለዋ እየን። ብዘለኒ ሓበሬታ ክሳብ ሐዚ ሰኣን ሕክምናዊ አገልግሎት 6ተ ኣዴታት ሂወተን ስኢነን ኣለዋ። ብጥሜት እውን 5ተ ስድራ ሂወት ደቆም ስእኖም ኣለዉ።

እቲ ኣውራ ልዕሊ ኩሉ ጸገም ኮይኑና ዘሎ ግና ሕጽረት ምግቢ ኢዩ። ምግቢ ዝበሃል ዳርጋ የለን ምባል ይቐልል። ቐልብ ወዲእና ኢና፣ ምስ ዑኽቲ እኽሊ ኢና ተሪፍና ዘለና። ኣብዘን ሒዲት መዓልታት ዝኾነ ሓገዝ ተዘይተረኺቡ ህዝብና ምህላቑ ኢዩ:

ስቓይ ህዝብና ንዓለም ኣቃልሕዎ ክብል መላሊሱ ብሽም ውጹዕ ህዝቡ ይምሕጸን" ነይሩ። ክሳብ ሐዚ ናይ ምሕጽታ ቃላቱ ኣብ ርእሰይ ይመላለሰኒ'ሎ ስቓይ ህዝብና ንክትሰምዖ’ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ)። ናብ ኢሮብ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ንከይሓልፍ ሰራዊት ኤርትራ ኸላ ተኺሉ ፣ብኹሉ ሸነኽ መሕለፊ መንገዲ ዓጺዩ ኢዩ። (ተፍትሽ እዩ ዘሎ። መሬት ኢሮብ ናብ ኤርትራ ተኸሊሉ ኢዩ፣ ደጊም ሃገርኩም ኤርትራ መንግስትኹም 'ውን ሻዓቢያ ምኳኑ ኣሚንኩም ተቐበሉ ዝብሉ ግፍዓዊ ቃላት ካብ ኣፍ ሰራዊት ኤርትራ ምስማዕ እውን ዝተለምደ ኾይኑ እዩ ንሕብረተሰብና። ምግቢ ካብ ሰንዓፈ(ኤርትራ) ኸተማ ምግዛእ ትክእሉ ኢኩም እንታይ ናብ ዓዲግራት ዝኸይድ ኣለኩም? ዝብሉ ሰበስልጣናት ሻዓቢያ እውን ውሑዳት ኣይክኾኑን ይብል።

ኣብ ዓወደ ኵናት ብዝመጸ ኣብ ዝተደላደለ ቑመና ንርከብ።

እቲ መንእሰይ ግና ሓሪኑ እዩ ሞት ንዒቑ ገቢሉ ኣብ ኣኽራን ዓዱ ምስ ዝዓጠቐ ሰራዊት ጸላኢ ኢድ ብኢድ ሓዚ ክሕዝ ገጢሙ ይተሓናነቕ 'ሎ! ንጸላኢ ኣይተንበርከኸን! ይብል።

በተለይ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ትሕቲ እግሪ ጎቦ ገዳም መሰቀለ ክርስቶስ ማዕብኖ (ዳፊላ) ዝተበሃለ ቦታ ዝተፈጸመ ገድሊ ንታሪኽ ዘይርሳዕ ኢዩ። ጸላኢ ይመጽእ ምህላዉ ኣቐዲምና ንፈልጥ ስለዝነበርና ክሳድ ሕዝና ተጸቢናዮ... ቀልባሕባሕ እናበለ ሰተት ኢሉ ናብቲ ድምፂ ኣልባ መጻወድያ ዝኮነት ሩባ ኣትዩ! ብምሉኡ ድማ ኣብኡ ተሓምሽሹ ።ደም ጸላእቲ ብሩባሩባ ከም ውሕጅ ፈሲሱ። ካብ ዝነግረካ ንላዕሊ ኩሎም ኣኽራናት ፣ ሩባታት ኣጻድፍ እውን! ምሳና ወጊኖም ኢዮም ተቓሊሶም። ሓደ ካብኣቶም ቕዱስ ቤተክርስቲያን መስቀለ ክርስቶስ ዝርከበላ ጎቦ ማዕብኖ እያ እናበለ ንኣኽራን ዓዱ ንምስጋና ይቅርብ።

ሰራዊት ጸላኢ ኹሉ ጊዜ ኣብ ዝተወቕዐ ቑጽሪ ንጹሃን ሰባት ናብ ንምቕታል ኢዩ ዝኣቱ። ኣብቲ ዝብለካ ዘለኹ ቦታ እውን ብጽባሕቱ ንብዙሓት ንጽሃት ሰባት ብጥይት ረሺኑ።

ካብኣቶም ኣነ ዝፈልጦ ይብል:

1 ኣቦና ኣብራሃ ገብራይ
2 ኣቦና ኣብራሃ ሓጎስ
3 ተሰፍይ ሓጎስ
4 ፉሱሕ ወ/ሓንስ
5 ሓጎስ ኣለማ
6 ሽም ደቆም ኣይፈለጥኩን ቡሩ ገብሩ ንዝተበሃሉ ኣቦ ሓደ ወዲ ጓሎምን ወደሞን ዝርከቡዎም ሰባት ብግፍዒ ተቐቲሎም

ብዓንፆ ዓንፆ ልደት መዓልቲ' ውን ኣብ ጣብያ ዓሊቴናን ኢንጋልን ዕሸላት ህጻናት ዝርከቡዎም ንጹሃት ሰባት ብኣረመናዊ ሰራዊት ኤርትራ ብግፍዒ ተረሺኖም ይብል።
ኣብ መወዳእታ እናሰሓቐ!

ንሱ" መራሒኻ ሰላም ኢሉካ
ኣነ" መን? መን? ደጺ ጌቾ?
ንሱ" መን ድዩ መራሒኻ? ንመሓሪ እየ ይብለኒ። ንማሓሪ ዮሃንስ ምኳኑ ብቐደሙ ኣይሰሓትክዎ ኔረ ፈሊጠ እምበር።
ትግራይ ጅጋኑ ወሊዳ! ኣብ ግንባር ምዕራብን ደቡብን ተራኪብና ነይርና ምሳኡ። ፕሮፌሰር የለ ዶክተር ኩሉ
ብማዕረ ይኳሸሑ 'ለዉ ጀጋኑና እናበለኒ....ተፈላሊና!

(ካብ ቛንቋ ሳሆ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመ)
ቃልሲና መሪርን ሓፂርን ኢዩ!


Post Reply