Tigrayan Nationalist Parties Forum position on the ongoing invasion of Tigray (9.04.2021)
-
africangear
- Posts: 404
- Joined: Fri Dec 11, 2020 5:07 pm
Tigrayan Nationalist Parties Forum position on the ongoing invasion of Tigray (9.04.2021)
ካብ ፎረም ብሄራውያን ዉድባት ትግራይ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ኣመልኪቱ ዝተዉሃበ መግለፂ
ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኣንፃር መንነትና ዝቐነዐ፣ ህዝቢ ናይ ምብራስን ትግራይ ካብ ካርታ ዓለም ናይ ምሕኻኽን ወራር ስዒቡ ሓያል ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ኣጋጢሙ ይርከብ። እዞም ወረርቲ ንሕስያን ሰብኣዉነትን ዘይብሎምን ኣብ ጥፍኣትኻ ሃለዋቶም ከረጋግፁ ዝወፈሩን እዮም። ወረርቲ ህዝብና ንጥሜት ክቃላዕ ምእንቲ እኽሊ ከይኣከበ ኲናት ምኽፋቶም ከይኣክል ዝርካበን ዝተኣከባ እንተኾና እዉን ናብ ሕድሕድ ቁሸት ኣቲዎም ዘሚቶሞ እዮም። ንጋፍ ከይህሉ ድማ ዝተረፈ እኽሊ ካብ ኣፍ ህዝብና እናሕደጉ ነቶም ዘርኢ ዘፅንቱ ዘለዉ ወታደራቶም ይቕልብዎ ኣለዉ። ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም መደቦም መሊኡ ንክዕወት ሓገዝ ህዝቢ ዓለም ናብ ትግራይ ከይበፅሕ ተዓጢቖም ይሰርሑ ኣለዉ። ሳሕቲ ዝተንቀሳቐሰ ሓገዝ እንተሃልዩ ድማ ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ትሕግዙ ኢኹም ብዝብል ምስምስ ይምለስ ኣሎ፣ ዝተረፈ ብወረርቲ ወታደራት ተጨዉዩ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይግዕዝ።
በዚ ምኽንያት ብሚሊዮናት ዝቑፀር ህዝብና ዝብላዕ ስኢኑ ደመና ሞት ኣንፀላልይዎ ይርከብ። ክሳብ ሐዚ ኣብ መቐለ፣ ኣክሱም፣ ሽረ፣ ሳምረ፣ ኣበርገለ፣ ዓብዩ ዓዲ፣ ዓድዋ፣ እንትጮን ካልኦት ከባቢታትን ትግራይ ብኣማኢት ዝቑፀር ህዝብና ዝብላዕ ስኢኑ ይረግፍ ኣሎ። እዞም ወረርቲ ይትረፍ ሓገዝ ንህዝቢ ክባፃሕ ቀፃሊ ዘመነ ምህርቲ ንምኹላፍን ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ንክቕፅልን ኣርዑትን ነዊትን ናብ ምቅፃል ኣቲዎም ኣለዉ። መራሕቶም ድማ ይትረፍ ከም ዜጋ ክቖፅሩኻ ንፀገምካ ብብድዐን ባጫን ይሽቅጥሉ ኣለዉ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ኣጋጢሙካ ዘሎ ኣደራዕ ብዓይነቱ ዝተፈለየን ከቢድን እዩ። ወረርቲ ወይ ንሕና ወይ ህዝቢ ትግራይ ይነብር ዝብል ዕላማ ሒዞም ዝወፈሩ እዮም። ስለዝኾነ ድማ ጥሜት ከም ካሊእ ግንባር ተሊሞም ዓለም ዝሃበካ ሓገዝ ከይትረክብ ይሰርሑ ኣለዉ። እዚ ሕሰም ብፅኑዕ ቓልስኻን ተፃዋራይነትካን ከምትሓልፎ ጥርጥር የብሉን። ነዞም ፀገማት ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ዘይነዓቕ እንተኾነ እዉን እቲ ወሳናይ መፍትሒ ግን ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። ስለዝኾነ ካብዚ ኣጋጢሙካ ዘሎ ፀገም ንክትወፅእ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ምግባር ናይ ግድን እዩ። ክሳዕ ሐዚ ብዝገበርካዮ ቃልሲ ፀላእትኻ እኹል ትምህርቲ ወሲዶም እዮም። ካብቲ ከም ህዝቢ ከብርሱኻ ዝሓሰብዎ መደብ ግን ኣይምለሱን፤ ኣለና ዝብልዎ ኩሉ ሃፍቲ ንጥፍኣትካ ብምዉፋር ናይ ጥፍኣትካ መደቦሞ ኣበርቲዖም ክሰርሕሉ እዮም። ኩለ መዳያዊ ቃልስኻ ዝያዳ ክተሕይል ናይ ግድን ዝብለካ ኩነት እዩ። እዞም ሓይልታት ከም ህዝቢ ክትበርስ ይሰርሑ ስለዘለዉ ሙሉእ መፍትሒ ንክመፅእ ቃልስኻ ኣብ ምዉፃእ እዞም ሓይልታት ክተበርትዕ ይግባእ። ንፃት እንተተዘናጊዕኻ እዞም ወረርቲ እንታይ ከምዝገብሩ ኣሪኦምኻ እዮም። ዓይንኻ ቋሕ ኣቢልኻ ነዞም ብምጥፋእ ዝኣምኑ ደማዉያን ወረርቲ ክትቃለሶም ኣለካ።
ህዝብና ነቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሉ ናብ ከባቢኻ ግዒዙ ዘሎ ወገንካ ትገብሮ ዘለኻ ሓገዝ ኣዝዩ ዘድንቕን ዘኹርዕን እዩ። ንወገንካ ትገብሮ ዘለኻ ሓገዝ ኣጠናኺርካ ክትቅፅለሉ ድማ ንላቦ። እዚ ስራሕ ብዝተወደበ መልክዑ ክትገብሮ ድማ ንፅዉዕ። ዲያስፖራታት ትግራይ ብሳላኹም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዓለም ብዓለማ ክትዛረበሉን ወረርትና ዲፕሎማስያዊ ቅልዉላዉ ከጋጥሞም ኣኽኢልኩም ኢኹም። እዚ ዓርሞሸሽ ስራሕኹም ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ሽርሕታት ወረርቲ ክፈልጡ ብምግባር እዉን ክትደግምዎ ንፅዉዕ። ህዝብና እዚ ኣጋጢሙካ ዘሎ ወራር ብዝሓበረ ቅልፅም መኪትኻን ወገንኻ ከምቲ ፀላእቲ ዝደልይዎ ዝብላዕ ስኢኑ ከይረግፍ ውዳበታት ፈጢርካ በቢዓቕምኻ ብምዕንጋል መንነታዊ ቀፃልነትካ ኣዉሕስ፤ ብሄራዊ ክብረትኻ ኣረጋግፅ።
ፅንዓት ንዘይተርፍ ዓወት!
ፎረም ብሄራውያን ውድባት ትግራይ
ሚያዝያ 1, 2013
መቐለ፣ ትግራይ