ተጋደልቲ ህወሓት ልዕሊ ማንም ሓማዪ ፣ ልዕሊ ማንም ዓዲ ውዒል ሓማሲ ፣ ልዕሊ እቲ ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ . . . ብብሕታውነት ዝወነኑዎ ሃፍቲ ትግራይ ኣሎ። ዝወነኑዎ ሃፍቲ እንትበሃል ዘሎን ዘየሎን ኣኻኺቡ ዘይናቶም ሂቡ ብግዲ ለያቡ ኽገብር ዝደሊ ከም ዘሎ እፈልጥ እየ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን። እቲ ብብሕታውነት ዝሓዙዎ ሃፍቲ ትግራይ ስረ ትግራይ እዩ - ጅግንነት ትግራይ እዩ። ፅንዓት ክሳብ ሞት!. . . ትግራዋይነት ብግብሪ!
ከመይ ጌርካ ልዕሊ እዚኦም ትግራዋይ ክትከውን ትደሊ
ጀጋኑ ተጋደልትን መራሕትን ህወሓት ግና ሞት ኣይፈርሑን - እኳ ደኣስ ገጢሞም ስዒሮሞ - መስዋእቲ ግድን እንትኸውን ብፀጋ ተቐቢሎሞ! . . . መን ኢኻ ኣብ ቅድሚ እዚኦም ብፁእ ክትከውን እትፍትን ተመሳሲሉ ሓዳሪ
ጀጋኑና ኣይኮነን ዶ ኣዲስ ኣበባ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ናይ ምንባር ዕድል ነይሩዎም። ግን ድማ ትግራይ ንበላዒ ሂቦም ክኸዱ ኣይመረፁን - ሕድሪ ብፆቶም ክጠልሞ ኣይደለዩን - ንህዝቢ ትግራይ ከሕፍሩዎ ኣይደለዩን። ስለ ዝኾነ ድማ ካብ 70ታት ንላዕሊ ኣብ ዝኾነ ዕድሚኦም ክብሪ ትግራይ ንዝደፈረ ፀላኢ ብትብዓት ኽኳሽሑ በረኻ ሰፊሮም። . . . ክብርን ሞገስን ንዐኦም!
ንሶም ዘንፀፉሉ መሰል ዲሞክራሲ ተጠቒሙ ቀትርን ለይትን ዝወቕሶም ቡዙሕ ነይሩ። ዝፀርፎም ዝነበረ ፀርፊ ማእለያ ኣይነበሮን። ደሓር ግን ተዓዛዚብና። ትግራይ ኣብ ኢድ መን ወዲቓ ክትዋረድ ይድለ ከም ዝነበረ እውን ተዓዚብና። ፀፍ ጭልጥ ኢሉ እንተተዛረበ ስረ ዘለዎ ዝመስለና እውን ብግቡእ ክንፈልጦ እቲ ኩነታት ዕድል ሂቡና።
ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣን ክወርስ ዝህንደድ ዝነበረ ሓይሊ ኲናት ምስተወለዐ መቐለ ተሓቢኡ ኣፅቂጡ። ትግራይ እናተወረረት ሪኡ ከም ዘይረአየ ኮይኑ። ደሓር ድማ ንኣዲስ ኣበባ ሃዲሙ። ኣዲስ ኣበባ ከይዱ እውን ነቲ ቃልሲ ምድጋፍ ተሳኢኑዎ። ምኽንያቱ ድማ ከይእሰር ፈሪሑ። ተጋደልቲ ህወሓት ግን ኣይኮነን እስር ቤት ሞት እውን ኣይፈርሑን። . . . ድምፂ ህዝቢ ይኾን ኣለኹ ኢሉ መሸቀጢ ክኾኖ "ህዝብና ንሓግዝ" ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ክሕባእ ይፍትን ኣሎ። ነፀላ ዘርጊሑ ምልማን ማንም ኣይኣብዮን!. . . ተቓለስ ኢና እንብል ዘለና ተቓለስ! መፍትሒ ፀገምና ቃልሲ እዩ። ንሶም ብዘብረሱና ቁፅሪ ንሕና ለሚንና ኣይንወፆን! . . . ተቓለስ ክትበሃል ከኻ ሐዚ ሜዳ ውረድ ኣይበልናን (ንሱማ መቐለ እናሃለኻ ኣይገበርካዮን)። ሐዚ ንኣብይ ብግልፂ ተቓለሶ ፣ ንብልፅግና "ፊት ንፊት ተጋፈጦ"! . . . ከም ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ካባኻ ትፅቢት ዝግበር ክትቃለስ እምበር "ኤርትራ ትውፃእ" ኣብ ዝብል ማሕበረሰብ ዓለም ቀዲሙካ ዘልዐሎ ኣጀንዳን ሰብኣዊ ሓገዝን ድሙንሙን ክትብል ኣይኮነን። ንሱ ጎኒ ጎኒ ቃልስኻ ግበሮ። ቀዳማይ ኣጀንዳኻ ቃልሲ - ብኻልኣይ ደረጃኻ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ምፍቃድን ኤርትራ ትውፃእን ምግባር ይከኣል። እንኮ መፍትሒ ፀገምና ግን ቃልስን ቃልስን እዩ። ፀላእትና እውን ብቃልስና ክንኣልዮም እንተዘይክኢልና ብልመና ክርህርሁልና ኣይኽእሉን። . . . ምእሳር ፈሪሕኻ ኣይቃለስን እንተይልካ ግን መን ተቓሊሱ ኣብ ዘምፀአልካ ሰላም ደኣ ኢኻ ብሰላማዊ ቃልሲ ስልጣን ክትርከብ እትደሊ
እዚ ፅሑፍ ንዝተወደቡን ከይተወደቡ ብውልቀ ንህወሓት ዝቃወሙ ዝነበሩን ኣካላት እዩ ዝምልከት። ካብ ውሽጢ እዚኦም እውን ነቶም በረኻ ወሪዶም ምስ ፀላኢ ዝኳሽሑ ዘለዉን ኣብ ከተማ ኮይኖም ብግልፅን ብትብዓትን ንዘይሕጋዊ ወራሪ መንግስቲ ብልፅግና (ኣብይ) ዝቃለሱ ዘለዉን ኣይምልከትን። ንሶም ክብርን ምስጋናን ዝግበኦም ኣናብስን ዋዕሮታትን ደቂ ህዝቢ እዮም። እዚ ፅሑፍ "ብኣፍ ጨለ ብተግባር ዘየለ" ንዝኾኑ መድሐርሐርትን መምሰልትን ዝኾኑ ኣካላት እዩ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን መበገሲ እዚ ፅሑፍ ንዝኾነኒ ተባዕ ተጋዳለይ ዘርኣይ ኣስገዶምን ብፆቱን!
ሐዚ እውን ወይልኡ 'ኣብ ዘለዎ ኮይኑ' ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንዘይተፀምበረ መድሐርሐራይ እምበር - ትግራይስ ብጀጋኑ ደቃ ክትዕወት እያ!
ትግራይ ትዕወት